2013-05-25 16:24:52

ኣዋጅ ብፅዕና ናይ እምነት ሰማእት ኣባ ፑሊዚ


RealAudioMP3 ዕለት 25 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ኣብ ክፍለ ሃገር ሲቺሊያ ርእሰ ከተማ ፓሌርሞ ኣብ ዝርከብ ኣደባብይ ኡምበርቶ ቀዳማይ ናይ ከተማ ፓርሌርሞ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ፓውሎ ሮመኦ ብዝሰርዕዎን ኣብቲ ስርዓት ምእዋጅ ብፅዕና ቅዱስ ኣቦና ክውክሉ ብቕድስነቶም ዝተመዙ ቅድሚ 15 ዓመት ኣቢሉ ናይ ኣባ ፑሊዚ ንብፅዕና ዘብቅዕ መጽናዕቲ ክብገስ ዝገበሩ ናይ ፓሌርሞ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካዲናል ሳልቫቶረ ደ ጆርጂ ብዝተሳተፍሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣባ ፑሊዚ ናይ እምነት ሰማዕት ተባሂሎም ብፅዕና ከም እተኣወጀሎም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኣባ ፒኖ ፑሊዚ ናይ ፓሌርሞ ሰበኻ ካህን እቶም ብቐሊሉ ንናይ ገበን ጉጅለ ማፍያ መጋበርያ ክኾኑ ዝኽእሉ ሕፃናት ስኡናት ኣባይቲ ስድራን ቤተሰብን ብመንፈሳውን ሰብኣውን ሕንጸት ብምግልጋልን ወንጌል ብምብሳር ኣብ ኣገልግሎት እንከለዉ ብማፍያ ልክዕ ኣብታ ዝተወለዱላን መበል 56 ዓመት ዕድሜኦም ኣብ ዘኽበሩላ ዕለት 15 መስከረም 1993 ዓ.ም. ከምእተቐትሉን ቅዱነቶም ልሂቅ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 “odium fidei-ብጸልኣ እምነት” ናይ ደም ሰማዕትነት ዝኸፈሉ ዝብል ናይ ውሳኔ መግለጺ ብፅዕና ክእወጀሎም ናይ ውሳኔ ሰነድ ከምዝፈረሙ እንክዝከር፣ እነሆ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሔር ነታ ኣብ ኢጣሊያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኮነ ነታ ኣብ መላእ ዓለም እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክስቲያን ሓድሽ ናይ ብፅዕና ጸጋ ከምዝዓደለ ብፁዕ ካርዲናል ደ ጆርጂ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.