2013-06-04 12:18:54

ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ክህነት፣


“ሓቀኛ ቅድስና፤ ንፍቓድ ኣምላኽ ብሕጉስ መንፈስ ብምፍጻም ኢዩ ዚግለጽ” (ማዘር ተረዛ ዘካልካታ)« ۩ »
ማኅበር ቸርቶዚንን ቤተሰብን ኵሎም ፈተውትን፤ ኣብዚ ብምኽንያት ናይ ኣባ ወልደማርያም ተኽሉ ኢዮቤላዊ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ክህነቶም ተረኺቦም ምስኦም ኃቢሮም ንኣምላኽ መዝሙር ምስጋና የዕርጉ። “ ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ፣ መንፈሰይ ከኣ ብመድኃንየይ
ባህ ይብሎ” (ሉቃ. 1.46-47)
---------------------------- ሉካ 2 ሠነ 2013 RealAudioMP3
ኣባ መንግሥተኣብ ተኽሉ፡ (ስም ምንኵስና ኣባ ወልደማርያም)፡ ሰንበት 2 ሠነ 2013 መበል 50 ዓመት ኢዮቤላዊ ክህነቶም ከኽብሩ እንከለዉ፡ ካብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ካብ ኢጣልያን - ካብ ኤርትራን - ካብ ስዊድንን - ካብ ኖርወይን ካብ ዓዲእንግሊዝን - ካብ ካናዳን - ካብ ኅ መ ኣመሪካን ካብ ብሩንድን ዝመጹ ቤተ ሰቦምን ፈተውቶምን ኣማዕሪጎሞም ውዒሎም፣ ኣብቲ ዝዓረገ መሥዋዕቲ ቅዳሴ ኸኣ 3 ካህናት ኣኅዋቶም ኣሰንየሞም። ኣባ መንግሥትኣብ ካብ ዘርኣክህነት ኣሥመራ ንቫቲካን ኮለጅ ብ1956 ትምህርቶም ኪቕጽሉ ተላኢኾም፡ እንተኾነ ካልእ ፍልይ ዝበለ ጸዋዕታ ስለዝተሰመዖም ብናይ ኣባነፍሶም ምኽርን ድጋፍን ናብቲ ኣብ ከተማ ሉካ (ኣውራጃ ቶስካና) ዝርከብ ገዳም ካርቱዚያን ኣተዉ፣ ዓመተ ተመኵሮ ወዲኦም ትምህርቶም ብምቕጻል ብ1963 ምስ ብጻዮም ነፍሲኄር ኣባ ሰራፊኖ ማዕረገ ክህነት ለቢሶም፣ ኣብዚ ናይ 56 ዓመት ምንኵስና ብዙኅ ናይ ጥዕና ሽግር ኣጋጢምዎም፣ ኣብዘን መጨርሽታ ዓመት ከኣ ዑረትን ምጽማምን ተወሲኾሞም፣ ነዚ ዅሉ ሽግር ብዓቢይ ትዕግሥቲ ብምጻርን ደቂ ማኅበሮምን ንበጻሒኦምን ዓቢይ ናይ ትዕግሥቲ ኣብነት ኰይኖም ይርከቡ ኣለዉ፣ ኣባ መንግሥተኣብ በዓል 87 ዓመት ኢዮም፣ ነቲ ናይ ነፍሶም ውስጣዊ ሓጎስ ተኻፈልቲ ኹሎም፡ ምስኦም ኃቢሮም ንእግዚኣብሔር የመስግኑ፣ ኣባ ዓንደሚካኤል ተኽሉ።








All the contents on this site are copyrighted ©.