2013-05-31 19:13:37

ቤተ ክርስትያን በቶም ምውቅ ፍቅሪ አምላኽ ከምጽኡ ብዝኽእሉ ቤተ ሰብ ክትህብትም አለዋ፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ትማሊ አብ ዝሃብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ቤተ ክርስትያን ዓባይ ሥድራ ቤት እግዚአብሔር ዝብል መግለጺ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን መንቀሊ ሓሳብ ብምግባር እዛ ሥድራ ቤት እዚአ አብ ምሳሌ ጥፉ እ ወዲ ዝተመሥረተት ኮይና እግዚአብሔር መሓርን ርሕሩሕን ብምዃኑ ከምቲ አብ ወንጌል ሉቃስ ም ዕራፍ 15 ተገሊጹ ዘሎ ናብ ቤት አቦና ክንምለስ አብ ዝወሰናላ ሁሞት ሓጢአትናን ዕብዳናን ብዘየገድስ እግዚአብሔር ወትሩ ንኽቅበለና ናባና ገጹ ከምዝጐዪን ሓቍፉ ከምዝስ ዕመናን ብናይ ሓደ ሓጢአተኛ ንስሓ ዓቢ በዓል ከምዝገብርን ድሕሪ አዘኻኺሮም ቤተ ክርስትያን ከአ ዓባይ ሥድራቤት እግዚአብሔር ስለዝኾነት ብመሠረት እቲ እግዚአብሔር ዝወጠኖ መደብ ድሕነት ደቂ ሰባት ክትጓዓዝን ንደቂ ሰባት ኩሎም ናብዛ እንኮ ሥድራ ቤት ንምእካብን ክንሠርሕ አዘካኺሮም፣
እዛ ቤተ ክርስትያን እዚአ ብዙሕ ነቀፈታ እኳ እንተዘነማ ወረ ገሊኦም ንክርስቶስ ሕራይ ንቤተ ክርስትያን ግን እምቢ ዝብሉ አለው፤ አብዚ ዘመና ከአ ንቤተ ክርስትያን እአምና ኢየ ንካህናት ግን አይአምኖምን ዝብሉ አለው፤ ኮይኑ ግን እዛ ቤተ ክርስትያን እዚአ ኢያ ናብ ክርስቶስ ተብጽሕ፤ ዘቍምዋ ከአ ጓሶት ም እመናን ብሓባር ኢዮም፤ ኩሎም ደቂ ሰባት ብምዃኖም ጉድለት ኃጢአት አለዎም፤ ር.ሊ.ጳ እውን ሓዳ ካብኦም ኢዩ ኮይኑ ግን ምሕረት አምላኽ ካብ ኩሉ ይዓቢ እንክብሉ አዘኻኺሮም፣
“አብ ቤተ ክርስትያን ብዙሕ ጉድለት ዘይፍጹምነት ሓጢአት አሎ፤ ር.ሊ.ጳ እውን ካብዚ ብዙሕ አለዎ፤ ኮይኑ ግን እቲ ዘጸናንዕና ርግጽነት እዚ ኢዩ፣ መጠን ሓጢአተኛታት ምዃና ዝፈልጠናሉ መጠን ብትሕትና ናብ እግዚአብሔር ዝቀረብናሉ ምሕረት ንረክብ፣ እግዚአብሔር ወትሩ ምስ መሓረና ኢዩ፣ አይትረስዕዎ፤ እግዚአብሔር ወትሩ ይምሕረና አብ ናይ ምሕረትን ርኅራኄን ፍቅሩ ከአ ይቅበለና፣ ገሊኦም ምናልባት ሓጢአት ንእግዚአብሔር ዘሕዝን ኢዩ ይብሉ ኮይኑ ናብኡ ንኽንቀርብ ምኽንያት እውን ይኾነና ኢዩ፤ ከመይ ትሕት ክንብል ይሕግዘና፣ መደብ ድሕነት አምላኽከስ ንኩሎም ደቂ ሰባት ናብ ሓንቲ ሥድራቤት ናይ ደቁ ንኽገብር ኢዩ፣ በዚ ከአ ነፍሲ ወከፍ ናብ እግዚአብሔር ቀረባ ከምዝኾነን ብአኡ ከምዝፍቅረን ክፈልጥ አለዎ ከምቲ ምሳሌ ወንጌል ዝብሎ ነቲ ናይ እግዚአብሔር ሥድራቤት ምዃን ናይ ፍቅሪ ሙቀት ክስምዖ አለዎ፣ ቤተክርትያንከስ ሱር መሠረታ አብዚ ዓቢ መደብ ድሕነት አምላኽ ትረክብ፣ ብደቂ ሰብ ዝቆመት ናይ ደቂ ሰባት ተቅዋም አይኮነትን፤ ከምቲ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ደጋጊሞም ዝበልዎ ውጽኢት መደብ ድሕነት አምላኽ እዚ መደብ እዚ ከአ አብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ከአ ቀስ ብቀስ ዝግለጽ ፍቅሪ መደብ ኢዩ፣
“ቤተ ክርስትያን እትፈቅረሉን እትፍቀረሉን ሥድራቤት ኢዩ፣” እንክብሉ ነዛ ሥድራቤት እዚአ ነፍሲ ወከፍና ክንሕብሕባን ክንኸላኸለላን ከምዘሎና ብምዝኽኻር ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.