2013-05-08 17:29:33

ቀዳም ሥዑር ሚያዝያ 26 2005 ዓ.ም. 5/4/2013


“ወትቤ ሲኦል አይ ውእቱ ዝንቱ ዘእም ሥልጣንየ ሥጋ ለቢሶ ዘሞዐኒ፥ መኑ ውእቱ ዝንቱ ዘምድረ ለብሰ፥ ውእቱኬ ሰማያዊ ውእቱ።”
ንባባት
2ቆሮ 5፡6~ፍ፥ 1ጴጥ 3፡15~ፍ፥ ግ.ሓ. 3፡12~4፡5፥ ሉቃ 24፡1~12
ምስባክ፡
አንሰ ሰከብኩ ወኖምኩ፥ ወተንሣእኩ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ ኢይፈርህ እምአእላፍ አሕዛብ። “ተገምሰስኩን ድቃስ እውን ወሰደኒ፥እግዚአብሔር ስለ ዘተንስአኒ ካብቶም አእላፍ አሕዛብ አይፈርሕን እየ” መዝ. 3፡5
ቀዳም ስዑር ክንብል እንከሎና አብ እምነትና ፍሉይ ዕለት እዩ። እዛ ዕለት ወዲ አምላኽ ብሥጋኡ አብ ከርሲ ምድሪ ሓዲሩ ዘሕለፋ እያ። ናይ ግዚኡ መራሕቲ ሃይማኖትን ሃገረን ንኢየሱስ ንሞት ፈሪዶም ቀቲሎም ተዓዊትናሉ ኢሎም ዝሓሰቡላ ዕለት እያ። ሓዋርያት እቲ መስሕ/መድኃኒ ኢሎም ዝአመንዎ ከምቲ ዝበሎምን ዝአመንዎ ከምዘይኮነ ኮይኑ ዝሃደሙላ ዕለት እያ። እዚአ ዕለት አምላኽ ዝለዓለ ትሕትና ንደቂ ሰባት ከድሕን ዘርአየላ ዕለት እያ። አብ ጥንታዊ ስብከት ነዛ ዕለት ብዝርኢ አብ ሓ/ት/ክ 635 ከም እንረኽቦ ከምዚ ዝብል ነንብብ፡
“ሎሚ አብ ምድሪ ከቢድ ስቕታ፥ ረዚን ጸጥታ ብሓቂ እውን ከቢድ ከውታ ነጊሡ ይርከብ። እቲ ንጉሥ ደቂሱ ስለ ዘሎ፥ ዓቢ ጸጥታ ሰፊኑ። አምላኽ ብመደብ ሥጋ ደቂሱ፥ ነቶም ኩሎም ዓለም ካብ ዝፍጠር አትሒዞም ዝደቀሱ ከአ ስለ ዘተንሥኦም. . . . . መሬት አንቀጥቂጣ ትርከብ። ንዝጠፍኤት በግዒ ከም ዘናድይዋ ነቲ ቀዳማይ አቦና አዳም ከናዲ ከደ። እቲ ብሓደ ወገን አምላኾም በቲ ሓደ ከአ ወዲ ሔዋን ዝኾነ ነቲ አብ ሞቝሕ ዝነበረ አዳምን፥ ምስኡ ምርኮይና ዝነበረት ሔዋንን ካብ ሓዘን ሓራ ምእንቲ ከውጽእ፥ ነቶም አብ ጸልማትን ጽላሎት ሞትን ይነብሩ ዝነበሩ ንኺበጽሖም ብባህጊ ናብኦም ከደ. . . . አነ ምእንታኹም ክብል ውሉድኩም ዝኾንኩ አምላኽኩም እየ . . . ስለዚ እታ ትድቅስ ዘሎኻ እእዝዘካ አሎኹ. . . ተንሥእ (ንቓሕ)። ናይ ሲኦል ሙቝሕ (ሕቡስ) ኮንካ ክትነብር ኢለ አይፈጠርኩኻን። ካብ ሙታን ተንሥእ ከመይሲ አነ ሕይወተ ሙታን እየ” (ጥንታዊ ስብከት ቀዳም ስዑር)።
አብ ትውፊት ቤተ ክርስትያን አብ ሲኦል ወረደ እናበልና ናይ እዛ ዕለት ኩነት ንገልጽ። ኢየሱስ ቅድሚ ምትንሣኡ አብቲ ናይ ሙታን ቦታ ከምዝኸድ እምነትና ይነግረና። አብ ሲኦል ዘኸዶ ምኽንያት ቀዳሞት ሓዋርያት ከም ዝገልጹልና ነቶም ካብ አዳም ጀሚሮም ትርኢት አምላኽ ዝተኸወሎም ከድሕን አብ ሲኦል ወረደ ይብሉና። ሲኦል ብዕብራትስጢ “ሸኦል” ብግሪኽ “ሃደስ” ይብሃ፤እዚ ቦታ ሓጎስ አይ ኮነን ቦታ ስቓይ እውን አይኮነን። ነቶም ብእምነት ጸኒዖም ሕይወቶም ዝመርሑ ንሰማይ ወሰዶም። “ነተን አብ ሕፅኒ አብርሃም ኮይነን መድኃኒ ንዚጽበያ ነፍሳት እዩ ክርስቶስ ጎይታ ንሲኦል ወሪዱ ዘውጽአን” ዝብል ት/ክ ነንብብ።
ሓ/ት/ክ 636 ከምዚ ይብል “ናብ ሲኦል ወረደ ዝብል አንቀጽ ኢየሱስ ብሓቂ ከም ዝሞተ፥ ብሞቱ ከአ ንሞትን ነቲ ሥልጣን ሞት ዘለዎ (ዕብ 2፡14) ዲያብሎስን ከም ዝሰዓረልና ናይ ሓዋርያት ጸሎተ ሃይማኖት ይእመን። ትውፊታዊ እምነት ከምዝገልጾ እምብአር ሞት ኢየሱስ ንኹልና ደቂ ሰብ ከምዘድኅነና እዩ። ቀዳም ስዑር ሞትን ሰይጣንን ብግብሪ ዝተሳዕሩሉ ዕለት እዩ።
አብ ባህሊ ሃገርና ንሶሙናት ድሕሪ ጸምና ብቀዳም ስዑር ንስዕር አብ ሓዲስ ምዕራፍ ንአቱ አብ ትንሣኤ ንአቱ። በዚ ዕለት ኩሉ ምቅርራባት ንገብር ንብዓልና ፍሉይ ገርና ብነፍስን ብስጋን ተሰናዲና ነብዕሎ። ትንሣኤ ፍሉይ እዩ ምኽንያቱ እቲ ዝዓበየ ምስጢር እምነትና ስለ ዝኾነ። እንቋዕ ሉጓመ ጾም ፈትሓልና እናበልና አብ ነነድሕድና ሰናይ ትምኒት ክንገልጽ እንከሎና ብሕልናን ክንለብሶ ክንገብሮ ዝግብአና ነገር አሎና፡

አብዚ ፍሉይ ዕለት አብ ስርዓት ሃገርና ሰቲ ይዕደል ኩሉ አማናይ አብ ርእሱ አብ ገዝኡ ሰቲ ወሲዱ ይአስር ከምኡ ምልክት መስቀል ይገብር እሞ ንትፈትዎ ሰብ ይውሃብ። ፍሉይ ትእምርቲ ዘለዎ ስርዓት። ንኢየሱስ ብምሉእ አብ ሕይወትናን አብ ርክባትናን ክነእትዎ ዕድል ዝኸፍተልና ፍሉይ ዕለት እዩ። “ወለመልአከ ሕይወትሰ ሰቀልዎ ለዘተንሥአ እሙታን ገብረ ሰላመ በመስቀሉ ትንሣኤሁ አግሀደ” “ናይ ሕይወት ጎይታ ሰቐልዎ፥ ካብ ሙታን ዝተንሥኤ፥ ብመስቀሉ ሰላም ገበረ፥ ትንሥኤኡ አግሃደ” እናተባህለ አብ ቍምስና ዑደት ይግበር እዚ ኸአ ንትንሣኤ ክንቅበል እሞ አብ ብዓሉ ክንሳተፍ ምእንቲ እዩ። ሎሚ አምላኽ አብ ልባትና ቦታ ክረክብ ንክፍአትን ኃጢአትን አሊና ክንርከብ ፍቓደኛታት ክንከውን ይደልየና አሎ።
ሎሚ መዓልቲ ምስንዳው መዓልቲ ምንጻሕ እዩ። ንሕይወትና ደፊርና ክንምርምሮ እሞ ንዘሎና ዝኾነ ኃጢአት ካብ ልብና አውጺእና ሓደስቲ ፍጡራት ክንከውን ስንድዋት ንኹን። መላእኽቲ አብዚ የለን ኢሎም ነተን አብ አፍደገ መቓብር ኮይነንን ዝበኽያ ዝነበረ አንስቲ ሓቢሮመን። ማርያም መግደላዊት አበሎ ሬሳ ጎይታይ እናበለት ተናድዮ ነራ። ሞት ንእምነታ አይዓገቶን ንሬሳ ኢየሱስ አብ ኩሉ ደልያቶ። ክሳብ እትረኽቦ አይዓረፈትን። ሎሚ አነን ንስኻትኩምን ንኢየሱስ ክንረኽቦ ክሳብ አብ ቤትና አብ ሓዳርና አብ ቍምስናና ኮታስ አብ ኩሉ ሕይወትና ክሳብ እነእትዎ ክነዕርፍ የብላና።
    ክንሳሕ፡ ምብሉእ ልብና አብ ምስጢረ ኑዛዜ ቀሪብና ክንናዘዝ ኃጢአትና። ፍርሒ ሕፍረት ትዕቢት ካባና አሊና ብምሉእ ልብና ክንሳሕ። ኃጢአትና ተአሚና ጽኑዕ ቁርጺ ፍቓድ ክንገብር።
    ጸሎት ክንገብር። ካብ ጊዜና ምስ አምላኽ እንራኸበሉ ጊዜ ክንውስን። አብ ቅድሚ ቅዱስ ቍርባን ኮና ዕላል ምስ ኢየሱስ ክንምሃር። ኳሕኩሑ ክኽፈተልኩም ይብለና አሎና። ለምኑ ክትውሃቡ ይብለና አሎ ስለዚ ንጸሊ።
    ምስ ኩሉ ሰላም ንግበር። ንዝበደሉና ንዝበደልናዮም ምእንቲ አምላኽ ኢልና ዕርቂ ክንገብር። ሎሚ መዓልቲ ዕርቅን ምሕረትን እዩ። ትንሣኤ ክርስቶስ መዓልቲ ሰላም ስለ ዝኾነ ሰላም ክንገብር ትሑዛት ኢና።

ቀዳም ስዑር አብ ፍሉይ ዕለት እምነትና ዘእቱ ስለ ዝኾነ ብፍላይ ዕጥቅን ምቅርራብን የድልየና። ኩሉ አምላኽ ካባይ ዝደልዮ ንትንሣኤ ቀሪበ አሎኹ ኢልና “ይእዜሰ ኮነ ፍሥሓ ወሰላም ኢልና” መዝሙር ሓጎስ ሒዝና ንቕረብ።
“ትንሣኤኻ ንዝአመና ብርሃንካ ስደደልና” እናበልና አብ ዋዜማ ትንሣኤ ንጸሊ። ብዅሪ ትንሣኤና ዝኾነ ክርስቶስ ፍሉይ ጸጋ ዓዲሉ ብሩኽ ብዓለ ትንሣኤ ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.