2013-05-28 17:21:54

ግዝያዊ ደስታን ኃላፊ ጣዕሚ ናብራን፤ ተኸተልቲ ክርቶስ ካብ ምዃን ይዓግቱና፣


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ አብ ናይ ትማሊ ቅዳሴ አብ ዝገበርዎ ስብከት ኢዩ፣ ናይ ዕለቱ ወንጌል ነቲ ሓደ ሃብታም መን እሰይ ናብ ኢየሱስ መጺኡ ሕያዋይ መምህር ንክድኅን እንታይ ክገብር አሎኒ ንዝበሎ ክርስቶስ ከአ ትእዛዛት ክሕሉ ይሕብሮ እቲ መንእሰይ ከአ ነዙ ካብ ን እስነቱ ከምዝሓለዎ ምስ ነገሮ ክርስቶስ ነቱ መን እሰይ ጠመቶ አፍቀሮ እውን “ካብ መንግሥቲ አምላኽ ርሑቅ አይኮንካን! ፍጹም ክትከውን እንተደለኻ ዘሎካ ኩሉ ሸጥካ ንድኻታት ዓድል” ምስ በሎ ብዙሕ ሃብቲ ስለዝነበሮ ሓዚኑ ከደ፣ ክርስቶስ ከአ ሃብቲ ዘልዎ ሰብ ናብ መንግሥተ ሰማያት ክ አቱ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ንምግላጽ ሃብታም ናብ መንግሥተ ሰማያት ዚአቱስ ግመል ብ ዓይኒ መርፍ እ ክትሓልፍ ይቀልል ምስ በለ ሓዋርያት ተደናጊሮም መን ደአ ክድሕን ኢዩ እዝስ ከመይ ቢልካ ይከአል ብማለት ክጭነቁ ምስ ረአዮም ኢየሱስ ብሰብ ከቢድ ኢዩ ብእግዚአብሔር ግን ኩሉ ይከአል ኢዩ ከዝምበሎም ዝገልጽ ክፍሊ ወንጌል ነበረ፣
ቅዱስነቶም ነታ “ዘሎካ ኩሉ ሸጥካ ንድኻታት ሃብ እሞ ሰዓበኒ” ን እትብል ቃል መሠረት ብምግባር ሃብቲ ዕንቅፋት ከምዝኾነን ናብ መንግሥቲ እግዚአብሔር ን እንገብሮ ጕዕዞ ከምዘኽብድዎን ድሕሪ ምግላጽ ነፍሲ ወከፍና ናቱ ሃብቲ ከምዘለዎ፤ ኩሉ ግዜ ከአ ናብ ኢየሱስ ካብ ምቅራብ ዝ ዕንቅፈና ሃብቲ ከምዘሎናን ነዚ ከአ ኅልናና ክንምርምር እሞ ረኺብና ክን አልዮ ሓቢሮም፣ እዚ ሃብቲ እዚ ባህላዊ ሃብቲ ክኸውን ይኽ እል ጥ ዑም ናብራ ናይ ምንባር ባህሊ ናይ ትህኪት ባህሊ ነአይ ይጥ ዓመኒ ዝብል ባህሊ ትብ ዓትና የጕድሎ የደንዝዘና እንክብሉ ቍሩብ ተጋድሎ ከምዘድሊ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
“አብ ሓዳር እንተመጺ እና ንጣዕሚ ገዛእ ር እስኻ ቢልካ ካብ ሓደ ቈል ዓ ንላዕሊ አይንወልድን ምኽንያቱ ዕረፍቲ ንክንዛወር አብ ገለ ንኽንከይድ ዚአክል ገንዝብ አይክህልወናን ኢዩ፣ ገዛ ክንገዝ እ አይንኽ እልን፣ ንጐይታ ምኽታል ጽቡቅ ኢዩ ኮይኑ ክሳብ እዛ ነጥቢ እዚአ፤ እዚ ኢዩ ጽቡቅ ንኽነብር አብ ጣዕሚ ንኽነብር ዘኽ እለና፣ አብ ጣዕሚ ክትነብር ምድላይን አብ ጣዕሚ ምንባርን ኩልና ንፈልጦ፤ እንተኾነ ግን እዚ ኩነት እዚ ነቲ ንክርስቶስ ክትክተል ዝግበር ውሳኔ ከይንገብር ንትብዓትና የጕድሞ፣ ናይ ዘመንና ባህሊ ዚዓበየ ሃብትኸስ እዚ ኢዩ ናይ ጣዕሚ ናብራ ባህሊ፣
ካል እ ናይ ባህልና ሃብትውን አሎ እዚ ናይ ንግዚኡ ዝብል ባህሊ ኢዩ፤ እዚ ብሕልፊ አብቲ መሠረታዊ ናይ ሕይወትና መሪሕ ዝኾነ ኪዳናዊ ሕይወት ንኸትበጽሕ ዝ ዕንቅጽ ግዝያዊ ፍቅሪ ዝበህል አሎ፤ ነርክበሉ ኪዳን ምእታው አየድልን፤ ዝብል ኢዩ፣ ግዝያዊ ደስ ይብለና እቲ ወሳንን ጽኑዕን ነገር ግን ደስ አይብለናን ምኽንያቱ ናይ እግዚአብሔር ጊዜ የፍሃና ኢዩ ከመይ ወሳንን ጽኑዕን ኢዩ፣
“ንሱ ጐይታ ጊዜ ኢዩ ንሕና ግን ናይ ግዝያዊ ነገራት ዋናታት ኢና፣ ስለምንታይ? ምኽንያቱ ናይ ግዝያዊ ነገራት ዋናታት ኪና ካባኡ ግን አይንሓልፍን ደሓርከ? ንዝብለና ንር እዮ ንብል፣ ሓደ ካህን ክኸውን ዝደሊ ዝነበር መነእሰይ ዝሰማዕክዎ ገሪሙኑ ካህን ክኸውን ኢየ ግን ን10 ዓመት ቢሉኒ ደሓርከ? ክንደይ መርዑ ወላውን ብአፎም እንተዘይበልዎ ብልቦም ክሳብ እቲ ፍቅሪ ዘሎ ንጐዓዝ ደሓርኸ? ንር እዮ ዝብሉ አለው፣ ግዝያዊነት፣ እዚ ኢዩ ናይ ዘመንና ባህላዊ ሃብቲ፣ ናይ ግዜ ጐይቶት ክንከውን አሎና፣ ነቲ ግዚያዊ አንኢስና ንመልከቶ፣ እዚ ኢዩ እቲ ሓቀኛ ሃብቲ፣ ስለዚኸስ እዘን ክልተ ባህላውያን ሃብታት እዚኤን ንቅድሚት ከይንጐዓዝ ይ ዕንቅፉና አለው፣ አብዚ ጊዜ እዚ ዝሓስቦም ብዙሓት ምስዮናውያን ቤት ንብረቶም ሓዲጎም ወንጌል ንክሰብኩ ዝከዱ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ አንስትዮን እንክኾኑ እቲ ሓቀኛ ውሳኔ ከአ እዚ ኢዩ፣ ብመንጽር እዚ እውን ሓዳር ክገብሩ ቈሪጾም ገዛኦም ሥድራኦም ዝገደፉ እሞ ክሳብ ሞት ዝፈልዮም ዝወሰኑ ሰብ ሓዳር እውን አለው፣ እዚ ኢዩ ሓቀኛ ተኸታልነት ክርስቶስ፣
“ብመንጽር ጸዋዕታ ክርስቶስን እዘን ክልተ ባህላውያን ሃብታትን ንሐዋርያት ንሕሰብ፣ ደንጽይዎም ነሩ፤ ንሕናእውን ክድንጽወና ይኽእል፣ ክርስቶስ ነቲ ጽኑዕ ውሳኔ ብ ዓቢ ተስፋ ክንገብር ትብዓት ክህበና ንለምኖ፣ እንክብሉ ካብዘን ክልተ ባህላውያን ሃብታት ምሉእ ብምሉእ ነጻ ክንከውን እሞ ንክርስቶስ ብምሉእ ልብና ንምኽታል ክንውስን አዘኻኺሮም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.