2013-05-25 16:21:18

ሊቅ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኦራኒ ዥዋው ተምፐስታ ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦና


RealAudioMP3 ዕለት 24 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ብኵላዊት ቤተ ክርስቲያን በቢ ዓመቱ ዝዳለው መደብ ምኽንያት ናይታ ካብ ዕለት 23 ክሳብ ዕለት 28 ሓምሌ 2013 ዓ.ም. ናይ ለብዘበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት እተእንግድ ብራዚላዊት ከተማ ሪዮ ደ ጃነይሮ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኦራኒ ዥዋው ተምፐስታ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዛረቡ ነቲ ርክብ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሲልቮነይ ፕሮትዝ ሓቢሮም።
ብፁዕ ኣቡነ ተምፐስታ ድሕሪ እቲ ርክብ ምስ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፕሮትዝ ኣብ ዝገግበርዎ ቃለ መሕትት፦ እቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ንኽጅመር ክልተ እዋርሕ እዩ ተሪፍዎ ዘሎ፣ ብራዚል ብፍላይ ድማ ነቲ መገለጺ’ቲ እተእንግድ ከተማ ሪዮ ምቅርራባቱ ኩሉ ፈጺማን ብጸሎትን መንፈሳውነትን ብሓጐስን ካብ መላእ ዓለም ንዝመጹ መንእሰያት ከትእንግድ ትጽበ ኣላ። ናይ ተሳተፍቲ መንእሰያት ምዝገባ ገና ይቕጽል እውን ኣሎ፣ እቶም ኩሉም ክሳተፉ ዝደልዩ መንእሰያት ንምእንጋድ ድልዋት ኢና። ማዕጹ ሪዮ ክፉት እዩ ኢሎም።
እቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንምርኻብ ዘቕረብናዮ ሕቶ ቅዱስነቶም እወታዊ መልሲ ሂቦምን እነሆ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሪዮ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ኣብ ዘተኰረ ርእሰ ጉዳይ ዝርርብ ክንገብርን ብዛዕባኡ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ክንቕበል ተዓዲልና ኢና። እቲ ርክብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ሪዮ፣ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘራኽብ ክኸውን ከምዘለዎ ገሊጾምልናን እዮም።
ከተማ ሪዮ ደ ጃይነሮ ከም ኩለን ከተማታት ዝተፈላለዩ ጸገማት እውን እንተሃለዋ ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ ዝተፈላለዩ መንእሰያት ኣብ ትሕቲ ጽላል እምነት ንምርኻብን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንምእንጋድን ተሰናድያን ቅርብትን ኮይና ኣላ እንክብሉ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.