2013-05-07 15:44:24

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ፦ ብፍቕሪ ዝተነቓቕሔን ብእምነት ዝጸንዔን ብርታዔ ይሃልኹም


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቶም ኣብ 1506 ዓ.ም. ብመርሕነት ር.ሊ.ጳ. ጁሊዮ ዳግማዊ ዝቖመ ናይ ቅድስቲ መንበር ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ በዓል ምስረታ ምኽንያት ናይ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ኣባላትን ስድራ ኣባይቶምን ኣብ ቅድስቲ መንበር ቅዱስ ቀለመጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም መሪሕ ቃል ከምዝግለገሱን ኣብቲ ስነ ስርዓት ናይ ፈደራላዊት ስዊዘርላንድ ርእሰ ብሔር ኡኤሊ ማውረር ከምእተሳተፉ ነቲ ዝተኻየደ ርክብ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።
እቲ ዝኽሪ በዓለ ምስረታ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ፣ ንጐሆ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ብዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ተጀምሩ ብምቕጻል ስነ ስርዓት ተዘክሮ ሰማዕታት ኣብ ኣደባባይ ቀዳሞት ሰማዕታት ሮማውያን ሓወልቲ ፊት ተፍጺሙ ድሕሪ ቐትሪ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተ ኣብ ሃገር ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ደንበ ቅዱስ ዳማሶ 35 ሓደስቲ ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ናይ ቅድስቲ መንበር ትኩእ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣንጀሎ በቺዩ ኣብ ዝተረኽብሉ ስነ ስርዓት ቃለ ማሕላ ከምዝፈጸሙ ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።
በታ መዓልቲ በዓለ ምስረታ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ነቶም ዕለት 6 ግንቦት 1547 ዓ.ም. ብላንዚከነኪ መጥቃዕቲ ንዝወረዶም ር.ሊ.ጳ. ቀለመንጦስ ሻብዓይ ንምክልኻል ዝተሰውኡ 147 ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ስነ ስርዓት ዝኽሪ ሰማዕታት ፈጺሞምን፣ ነቲ ቅድሚ 507 ዓመታት ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝኣተዎ ናይ እሙን ኣገልግሎት መብጽዓ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዲሶም ምስ ኣብቅዑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ቃል፦ “ኣብዚ እዋን’ዚ መስዋዕቲ ክትኸፍሉ ዝድርኸኩም ኩነት እውን ዘሎ እንተዘይመሰለ፣ ኣገልግሎትኩም ወትሩ ጻዕርን መስዋዕትነትን ዝሓትት እዩ። ውዕዉዕ ናይ መንእሰይ ጉልበትኩም ንቤተ ክርስቲያንን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ንኸተወፍዩ ዘብቅዓኵን ሓይሊ ካብቲ ብፍቕሪ ክርስቶስ ዝተነቓቕሔን ብእምነት ኣብ ክርስቶስ ዝጸንዔን ብርታዔ ዝፍልፍል እዩ። በቢ ዕለቱ በቲ ዘለኩም ሙያዊ ብቕዓትን ፍቕርን እተበርክትዎ ናይ ተወፋይነት ኣገልግሎት እመስግነኩም። እግዚኣብሔር ኣብታ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበልኩምላ መዓልቲ ንዝዓደለኩም ጸጋ እምነት ወትሩ ዘክሩ፣ እዚ እዩ እቲ ዓቢይ ሃብትኹም፣ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ቤተ ክርስቲያንን ናይ እተበርከትዎ ኣገልግሎት ምንጪ ሓይሊ እቲ ዝተዓደለኩም ጸጋ እምነት እዩ። ኣብ ንሓድ ሕድኩም ምትሕስሳብን ብትሕልላይን ተቐራረቡ” ከምዝበሉ ዝሓበራ ሮበርታ ጁሶቲ ኣስዒበን፦ ፍቱዋተይ ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ጐይታ ቀቅድመዅም ዝስጉምን ዝመርሓኩምን ከምዝኾነ ከይትዝንግዑ እዚ እዩ ድማ ጽንዓት መንፈስ ዝኾነኩም” ከምዝበሉ ገሊጸን።
ናይ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ኣዛዚ ኮረኔል ዳኔል ኣንሪግ ድሕሪ እቲ በዓል ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፦ እቲ ኣብ መንበር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝፍጸም ኣገልግሎቶ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ልዕሊ 500 ዓመት ዕድመ ዘቝጸረን ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንፃ ዝነብሩ ብምዃኖም ኣብቲ ከባቢ ሕንጻ እውን ኣገልግሎት ዝህብ እዩ። ስለዚህ ዕላማና ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንምግልጋል ስለ ዝኾነ ዝመጽእ ለውጢ ኩሉ ብዙሕ ዘተሓሳስብ ኣይኮነን፣ ተወፋይነት ንቤተ ክርስቲያንን ንተኸታልን ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ ዕላማና” ኢሎም።
ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶን ኣብቲ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ነታ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊሊጵስዩስ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽት ዝጠቕሳ ለጋስን ክፉት ልቢን ዘለዋ ሊዲያ፦ “ብዘይ ምግንና ታሪኽ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ልክዕ ከምቲ ኣብ ኤውሮጳ ታሪኽ ኣስፍሆተ ወንጌል ብዙሓት ከም ሊዲያ ክፉትን ለጋስን ብዝኾነ ልቢ ዝነበሮም ደቂ ቤተ ክርስቲያን ምንባሮም ምስ ዘረጋግጾ ታሪኽ ዝመሳሰል እዩ…” ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዘጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.