2013-05-21 17:38:37

ብትሕትና ዝቀረበ ኃያልን ጽኑዕን ጸሎት ተአምር ይገብር፣


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ቅድስት ማርታ መቀበል አጋይሽ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ቅድስት መንበር አመሓደርትን ሰራሕተኛታትን አብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘስምዕዎ ስብከት ኢዩ፣
ከም ናይ ላቲን ሥርዓተ አምልኾ ግጻዌ ትማሊ ዝተነበ ወንጌል ናይቲ ወዱ ጋኔን ሒዝዎ ንሓዋርያት ከሕውዩሉ ዝሓተተ ግን ምኽ አል ምስ ሰአንዎ ናብ ኢየሱስ ሒዝዎ ከይዱ ጐይታይ ወደይ እንዶ ግዳ አሕውየለይ ናብ አርድ እትኻ ሒዘዮ ከይደ ከሕውይዎ አይከአሉን ዝበሎ እሞ ኢየሱስ ከአ አንቱም ሰብ ውሑድ እምነት ክሳብ መአስ ምሳኹም ክኸውን ኢዩ ቢሉ ምስ ገንሖም ናብ ኡ ከምጽ እዎ አዚዙ ነቲ አቦ ወዲ ነዙይ ክገብር ከምዝኽእል ትአምንዶ ምስ በሎ “እወ እአምን ንዘይምእማነይ ሓግዝ” ቢሉ ብትሕትና ምስ መለሰ ኢየሱስ ከአ “ንዚአምን ኩሉ ይከአሎ ኢዩ” ድሕሪ ቢሉ ንወዱ ከምዘሕወየሉ ዘዘንቱ ኢዩ፣
ቅዱስነቶም ነታ ዘይምእማን ትብል ቃል ትርጉማ ምሉእ ብምሉእ ተአማሚንካ ንኩሉ አብ ኢድ ኢየሱስ ንኸይትገድፍ ተሰናኽል ምዃና ገሊጾም፣
“ስለምንታይ ዘይም እማን? እንተበልና ብዝመስለኒ እቲ ልቢ ኢዩ ዘይክፈት ዕጹው ልቢ ማለት ኢዩ፣ እዚ ከአ ንኩሉ አብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ክገብር ዝደሊ ልቢ ኢዩ፣ እዚ ዝዓይነቱ ልቢ ከአ ኢየሱስ ንነገራት ክቆጻጸር አይፈቅድን፣ ኢየሱስ ነቲ ሓዋርያት ክውጽእዎ ዘይከአሉ ጋኔን ብጸሎት እንተዘይኰይኑ ከምዝይከአል ይገልጽ፣ ንሕና ኩልና አብ ውሽጢ ልብና ናይ ዘይምእማን ክፋል አሎና፣ ስለዚ ብርቱዕ ጸሎት የድልየና ፣ እዛ ብትሕትና እትግበር ኃያል ጸሎት እዚአ ከአ ኢየሱስ ተአምራት ከምዝገብር ትገብሮ፣ ተአምር ንምሕታት ዝግበር ጸሎት ብርቱዕን ኩለንትናኻ እተወፍየሉን ክኸውን አለዎ፣ ነዚ አብነት ዝኸውን አብ ዓዶም ዘጋጠመ ታሪኽ ሓደ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ቆልዓ ብብርቱዕ ሓሚሙ አብ ሆስፒታል ይአቱ፤ ሓካይም ዝተኻእሎም ገሮም ምስ ቀበጹ ቍሩብ ሰዓታት ጥራይ ብሕይወት ከምዝጸንሕ ንወለዲ ምስ ሓበርዎም፤ ሠራሕተኛ ኤለክትሪክ ዝነበረ አቦኡ ክጽለል ይደሊ፣ ዝገብሮ ይጠፍኦ፤ አውተቡስ ወሲዱ ካብቲ ዝነበሮ ቦታ 70 ኪሎሜተር አብ ዝምርሓቁ ዝርከብ ናይ እኖና እግዚ እትነማርያም መካነ ንግደት ሉኻን ናብ ዝበሃል ይኸይድ፣
“ሰዓት 9 ናይ ምሸት ይበጽሕ ኩሉ ተዓጽዩ ይጸንሖ፣አ እዳው አብቲ ማዕጾ ብጽኑዕ ሒዙ ናብ ማርያም ክልምን ይጅምር፣ ምሉእ ለይቲ ብብርቱዕ ብኽ ያትን ጽን ዓትን ክጽሊ ሓዲሩ፣ እዚ ሰብ አይ እዚ አብርቲዑ ይማጐት ነሩ፤ ምስ እግዚአብሔር ይማጐት ነሩ፤ ን እግዚአብሔር ወዱ ከሕውየሉ ይልምን ነሩ፣ ምድሪ ምስ ወግሔ ሰዓት 6 ናብ እንዳ አውቶቡስ ከይዱ ከባቢ ሰዓት 9 ናብቲ ሆስፒታል ምስ በጽሔ ሰበይቱ ክትበኪ ጸኒሓቶ፣ መይቱ ኢዩ ዝኸውን ቢሉ እናሓሰበ ከአ ደሓንዲኺ እንታይ ኮይኑ፧ ቢሉ ምስ ሓተታ ሓካይም መጺኦም እቲ ክቀትሎ ተቃሪቡ ዝነበረ ብርቱዕ ረስኒ ዝሒሉ እቲ ቈል ዓ ከአ ደሓን የስትንፍስ አሎ ጸገም ዘለዎ አይመስልን ቢሎምኒ ገና ክልተ መዓልቲ አብ ሕክምና ክጸንሕ ኢዩ ቢሎምኒ እንታይ ከምዝኾነን ከመይ ከምዝኾነን አይርዶኦምን ኢዩ ዘሎ በለቶ፣ ከምዚ ዓይነት ተአምር አብ ብዙሕ ከባቢታት ይፍጸም ኢዩ፣ እቲ ዘድሊ ብምሉእ ልብኻ ምጽላይ ኢዩ፣
“አብ ደረጃ ተአምር ክሳብ ዝበጽሕ ዝቃለስ ተባዕ ጸሎት እምበር እቲ በዘልማድ ጸልየለይ ክጽልየልካ ቢልካ ከም ሓውሲ ቃል ዓለም ዝድገም አቦና አብ ሰማያት እትነብርን ሰላም ንአኺ ኦ ማርያምን እሞ ጽንሕ ቢልካ ከአ ዝርሳዕ አይኮነን፣ ከምቲ ናይ አቦና አብርሃም ንከተማኡ ከድሕን ምስ እግዚአብሔር ዝማጐት ከምቲ ኣእዳው ክሳብ ዝርብርብ እሞ ብየማነ ጸጋም ኮይኖም ዝሕግዝዎ ᎀሴ ከምቲ እምነት ዘለዎም እሞ ብእምነት ዝጽልዩ ብዙሓት ሰባት ተባዕን ጽኑዕን ጸሎት የድሊ፣ ጸሎት ተአምር ይገብር ኮይኑ ግን ክን አምን አሎና፣ ከምዝመስለኒ ሎሚ መዓልቲ ከምቲ ናይ ወንጌል ሰብአይ “እአምን ኢየ ጐይታይ ነቲ ዘይምእማነይ ሓግዝ” እናበልና ክንጽሊ ንኽእል፣ ነቶም ምእታአቶም ክንጽልየሎም ዝሓቱና አብ ውግእ ዝሳቀዩ ዘለዎ ስደተኛታን ብዙሕ አደራዕ አብ ርእሶም ዝወርድ ዘሎ ንጸሊ እዚ ግን ብልቢ ክኸውን አለዎ፣ ንጐይታ ብልብና፤ ግበሮ! ጐይታይ እአምን ኢየ! ጐይታይ ነቲ ዘይምእማነይ ሓግዝ! ወላውን አብቲ ጸሎተይ ዘሎ ጉድለት ርዳእ! ንበሎ፣ ሎሚ ነዙይ ንግበር እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.