2013-05-23 16:04:44

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ናይ ሓባር ርክብ ንሰላም መሠረት ኢዩ


RealAudioMP3 ከምቲ ልሙድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሕንጻ ቅድስቲ ማርታ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ትማሊ ዕለት 22 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ “ሰናይ ምግባር-ግብረ ሰናይ” በቲ ዘሎ ናይ ኣጋጣሚ ፍልልያት ናይ ሃይማኖትን ስነ ርእየትን ፍልልያት ብዘየገድስ ሰብኣውነት ዝጥርንፍ ናይ ምራኻብ ባህሊ ዘቕውም ናይ ሰላም መሰረት ዝኾነ ሓፈሻዊ መትከል ምዃኑ ኣብ ዘነጽር ሓሳብ ዝተማእከለ ስብከት ከምዘስምዑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ችንቶፋንቲ ሓቢሮም።
ናይ ዕለቱ ምንባበ ወንጌል ናይ ኢየሱስ ደቀ መዛሙርቲ ሓደ ዘይ ኣባሎም ወይ ድማ ዘይ ወዲ ማሕበረ ደቀ መዛሙርቲ ግብረ ሰናይ ከይገብር ይኽልክልዎ እዚ ድማ ኣብቲ ወንጌል ዝተጠቕሰ፦ ደቀ መዛሙርቲ “የዕረምርሙ ነበሩ” ዝብል ቃል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ጠቒሶም፦ “ዘይ ወዲ ማሕበርናን ዘይናትናን ሰናይ ክግበር ኣይክእል እዩ፣ ይብሉ ኢየሱስ ግን ሰናይ ክገብር ኣይተኸልክልዎ እንክብል ይእርሞም። ደቀ መዛሙርቲ ሓቂ ዝጨበጡን ንሕና ጥራሕ ወነንቲ ሓቂ ኣብ ዝብል ሓሳብ ተዓጽዮም እቶም ኣብዚ ሓቂ’ዚ ዘየለዉ ሰናይ ክብገሩ ኣይክእሉን እዮም ኣብ ዝብል እማኖ ስለ ዝተዓጽዉ ድማ ንኻልኦት ናይ ምቕባል ጸገም ኔርዎም። ኢየሱስ ግን ነቲ ኣድማስ የግፍሖ እሞ፣ ሰናይ ምግባር መሰረት ኣብ ፍጥረት ኢዩ። ስለዚህ ናይ ኩሉን ንኹሉ ዝምልከት ክብሪ ምዃኑ የረድኦም። ጎይታ ብኣርኣያኡን ኣምሳሉን ፈጢሩና ኢዩ፣ ናቱ ኣምሳልን ኣርኣያን ኣባና ተሓቲሙ ኣሎ። ሰናይ ግበር፣ ሕማቕ ግን ኣይትግበር ዝብል መምርሒ ድማ ኣብ ልቢ ኩላትና ተሓቲሙ እዩ። ንሱ ሰናይ እዩ ዝገብር፣ እዚ ካቶልክ ኣይኮነን እሞ ሰናይ ክገብር ኣይከኣሎን እዩ? ካቶሊክ ኣይኹን ከም ሰብ መጠን ሰናይ ክገብር ግን ዝከኣሎ እዩ። ስለምታይ ሰናይ ግበር ዝብል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝተሓትመ ትእዛዝ ኢዩ። ሰናይ ዝገብር ብጀካይ ወይ ድማ ብጀካና ዝብል ኣረኣእያ ፈላላይ መንደቕ ናብ ውግእ ዝመርሕ ኣመለኻኽታ እዩ። ታሪኽ እውን ዝምስክሮ እዩ። ብስም እግዚኣብሔር ዝተፈጸሙ መቕተልትን ውግእትን ምጥቃስ ይከኣል፣…ብስም እግዚኣብሔር ኣንሕና እውን ክንቐትል ዝከኣል እዩ። ብስም እግዚኣብሔር ምቕታል ግን ስም እግዚኣብሔር ምክፋእ እዩ” ከምዝበሉ ቸንቶፋንቲ ገሊጾም።
“ጐይታ በደመ ክርስቶስ ኣቢይሉ ንኹላትና ኣድሒኑና እዩ። ንኣና ካቶሊካውያን ጥራሕ ኣይኮነን ንዅላትና ኣድሒኑና እዩ። ኢእግዚኣብሔራውያን እውን እተኾኑ ንኹሉ ኣድሒኑ እዩ። ደመ ክርስቶስ ውሉደ እግዚኣብሔር ገይሩና እዩ፣ ብኣርኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር ዝተፈጠርና ብምዃንና ደቂ እግዚኣብሔር ኢና። እዚ ድማ ናብ ሰላም ዝመርሕ ናይ ሓባር ሰናይ ክብሪ እዩ። ኩላትና ከከም ዝከኣለና በቢ ወገንና ሰናይ ኣብ ምፍጻም እንተድኣ ተጸሚድና እቲ ኣዚዩ ዘድልየና ዝኾነ ናይ ምርኻብ ባህሊ እንተድኣ ኣቕኒዕና ሰናይ ብምፍጻም እንተድኣ ተራኺብና፣ ኢእግዚኣብሔር ባህሊ ምስ ዝስዕብ ሰብ እውን ይኹን ፍልልይ የሎን ሰናይ ኣብ ምፍጻም እዩ እቲ ርክባትና” ምስ በሉ ዕለቱ ናይታ ናይ ዘይከል ነገር ኩሉ ሓላዊት ቅድስቲ ተባሂሉ ብእንተ ላእለ ኩሉ ቢተ ክርስቲያን ዝተሰምየት ቅድስቲ ሪታ ዝኽሪ በዓላ ምዃኑ እውን ዘኪሮም፣ “ስለዚ እቲ ዝከኣል ክነሱ ዘይከኣል ኮይኑ ዝስምዓና ሰናይ ምግባር ናይ ኩሉ ኣብ ኩሉን ምዃኑ ርግጸይናነት ክህልወና ዘብቕዕ ጸጋ ብኣማላድነታ ንኣናን ምእንቲ ዅሉ ንለምን። ሰናይ ምፍጻም ናይ ኩሉ እዩ፣ ሰናይ ንምፍጻም መታን ክንበቕዕ ኩላትና ሰናይ ኣብ ምግባር ምእንቲ ክንራኸብን እቲ ናይቲ ፈጣሪ ኣምሳልን ኣርኣያን ምዃንና ዝምስክር ተግባር’ዚ ናይ ኩላትና ብሓደ እግዚኣብሔር ሓንቲ ስድራ ስለ ዝኾንና ሰናይ ምፍጻም ናይ ስድራ ቤታዊ ዕዩን ንኹላትና ብዘይ ኣፈላላይ እግዚኣብሔር ዘፍቅረና ምዃኑ፣ ቅድስቲ ሪታ እቲ ዝፍጸም ዘይመስል ሰናይ ዘበለ ኩሉ ንምፍጻም መታን ክንበቅዕ እግዚኣብሔር ጸጋኡ ንኽዕድለና ተማልደልና” እንክብሉ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.