2013-05-18 16:01:44

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ እቲ ጸገም ሓጢያኣተይና ዘይምዃን ዘይኮነስ ገዛእ ርእስኻ ብፍቕሪ ክርስቶስ ንኽልወጥ ኣብ ፍቅሪ ጐይታ ዘይምንባርና እዩ


RealAudioMP3 ዕለት 17 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤተ መዘክር ሰራሕተይናታት ዝተሳተፍሉ መስዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም፦ እቲ ጸገም ሓጢያኣተይና ዘይምዃን ዘይኮነስ ገዛእ ርእስኻ ብፍቕሪ ክርስቶስ ንኽልወጥ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ፍቅሪ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይምንባር እዩ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከ ስልጣናዊ ስብከት ከምዘስምዑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ገሊጾም።
እቲ ካብ ሙታን ዝተንስኤ ጎይታ ኢየሱስ ንቅዱስ ጴጥሮስ ሰለስተ ሳዕ ትፈትወኒ ዶ እንክብል ኣብ ዘቕረብሉ ሕቶ ዘሎ ክሌኣዊ (ናይ ኢየሱስን ቅዱስ ጴጥሮስ) ናይ ፍቕሪ ዘተ ዘማእከለ ዝተነበ ናይ ዕለቱ ወንጌል ኣመርኵይዞም ቅዱስ ኣቦና ስልጣናዊ ኣስተንትኖ እንከቕርቡ ነቲ ታርኽ ርክብ ኢየሱስን ቅዱስ ጴጥሮስን ካብታ ፈለማ ሰዓበኒ ንስኻ ስምካ ከፋ ወይ ድማ ከውሒ ክኸውን እዩ ቢሉ ናይ ጴጥሮስ ተልእኾ ዘድምዕ ብጎይታ ዝተሃውቦ ስም ምዃኑ ገሊጾም፣ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረድኦ እውን እንተዘይነበረ ብጠቕላላ ታሪኽ ርክብ ኢየሱስን ጴጥሮስን እንታይ ከምዝመልስ እንከረድኡ፦ ጴጥሮስ ጐይታ ንሳልሳይ ጊዜ ትፈትወኒ ዶ እንክብል ብዘቕረበሉ ሕቶ ጉህዩ፣ ይሓዝን ሕፍረት እውን ይስምዖ። እዚ ዓቢይ ሰብ እዚ ገፋፊ ዓሳ። እቲ ጸገም ሓጢኣተይና ዘይምዃን ዘይኮነስ እቲ ጸገም ብዝፈጸምካዮ ሓጢኣት ዘይምንሳሕ ወይ ድማ በቲ ዝፈጸምናዮ ዘይምሕፋር እዩ ዘመልክተልና። ቅዱስ ጴጥሮስ እዚ ሕፍረትን ውርደትን ይስምዖ፣ እቲ ናይ ጴጥሮስ ሓጢኣት ናብ ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ይመርሖ ናብ ናይ ምሕረት ሓጐስ ይመርሖ።” ከምዝበሉ ዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣስዒቦም፦ “ጴጥሮስ ሓጢኣተይና እምበር ምግባረ ብልሽውና ኣይነበሮን፣ ሓደ እዋን ሓደ ቆሞስ ናይ ሓንቲ ገጠር ጳጳስ ንክኾኑ ተሰምዮም ምስ ኣብቅዑ እዋእ ኣነስ ብቑዕ ኣይኮንኩን ቢሎም ናብ ኣበ ነፍስ ከይዶም እቲ ዘለዎም መንፈሳዊ ስቓይ ምስ ይገልጹ እሞ እቶም ኣበ ነፍሲ ድማ ጴጥሮስ እኳ ምስቲ ኵሉ ዓቢ ጸገሙ ጎይታ ር.ሊ.ጳ. ክኸውን ዝሓረዮ፣ በል ነዓ ኣይትፍራሕ ንቕድሚት ድኣ በል በልዎ ይበሃል። ጎይታ ከምዚ እዩ። ድኻምነትናን ጸገማትናን ብዘየገድስ በቲ ምስኡ ብዝፍጸም ርክብ ኣቢሉ እዩ ዘዕብየና። ንኣኡ ምስቲ ኵሉ ዘሎና ሓጢኣትና ምስ እንራኸቦን ምስ እንፈልጦን እዩ ዕብየትና” ከምዝበሉ ሓቢሮም።
እቲ ብዘይምቍራጽ ወትሩ ምስ ጎይታ ዝራኸብ ሕይወትን ብቐጻልነት ወትሩ ምስ እግዚኣብሔር ዝራኸብ ሰብን በቲ ምራኻብ ዝልወጥን ዝዓብን በሳል ሰብ ዝገብርን ከምኡ ኾነልና መታን ጸጋ ክዕድለና ንጐይታ ምስኡ ናይ ምርኻብ ጸጋ ንለምኖ። ንኣኡ ኣብ ምድላይ ክንጓዓዝን ምሳኡ ንኽንራኸብን ንሱ ጐይታ ባዕሉ ንኽድግፈና ንለምኖ። ንሱ ካብ ምድላይና ኣይቦክርን እዩ። ወትሩ ቀረባና እዩ። ኣንሕና ኢና ገጽና ናብ ካልእ እነጠምቶን እንኽወልን። ምሳኡ ምዝራብ እንቋርጽን ወይ ድማ ምዝራብ ዘይንደልይ ኣንሕና ኢና። ምሳኡ ንኽንራኸብ ገዛእ ርእስና ነዚ ርክብ ንፍቀድ፣ እዚ እዩ እቲ ዓቢይ ጸጋ፣ እዚ እዩ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘስተምህረናን ዝሕብረናን ጸጋ። ሎሚ እዚ ጸጋ’ዚ ንጐይታ ንለምኖ። ከምዚ ድማ ይኹነልና” ቢሎም ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.