2013-06-15 15:23:32

ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ድልድል ክንከውን ዝብል እዩ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ሰነ 2013 ዓ.ም. ናይታ “Civiltà Cattolica-ካቶሊካዊ ሥልጣኔ” እተሰምየት ብኢየሱሳውያን ማሕበር እትሕተም መጽሔት ዋና ኣመሓዳርን ኣባላት ኣሰናዳእትን ተቐቢሎም ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ነቶም ናይታ መጽሔት ኣሰናዳእቲ ኣባላት ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ዘራኽብ ድልድል ሰብ ደቦት ኩኑ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለን ምዃኑ ናይታ መጽሔት ዋና ኣመሓዳሪ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ኣንቶንዮ ስፓዳሮ ሓቢሮም፣ ቅዱስነቶም ነታ መጽሔት ዘለዎም ሓልዮትን ኣቃልቦን ዘረጋገጸ ርክብ ከምዝነበረን፣ ቅዱስ ኣቦና ከም ወዲ ኢየሱሳውያን ማሕበር ኣባል ናይታ መጽሔት መላእ ታሪኽ ኣጸቢቖም ዝፈልጡ እዮም። ብምዃኑ ድማ ንቤተ ክርስቲያን እተበርክቶ ኣስተዋጽዖን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጳጳስ ሮማ ዘለዋ ምትእስሳር ዓሚይቕ ምዃኑን ዘዘኻኸረን፣ እታ መጽሔት ካብ 1850 ዓ.ም. ብጋሴኣ እትሒዛ ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተኣሳሰረት ምዃና እነሆ 163 ዓ.ም. ዕድመኣ ዝምስክ ምዃኑ እውን ሓቢሮም፣ ሰብ ዶባት ክንከውን ዝሃቡና ስልጣናዊ ምዕዳን ቃላት ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ዘዘኻኽረ ምዃኑን እዚ ድማ ቀጻልነት ቀንዲ ዕላማ ናይታ መጽሔት ዘቃልሐን እዩ። እታ መጽሔት ንልልያ መገድን ዘተን ዶብን ኣብ ዝብሉ ቃላት ዘማእከለ ዕላማ ዘለዋ ምዃና እውን ኣባ ስፓዳሮ ጠቒሶም፣ ስልጣናዊ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ነዚ ዘድምዕ እዩ ኔሩ ኢሎም።
ዶባት ቤታዊ ናይ ምግባር ቃልሲ ዘተባብዕ ክኸውን ከምዘይብሉን ኣብ ዶባት እናኸድኩም ዝተፈላለያ ሃገራት ዘራኽብ ድልድል ኩኑ ዝብል ምዕዳን እዮም ደጋጊሞም ለጊሶምልና እዚ ቓል ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ልኡኽነት ዘድምዕ ኣብሳርነት ዘተባብዕ እቲ ቀንዲ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ዘነቓቕሕ ቃል እዩ፣ ብሓጺሩ ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ዘራኽብ ድልድል ኩኑ ዝብል ምዕዳን እዩ እንክብሉ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.