2013-05-07 15:50:37

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.፦ ነታ ኣብ ጸገም ኣትርከብ ስድራ ቤት ምሕረት እግዚኣብሔር ብቓልን ሕይወትን መስክሩ


RealAudioMP3 ኣብ ኢጣሊያ ንቪሲታ ኣድ ሊሚና ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባዚሊካ ቅዱስ ጳጥሮስ ንምስላምን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጲጥሮስ ተራኺቦም ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኣባይቲ ክርስቲያኖም ንምዝታይን ካብ ቅዱስነቶም መርሕ ቃል ንምቕባል ካቶሊካውያን ብፁዓን ጳጳሳት ብዝፍጽምዎ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምኽንያት ትማሊ ንጐሆ ቅዱስነቶም ኣብ ኢጣሊያ ናይ ፒዮሞንተ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ነቶም ናይ ፒዮሞንተ ብፁዓን ጳጳሳት ዝመርሑ ናይ ቶሪኖ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቸሳረ ኖሲሊያ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ እቲ ርክብ ብሓቂ ርጉእን ሓናጽን ልክዕ ውላድ ምስ ወላዲ ክራኸብ እንከሎ ዝንበር መንፈስ ዝተራእየሉ ከምዝነበረ ገሊጾም፣ ኣብ ከባቢ ፒዮሞንተ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ህሉው ኩነታት ካብ ጸገማትን ተስፋ ዝተነብረሉ ርእየትን ዝተበገሰ ሓበሬታ ንቕዱስነቶም ብምቕራብ ተኻይዱን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብተራኦም ኣብ ዝለገስዎ መሪሕ ቃል ኣተባቢዖምን ብፁዓን ጳጳሳት ነታ ኣብ ጸገም እትርከብ ስድራ ቤት ፍቅርን ሓልዮትን ምሕረትን እግዚኣብሔር ብቓልን ሕይወትን ከበስሩን ንኻህናቶም ከፍቅሩን ጸዋዕታ ካብ ቃለ-ሕይወት ብዝብገሰ ምስክርነት ከተባብዑ ድማ ሓደራ ከምዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ኖሲሊያ ገሊጾም።
ብፁዓን ጳጳሳት ፒዮሞንተ ትሕትናን ስድራ ቤታዊ መንፈስ ቅዱስ ኣቦናን ዕምቆት ዝለገስዎ መሪሕ ቃል ኣዚዩ ከምዘደነቖምን ዝገለጹ ብፁዕ ኣቡነ ኖሲሊያ ኣስዒቦም፣ ብፁዓን ጳጳሳት ዓሚዩቕ ኣብ ፍቕርን ሓልዮትን ምስክርነት ቃለ ሕይወት ዘማእከለ ርክብ ምስ ካህናቶምን እግዚኣብሔር ምስ ዝሃቦም መጓሰን ክህልዎምን እዚ ንምፍጻምን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ድማ የዕሩኽን ኣፍቀርቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ክኾኑን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብነት ክስዕቡን ብሓቂ ልቢ ኢየሱስ ዘለዎም ኮይኖን ንሕዝበ እግዚኣብሔር ቀረባ ክኾኑ ዝተጸውዑ ምዃኖም ከይዝንግዑ ዝብል ቃል ዘማእከለ መሪሕ ቃል ከምዝለገሱ ገሊጾም ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.