2013-05-16 20:01:37

ክርስትያን ምዃን ንጊዜኡ ጥራይ ዘይኮነ ንወትሩ ኢዩ፣ መንፈስ ቅዱስ ከብርሃልና ዕለት ዕለት ንጸሊ፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ትማሊ አብ ዝሃብዎ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ አብ ዝሓለፈ ዕለታት ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ንዝጀምርዎ አስተምህሮ ብምቅጻል መንፈስ ቅዱስ መምህር ሓቂ ስለዝኾነ ነቲ ምንጪ ሓቅን ሓቂ ባዕሉ ዝኾነ ክርስቶስ ክገልጸልና ዕለት ዕለት ክንልምኖ፤ እዚ ሓቂ እዚ ኸአ ሃሰው ቢልካ ዝርከብ ዝጭበጥ ዘይኮነ ምስቲ ምንጪ ሓቂ ዝኾነ ክርስቶስ ምርኻብ ምውህ ሃድ ኢዩ፣
አብዚ ዘሎናዮ ዘመን ሓቂ ተኻሒዱ ጥራይ ዘይኮነ ብሱሩ ጠፊኡ ወረ ገሊኦም ሓቂ ዝበሃል ዝጭበጥ ዝተሓዝ የሎን ኩሉ ተዛማዲ ኢዩ አብ ዝብሉሉ ግዜ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 እውን ብዛዕባ እዚ ጉዳይዚ ደጋጊሞም ከምዘስተምሃሩ ብምዝኽኻር እንታይነት ሓቂ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣ ሽሕኳ ዘሎና ዘመን ፈውሲ ዘይርከቦ ሕማም ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን አጥቂዕዎ ብዛዕባ ቅዱሳት ነገራትን ብዛዕባ ካብቲ ካብ እግዚአብሔር ዝመጽእ ሓቅን ክዛረብን ክሰምዕን ዘይደሊ እንተኾነ ሓቂ ባዕሉ ክርስቶስ እዩ ነዚ ዝገልጸልና ከአ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ አብ ሓቂ ምህላው ማለት ከአ ምስ ክርስቶስ ምርኻብ ኢዩ እንክብሉ ነቲ ልዕሊ 100 ሺሕ ዝኸውን ካብ ርሑቅን ቀረባን አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተአከቡ ም እመናንን ነጋድያንን አዘኻኺሮም፣
“ከምዚ ቢልካ ክርስትያን ክኽወን አይከአልን! ክርስትያን ንኩሉ ጊዜ ብፍጹም ምል አት ልቢ ዝኽወን ኢዩ፣ እቲ መንፈስ ቅዱስ ዝምሕረናን ዝህበናን ሓቂ ክርስቶስ ንወትሩን ብምል አትን አብ ኩሉ ዕለታዊ ሕይወትና ከሰንየናን ከገድሰናን አለዎ፣ መንፈስ ቅዱስ ከም ተኸተልቲ ክርስቶስ ብመንገዱ ክንጐዓዝ ከብርሃልናን ክመርሓናን ወትሩ ንለምኖ፣ ነዙይ ቍርጺ ፍቃድ እዚ ክትገብሩ ሓሳብ አቅርበልኩም፣ ዕለት ዕለት ንመንፈስ ቅዱስ ክትልምኑ ቍርጺ ፍቃድ ግበሩ በዚ ከአ መንፈስ ቅዱስ ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ ከቅርበና ኢዩ፣ እንክብሉ ተማሕጺኖም፣
ቅዱስነቶም ብዛዕባ ሓቂ እንከስተምህሩ ናብቲ ናይ ጲላጦስን ኢየሱስን አብ መንበረ ፍርዲ ዝተባሃህልዎ ብምዝካር ኢየሱስ ንጲላጦስ ብዛዕባ ሓቂ ምስ ተዛረቦ ጲላጦስ ሓቂ እንታይ ኢዩ ክብል ንዝሓተቶ ከምዚ ክብሉ ተንቲኖም፣
“ጲላጦስ ሓቂ አብ ቅድሚኡ ተገቲራ ከላ ክር እያ አይከአለን፤ ነቲ ገጽ እግዚአብሔር አብ ዝኾነ መግለጺ ሓቅን ሓቂ ብር እሱን ኢየሱስ አብ ቅድሚኡ ከሎ ክር እዮ አይከአለን፣ ኮይኑ ግን እቲ ሓቂ ኢየሱስ ባዕሉ ኢዩ፣ እዚ ሓቂ እዚ ከአ ጊዜኡ ምስ በጽሔ ሥጋ ለቢሱ ከማና ሰብ ኮነ አብ ማእከልና እውን ሰፈረ እዚ መግበሪኡ ከአ ንሕና ንሓቂ ም እንቲ ክንፈልጥን ብ አካል ም እንቲ ክንረኽቦን ቢሉ ኢዩ፣ እዛ ሓቂ እዚአ ከአ ኢያ ሓራ ተውጽ አና፣ ሓቂ ከም ሓደ ተጨባጢ ነገር ሒዝካ ን አኻ ጥራይ ትገብራ አይኮነትን አብ ሓቂ ምህላው ማለት ምስ ክርስቶስ ምርኻብ ኢዩ፣” ብማለት ድሕሪ ተንቲኖም ቤተ ክርስትያን ይኹን ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ከአ ብሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ነዚ ርክብ እዚ ኢዩ ዘስተማቅር፣ ከመይ ከምቲ ክርስቶስ ዝበሎ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ክርስቶስ ዝበሎ ኩሉ አብ ልብና ሓቲሙ እናዘኻኸረና ዕለት ዕለት አብ እንገብሮ ምርጫታትን ጕዕዞ ሕይወትናን ከም ምንጪ ብርሃንን መምርሕን ክንጥቅመለን ይሕግዘና ቢሎም፣
እዚ ጥራይ ዘይኮነ መንፈስ ቅዱስ አብ ሓቂ ከምዘጥሕለናውን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
“አብ መዓሙቍ ሓቂ እውን ይመርሓና፤ ናይ ጕድያት እግዚአብሔር ዓሚቍ ፍልጠት እናሃበ ከአ ወትሩ ምስ ክርስቶስ ብ ዕምቈት ከም እንወሃሃድ ይገብረና፣ ነዚ ነገርዚ ብኃይልና ብምንም ተአምር ክንገብሮ አይንኽእልን፣ እግዚአብሔር ኅልናና እንተዘይ አብሪሁልና ክርስትናና አፍ አዊ ጥራይ ኮይኑ ይተርፍ፣ ስለዝኾነ ከአ ተግባራትና ካብ መዓሙቍ ውሽጢ ልብና እዮም ዝፍልፍሉ፣ ቀንዲ ናብ እግዚአብሔር ክምለስ ዘለዎ ልብና ኢዩ ልብና እንተአርሒና መንፈስ ቅዱስ ክልውጠና ኢዩ፣ ብኅልፊ አብዚ ዓመት እምነት ናብ ኅልናና ተመሊስና ክሳብ ክንደይ ኢና ብዛዕባ እምነትና እንግደስ፣ ቅዱስ መጽሓፍ ብምንባብን ብምስትንታንን ትምህርቲ ክርስቶስ ብምጽናዕን ምሥጢራት ብምስታፍን እምነትና ነሐይለዶ አሎና፣ እንክብሉ ድሕሪ ምሕታት ከምታ ንኩሉ ነገር አብ ልባ ብምሓዝ ተስተንትን ዝነበረት እኖና እግዚ እትነ ማርያም ኩልና ነዚ ወርቃዊ ጊዜ እዚ ክንጥቀመሉ፣ ሓደራ ብማለት ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.