2013-06-11 11:38:43

ብኃልዮት እግዚአብሔር ክንፍቀር ልብና ንኽፈት፣


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንበዓለ ጥቀ ልበ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምኽባር አብ ቤት ጸሎት ቅድስትማርታ አብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘቅረብዎ ስብከት ኢዩ፣ ቅዱስነቶም ዕብየት ፍቅርን ኃይልዮትን እግዚአብሔር ብምዝኽኻር እግዚአብሔር አላዪ ሓላዪ ባህርዩ ተላቢሱ ከፍቅረና ክነፍቅደሉ ከቢት እኳ እንተኾነ ዝለመንካዮ ዘይከል እ ስለዝኾነ ነዚ ጸጋ እዚ ክህበና ክልምኖ ከምዘሎና አዘኻኺሮም፣ ኢየሱስ ፍቅሩ ደጋጊሙ ብቃሉ ገሊጹልና ብቃሉ ጥራሕ ዘይኮነ ከአ ብተግባርን በቲ ዝለዓለ ህያብ ዝኾነ ንገዛእ ር እሱ ም እንታና ብምሃብ ፍቅሩ ገሊጹልና፣ በዓል ጥቀ ልበ ኢየሱስ በዓል ፍቅሪ ኢዩ ከመይ ነቲ ብዙሕ ዘፍቅረና ልቢ ኢየሱስ ስልዝምልከት፣ ከምቲ ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዝብሎ እዚ ፍቅሪ እዚ ካብ ቃላት ብዝበለጸ ብተግባር ይግልጽ፣ ካብ ምቅባል አብ ምሃብ ይዛዚ፤ እዘን ክልተ ባህርያት እዚኤን ማለት ካብ ብቃል ብተግባር ካብ ምቅባል ብመሃብ ዝብላ ናይቲ ሓቀኛ ፍቅሪ አዕኑድ ኢየን፣ በዚ ከአ ነቲ ሓቀኛ ፍቅሪ አምላኽ ብምል አት ዝገለጸና እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኢዩ ከመይ ንሱ ነተን አባጊዑ ሓደ ብሓደ ይፈልጠን ምኽንያቱ ከአ ፍቅሪ ብሓፈሻ ወይ ብማሕበር ዝርዳእ ሓሳባዊ ዘይኮነ ብጭብጢ ንነፍሲ ወከፍ ዝትንክፍ ከምዝኾነ ከምዚ ክብሉ ገለጹ፣
“አምላኽና ብፍቅሪ ተገዲዱ ዝቀርበና ምስ ሕዝቡ ዝጐዓዝን በዚ ጉ ዕዞ እዚ ከአ ናብ ልቢ ሰብ ዘይሓሰቦ ዘደንቅ ነጥቢ የብጽሕ፣ ጐይታናን ፈጣሪናን ሓደ ካባና ኰይኑ ምሳና ክጐዓዝ ምሳና አብ ቤተ ክርስትያኑ ክነብር አብ ቅዱስ ቍርባን አብ ቃሉ አብ ድኻታት ምሳና ክነብርን ክጐዓዝን ማንም ክሓስቦ አይክ እልን፣ እዚ ከአ ቅርበት አምላኽና፣ ቅርበት ጓሳ ምስ መጓሲኡ ወትሩ ጥቃ አባጊዑ ሓደ ብሓደ ከአ ይፈልጠን፣ እንክብሉ ባህርይ ሕይዋይ ጓሳ ምስ ገለጹ፣ እዚ ፍቅሪ እዚ አላይነት ዝመል ኦ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ሰበኹ፣
“ምእላይ! ምሕላይ! ምንባይ! ጐይታ እንከፍቅረና ምስ ዓቢ ኃልዮት ከይንጽገም እናአለየ ኢዩ፣ ብቃላት አይኮነን ዘፍቅረና፣ ባዕሉ ይቀርበና ነቲ ፍቅሩ ከአ ብኃልዮት ይ ዕድለና፣ ይቀርበና ይሓልየልና፣ ባህርይ ፍቅሪ አምላኽ ዝገልጻ ክልተ ቃላት ኢየን፤ እዚ ፍቅሪ እዚ ከአ ኃያል ኢዩ ምኽንያቱ ከአ ቅርበትን ኃልዮትን ኃይሊ ፍቅሪ እግዚአብሔር ስለዝገልጻ፣ ሓንቲ ዝሓተና ከምቲ አነ ዘፍቀርኩኹም ንሓድሕድኩም ተፋቀሩ ኢዩ፣ ከምቲ ንሱ ዘፍቅረናዶ ነፍቅርን ንፋቀርን፣ ከምቲ ንሱ ዝገብሮ ንጐረበትካ ክትቀርቦ ጥቃኡ ክትከውን ምሳኡ ከአ ክትሓልየሉ የድሊ፣ ምሳሌ ናይታ ዝጠፍ ኤት በጊ ዕ ዝምህረና ከአ ነዚ ኢዩ ደልዩ ይረኽባ አብ መንኩቡ ይሽከማ! ከምቲ ዘፍቀረና ክንፍቅር ይከአልዶ! ነቲ ናይ ጐይታ ፍቅሪ ዝመጣጠን ፍቅሪ ክንረክብሶ ንኽ እል፣
“እዚ ጽንክር ዝበለ ሓሳብ ክሕደት እውን ከምስል ይኽ እል! ኮይኑ እቲ ዚዓበየ ሓቂ እዚ ኢዩ፣ ካብ ክነፍቅሮ ብአኡ ክንፍቀር ልብና ምኽፋት ይቀልል! ነቲ ፍቅሩ ብፍቅሪ ንምምላሽ ከስ ልብና ከፊትና ንኸፍቅረና ምፍቃድ ኢዩ፣ ክቀርበና ሓራይ ብምባል ጥቃና ክኸውንን ክሓልየልናን ክ አልየናን ነፍቅደሉ፣ እዚ ከቢድ ኢዩ ኮይኑ ግን ክንልምኖ ዘሎና እዚ ኢዩ “ጐይታ ክፍቅረካ እደሊ አሎኹ ኮይኑ ግን ነዚ ከቢድ ተግባር መሃረኒ ንኽተፍቅረኒ ጥቃይ ከምዘሎኻ ንኽሰመዓኒ ሓልዮትካን አላይነትካን ከስተማቅሮ ልበይ ናይ ምኽፋት ልማድ ፍጠረለይ እናበልና ንለምኖ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ በቲ ልሙድ ናይ ዘምንና መራኸቢ ብዙሓን መል እኽቲ መተሓላለፊ ትዊተር ከአ “ናይ ዘመንና ናይ ምህላኽ ናብራ መግቢ ናይ ምጕሓፍ ልማድ ከንሕድር ገሩና፣ ኮይኑ ግን እቲ ዝጐሓፍ መግቢ ካብ ድኻታትን ዝጠመዩን ከምዝተሰርቀ ኢዩ” ዝብል ኢዩ ነሩ፣ እዚ መል እኽቲ እዚ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ኤውሮጳን ዓረብን ይዝርጋሕ ናብ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ከአ ይበጽሕ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.