2013-05-14 18:20:30

ናይ 2013 ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ጳጳዋዊ ጸብጻብ ዓመት ‘አንዋርዮ ፖንተፊቾ;


ናይ 2013 ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ጳጳዋዊ ጸብጻብ ዓመት ‘አንዋርዮ ፖንተፊቾ’ ብወግ ዒ ከምዝቀረበን ቤተ ክርስትያን አብ ኩሉ ብሕልፊ ከአ አብ አፍሪቃን ኤስያን ዓቢ ዕብየት ከምዝረአየት ተገሊጹ፣
እዚ ዓመት ዓመት ብክፍሊ እስታቲስቲክስ ወይ ጸብጻብ ናይ ቅድስት መንበር ንር.ሊ.ጳ ዝቀርብ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ሃለዋት ዝገልጽ ጸብጻብ ትማሊ ብናይ ቅድስት መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ታርቺዝዮ በርቶነን ናይ ሓፈሻዊ ጉዳያት ተተካኢ ብፁዕ ካርዲናል አንጀሎ በቹን ከምዝቀረበ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና አመልኪቱ፣
ነቲ ጸብጻብ ዘሰናደዉ ናይ ቅዱስት መንበር ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሓላፊ ብፁዕ አቡነ ቪቶርዮ ፎርመትን ተሓባበርቶም ፕሮፈሰን ኤንሪኮ ነናን ካልኦትን ኢዮም፣ ቅዱስነቶም ሓዲስ ብምዃኖም ንምንጽጻር ምእንቲ ክጥዕሞም እውን ዝርዝራዊ ሓበሬታ ጸብጻብ ናይ 2011 አንዋርዩም እስታቲስቲኩም ኤክለስየ ዓመታዊ ጸብጻብ ቤተ ክርስትያን ዝብል ሰነድ እውን ተቀቢሎም፣ ቅዱስነቶም ነቶም ነዚ ሥራሕ እዚ ብጽፈት ዝፈጸሙ አመስጊኖም፣
ብመስረት እዚ ሓዲስ ጸብጻብ ናይ ምሉእ ዓለም ካቶልካውያን 1 ቢልዮንን 214 ሚልዮንን እንክኾን እዚ ቅድሚ ዓመት ዝተወስደ ጸብሳብ ኢዩ፣ አብ 2010 ቍጽሪ ካቶሊካውያን 1 ቢልዮንን 196 ሚልዮንን ኢዩ ነሩ፣ ስለዚ ናይ 1.5 ካብ ሚ እቲ ዕብየት ከምዘር አየ እዚ ከአ ካብቲ ዕብየት ብዝሒ ሕዝቢ ዓለም ዘ ር ዮ ጸብጻብ ቍሩብ ከምዝ ዓቢ ተመልኪቱ፣ ዕብየት ብዝሒ ሕዝቢ ዓለም 1.23 ካብ ሚእቲ ኢዩ ነሩ፣ ኮይኑ ግን ብዝሒ ሕዝቢ ካቶሊካውያን ናይ መላእ ዓለም ብዙሕ ከምዘይለወጠ እውን ተመልኪቱ፣ ብጽሒት ካቶሊካውያን ብመንጽር መላእ ሕዝቢ ዓለም ከምቲ ቅድሚ ዓመት ዝነበሮ 17.5 ሚ እታዊት ኢዩ ዘሎ፣ እዚ ብሓፈሻ እንክኸውን ካብተን ፍልይ ዝበለ ዕብየት ዘር አያ ሓንቲ ዝኾነት አፍሪቃ ግን ብዝሒ ሕዝባ ብ2.3 ሚ እታዊት ዕብየት እነከር ኢ ብዝሒ ካቶሊካውያን ግን 4.3 ሚ እታዊት ዕብየት አር እዩ፤ እዚ ከአ ን እምነትና ዝቅበሉ ሓደስቲ አባላት እናዓበዩ ከምዝኸዱ ዘመልክት ኢዩ፣ ከም ኡ ውን ናይ ኤስያ ዕብየት እንከር ኢ አመሪካን ኤውሮጳን ከባቢ 0.3 ካብ ሚ እቲ ከምዝኾነ ተመልኪቱ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.