2013-05-07 15:47:07

ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ርእሰ ብሔር ስዊዘርላንድን


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበሮም ናይ ፈደራላዊት ስዊዘርላንድ ርእሰ ብሔር ኡኤሊ ማውረር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ክምልከት እንከሎ፣ ኣብቲ ርክብ ኣብ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሰላምን ፍትሕን ዘማእከለን እዞም ክቡራት ዋጋታት ንምርግጋጽን ኣብ ዓለም ንምንቕቓሕን ንምርግጋጽን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዘሎ ምትሕብባር ቅድስቲ መንበርን ስዊዘርላንድን ንምሕያል ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝርርብ ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ እንከመልክት፣ ርእሰ ብሔር ማውረር ካብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ተፋንዮም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ዶሚኒከ ማምበርቲ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ከምእተራኸቡ ሓቢሩ፣ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ብምኽንያት ቅዋሜ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ዝተፈጸመ ከምዝኾነን ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ስዊዘርላንድን ዘሎ ርክብን ምትሕብባርን ዘሕይልን ዘጽንዕን ከምዝኾነ ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.