2013-06-01 18:18:20

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ማርያማዊ ወርሒ ግንቦት ብመቁጸርያን ጸሎትን ዛዚሞም ፡


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ምሸት አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ማርያማዊ ወርሒ ግንቦት ብሥርዓተ ብመቁጸርያን ጸሎትን አስተንትኖን ደምዲሞም ። ቅድሚ ሐሙሽተ ዓመታት 31 ግንቦት 2008 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝነበሩ በነዲክቶስ ብተመሳሳሊ አገባብ ወርሒ ማርያም ግምቦት ከም ዝዛዘምዎ ይዝከር።አብ ቅድስቲ መንበር ማርያማዊ ጳጳሳዊ ክፍሊ ጦሎግያ አውራ ሐላፊ አባ ሳልቫቶረ ማሪኣ ፐረላ ከም ዘመልክትዎ ፡ ወርሒ ግንቦት ብክርስትይናዊ ባህሊ ወርሒ ቅድስቲ ድንግልማርያም ኮይኑ ይኽበርን ይዝከርን ።
ምስኡ ክአ ወርሒ ግንቦት ወርሒ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነ ክዝከር ዘለውዎ ፍጽማኤ ከም ዝኾነ አባ ሳልቫቶረ ማሪያ ፐረላ አገንዚቦም ።
ቅድስቲ ድንግል ማርያም አደ ጐይታና መድሒኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ምልክት እምንትን ከም ዝኾነት ንቅድስቲ ኤልሳቤጥ ዝበጽሔትሉ ግዜ ከም ዝኾነን ክአ አተሐሒዞም ገሊጾም።አብ ቅድስቲ መንበር ማርያማዊ ክፍሊ ጦሎግያ አውራ ሐላፊ አባ ሳልቫቶረ ማሪያ ፐረላ አጠሐሒዞም ከም ዝገለጸዎ ብሐፈሻ ኩሎም ጳጳሳት ንምጥቃስ ዝአክል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ለኦን መበል 13 ጳውሎስ ሻዱሳይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከምኡ ክአ ሕጂ ፓፓ ፍራንቸስኮ ካቶሊካውያን ስድራ ቤታት ኩሉም አብ ገገዝኦም መቁጸርያ ክደግሙ የተሐሳስቡ ።
ምኽንያቱ ሲ ካቶሊካዊ ስድራ ቤት መስረተ ማሕበረ ሰብን ሕብረተ ሰብን ስለ ዝኾነ እዚ ክአ ጥዕና ዘለዎ ሞራል ፈሪሐ እግዚአብሔር ዘለዎ ሕብረተ ሰብ ክህሉ መሠረታዊ ጉዳይ ስለ ዝኾነ ብማለት አተሐሒዞም አመልኪቶም ።
ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ማርያም ፖምፐይ ብምእመናን ተሰንያ ብዑደት ካብ ፖምፐይ ንካተድራል ቅዱስ ጰጥሮስ ከም ዝአተወት ክአ ይፍለጥ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.