2013-05-02 12:09:18

ጸሎተ ሓሙስ 2005 ዓ.ም.


ንባባት፡1ቆሮንጦስ 11፡23~26፤ 1ጴጥሮ 2፡12~25፥ ግ.ሓ.27፡8~23፥ ዮሓ 13፡1~15
ስብከት፡ ወሠራዕከ ማእደ በቅድሜየ በአንጻሪሆሙ ለእለ ይሳቅዩኒ፥ ወአጽሓድከ በቅብእ ርእስየ፥ “እንጻር እቶም ዝሳቕዩኒ አብ ቅድመይ መአዲ ሰራዕካለይ፥ ንርእሰይ ብቅብኢ አለስለስካዮ” መዝ.23፡
ጸሎተ ሓሙስ ወይ ሓሙስ ጽግቦ ፍሉይ ዕለት አብ እምነት ክርስትና እያ ምኽንያቱ ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ሞቱ ዝዓበየ ፍቕርን ዝኽርን ዝሓደገሉ ዕለት ስለ ዝኾነ። በዚ ዕለት ቅዱስ ቍርባን፥ ምስጢረ ክህነት ክመኡ አገልግሎት አድሕድ እቲ ዝዓበየ አብ ቅድስና ዝወስድ ምዃኑ ገሊጹልና።
አብ ጊዜ ኢየሱስ አብ ምድረ ፈለስጢና ናብራ ከቢድ ኢዩ ነሩ። ፍሉጥ መጋበሪ ጉዕዞ ብእግሪ እዩ ነሩ። ሰባት ነውሕን ዓቐብ ቁልቁለት ይጉዓዙ ነሮም፥ ደሮና ጽምኢ ፀሓይ ኩሉ ተሓዋዊሱ ሰባት አብ መገዲ ድኻም ጥመት ይብርትዖም ነሩ። ብዙሕ ጉዕዞ ብእግሪ ምስተጎዓዝካ ኩሉ እግርኻ ማይ ይመልእ ድኻም ካብ ዓቐን ንላዕሊ እዩ ዝወርደካ። ናይ እዚ ተመክሮ አብ ገድሊ ዝነበሩ ብፍሉይ ክነግሩና ይኽእሉ። ተመሃሮ ከሎና 1977~1982 በቲ ዝነበረ ጽንኩር ኩነታት ሃገርና ኩሉ መጎዓዝያ ስለ ዘይነበረ ብእግርና ካብ አሥመራ ንከረን ንጉዓዝ ነርና ንአሽቱ ዝነበርና ብዙሕ ይኸብድ አይነበረን እንተ ኾነ ንብዙሓት ካባና፥ እቲ ምረት ጉዕዞ ጽምኢ ጥመት ዘይርሳዕ ተመክሮ እዩ። አብ መገዲ ብዙሕ እንዕርፈሉ ቦታታት ነሩ ዓዲ ብደል፥ ሃብረሺቆ፥ ለበንታርብ፥ብርዖና ድምበ ሃብተጸን፥ ሓዲሽ ዓዲ፥ ጀርተም፥ ሓሊብመንተል። በቲ እዋን ልዕሊ ኹሉ እንደልያ ዝነበርና ዝስተ ማይን እንተ ተኻእለ እግርና ክንሕጸብን እዩ። ነውሕ ምስተጎዓዝካ እግርኻ ክትሕጸብ እንከሎኻ ዝስምዓካ ናይ ብሓቂ ዝሕድስ ዘዕርፍና ንሓዲስ ጉዕዞ ክትቅጽል ዝሕግዝን እዩ።
አብ ጊዜ ኢየሱስ ሓደ ምልክት አኽብሮት ንጋሻ ዝግበር ዝነበረ ነውሕ ተጓዒዙ ዝመጸ ጋሻ ብውዑይ ማይ ገርካ እግሪ ምሕጻብን ምድራዝን እዩ ነሩ። እዚ ብዙሕ ጊዜ ብባራዩን ሰራሕተኛታት እዩ ዝግበር ነሩ። ነዚ መሰረት ገሮም አብ ሃገርና ከምዚ ሎሚ ከይተረፈ ጋሻ ምስ መጸ ቀልጢፎም እግሩ ይሓጽብዎ ወይ ማይ ንእግሩ ክሕጸብ ይቕርቡሉ። አብ ገዳማት ሃገርና (ናይ ተዋህዶ) ነጋይሽ ተቐላጢፎም እግሮም እዮም ዝሓጽብዎም።
አብ ምድረ እስራኤል ብግዜ ኢየሱስ ነዚ ዝተዓዘቡ አብ መገዲ ዝደኸሙ ዘዕርፉሉ መዕረፍ አጋይሽ ክገብሩ ጀሚሮም በዚ ኸአ መንገደኛታት አዕሪፎም ተሓዲሶም ጉዕዝኦም ይቕጽሉ ነሮም። በዚ ምኽንያት ነቲ መዕረፎ አጋይሽ “Restaurants” ኢሎም ክሰምይዎ ጀሚሮም ምኽንያቱ ነቶም ደኺሞም ዝነበሩ ሓዲሱ ሓይሊ ዝመለስ ስለ ነበረ። ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ክሓጽቦም እንከሎ በዚ ርድኢት ወሲዶሞ ይኾኑ እዮም። እዚ አብ ቅዱስ ቍርባን ዘሎና ርድኢት ብዝያዳ ዘብርሃልና እዩ።
ቅዱስ ቍርባን ብመንጽር ሕጽበት እግሪ ክንርእዮ እንከሎና ንኹሎም አብ ጉዕዞ መገዲ ሕይወት ዘለዉ ሓዳስን ዘበራትዕን እዩ። ሕይወት ክርስትያን አብዚ ዓለም ነጋዳይ ማለት አብ ጉዕዞ እዩ ዘሎ። እቲ መገዲ ነዊሕን ብርቱዕን ዓቐብን ቁልቁለትን ዝመልኦ አድካሚ ጉዕዞ እዩ። አብ መንጎ ጉዕዞ እንከሎና እቲ መገዲ ከቢድ ስለ ዝኸውን ደኺምና ንድሕሪት ክንምለስ ይፈታተነና እዩ። እንተ ኾነ ኢየሱስ ነቲ ከቢድ ጉዕዞ ተስፋ ቆሪጽና ከይነቋርጾ ኢሉ አብኡ ነቲ ዘቐንዝወና ቃንዛ አእጋርናን ነቲ ብድኻም ምቕጻል ሓሚቑ ዝነበረ ሕልናና ከበርትዕ ኢሉ እሞ መገድና ክንቅጽል ኢሉ ቅዱስ ቍርባን ሂቡና። ንሓደ አብ አፍደገ ሞት ዘሎ ሰብ ቅዱስ ቍርባን ነብጽሓሉ (አብ ላቲናዊ ስርዓት viaticum which means “provisions for a journey”) እዚ ኸአ ነቲ ዝጉዕዞ ዘሎ ናይ ሞት ጉዕዞ ርእዩ ክኽእል እሞ ንንስሓን ንቅድስናን ክሰናዶ ነቕርቦ። ቅዱስ ቍርባን ኩሉ ጊዜ ሓድሲ እዩ፥ አብ ቅ. ቍርባን አብ አምላኽ ገጹ ዝወስድ መገዲ ክንክተል ዘበራትዕ ሓይሊ ይህበና።
አብ ወንጌል ጴጥሮስ ኢየሱስ እግሩ ክሓጽቦ ምስ ሓተቶ አይተቐበሎን። ጴጥሮስ አነ ድአ እግርኻ ክሓጽብ ይግብአኒ እምበር ንስኻዶ እግረይ ክትሓጽብ ኢሉ ተኸራኺሩ። አብ ገለ እዋን ሰባት ክሓጽቡና ሱቕ ኢልና ክንርኢ አይንቅበሎን ኢና፥ እንተኾነ ብኻልእ እግርኻ ምሕጻብን ናይ ካልእ እግሪ ምሕጻብን አብ ክርስትያናዊ ሕይወት ከም ክልተ ገጸ ናይ ሳንቲም እዩ።
ቀዳማይን አድላይን ነገር ጎይታና ክሓጽበና ክንፈቅደሉ እዩ። ከምቲ ኢየሱስ ንጴጥሮስ ዝበሎ እዩ “አነ እንተ ዘይሓጸብኩኻ ምሳይ ሱታፌ የብላካን” (ዮሓ 13፡8)። መጀመርያ ጎይታና አጽርዩ ይሓጽበና እሞ ናቱ ንኸውን። እዚ ምስ ገበርና ንኻልኦት ብክርስቶስ አሕዋትናን አሓትናን ክንሓጽብ ክእለት እንቕበልን ብቍዓት እንኸውን። ጴጥሮስ ነዚ ሓቂ ክርኢ ምስጀመረ ከምዚ እናበለ ተዛሪቡ “ጎይታይ እምብአር አእዳወይን ርእሰይን ድማ እምበር አእጋረይ ጥራይ አይኮነን” (ዮሓ 13፡9) በሎ። እዚ ኹሉ ክኸውን አምላኽ ካባና ዝደልዮ ንሕና አብ ቅድሚኡ ንርእስና ህልዋት ክንከውን እሞ ክሓጽበና ክነፍቅደሉ።
እቲ ካልእ ገጽ ናይ እቲ ሳንቲም ብማዕሪኡ አድላዪ እዩ፥ ጎይታና አእጋርና ምስ ሓጸበና ንሕና እውን ናይ ካልኦት አእጋር ክንሓጽብ ክንከይድ አሎና። ኢየሱስ ነርድእቱ አእጋሮም ምስ ሓጸቦም ከምዚ ኢልዎም፡ “እዚ ዝገበርኩልኩምሲ አስተውዒልክምዎዶ አሎኹም፥ ንስኻትኩም መምህር ጎይታ ኢልኩም ትጽውዑኒ ከምኡ ስለ ዝኾንኩ ኸአ ጽቡቕ በልኩም፥ አነ ጎይታን መምህርን ከሎኹ አእጋርኩም ካብ ሓጸብኩ ንስኻትኩም እውን ከምኡ አእጋር ሓድሕድኩም ክትሓጽቡ ይግብአኩም እዩ” (ዮሓ 13፡12~15)።
አብዚ ኢየሱስ ነቲ ንሱ ዝገበሮን ነቲ ሓዋርያት ንካልኦት ክሓጽቡ ዝገብርዎ የራኽቦ። ቅዱስ ቍርባን ጎይታና አእጋርና ዝሓጽበሉ ቦታ ካብ ኮነ፥ መዓልታዊ ሕይወትና ቦታ ናይ ካልኦት ሰባት አእጋር ክኸውን ይግባእ። ቅዱስ ቍርባን አብ ሕይወት ይመርሕ አብ ቅ. ቍርባን ይመርሕ። ሓቀኛ አኽብሮት ቅ. ቍርባን አብ አገልግሎት ካልኦት ክመርሓና ይግባእ። ኢየሱስ እቲ ንእንገራ ቍርባን ዝቖረሰ አእጋር አርድእቱ ሓጺቡ። ኩልና አብነቱ አብ መአዲ መንበረ ታቦትን አብ ታቦት ሕይወትን ክንክተል ይግብአና።
አብ ባህሊ ብዙሓት አሕዛብ ለበዋ ናይ ሓደ ዝመውት ሰብ ክቡር እዩ፥ ብሕጊ እውን ለበዋ እንተ አልዩ ተቐባልነት አለዎ። ኩሉ ሕይወትን ተግባርን ተላባውን ኩሉ አብ ሕይወቱ ዝገበሮ ብመንጽር እቲ አብ መጨረሽታ ዝበሎ ተራእዩ ሓዲስ መልክዕ ይለብስ። ሎሚ አብዚ ዕለት እንፍጽሞ ዘሎና ናይ ኢየሱስ ሞትን ትንሣኤን ናይ መጨራሽታ ለበዋ ስለ ዝኾነ አብ ሕይወትና እንታይ ትርጉም አልኦ ኢልና ክንሓስብ ግቡእ እዩ።
አብ ብሉይ ኪዳን ፋሲካ አይሁድ ነቲ እግዚአብሔር ንህዝቡ ከድሕን ዝገበሮ ይገልጸልና (ዘፀ 12፡1~14)። አብዚ እነስተንትኖ እግዚአብሔር ብማእከልና እና ሓለፈ የድሕነና፥ ይምግበናን የገልግለናን። እቲ ተበግሶ ዝወሰደ፥ እቲ ተጻወርነት ዘርአየ፥ ንርእሱ ኢሚንቲ ቆጺሩ ዝቐረበ እግዚአብሔር እዩ። አብዚ ዓቢ ግሩም ፍጻሜ ንሕና ዘበርከትናዮ ወላ ሓንቲ የለን። ካባና ዝድለ ንግሩም ህያባት አምላኽ ክንቅበል ንርእስና ክንከፍት እዩ። አምላኽ ከም መልአከ ድሕነት ኮይኑ ብመንጎና ይሓልፍ፥ ካብ ኩሉ ጉድአት ይሕልወና፥ካብ ባርነት አብ ናጽነት ይመርሓና። ንሕና ክንገብሮ ዘሎና ነቲ ብአምላኽ ዝቐርበና በዚ ዘደንቕ ፍቕሪ ድሕነት ዝገለጸልና ምቕባል።
አብ አምላኽ ከመይ እንተ ገበርኩ እየ ዝምለስ?
አብዚ መዓልቲ ቅ. ቍርባን እታ ሓንቲ መልስና “አኮቴት” ምቕራብ ጥራሕ እዩ። ንአምላኽ ክነመስግን እንተ ኸአልና ሽዑ ንርእስና ንኸፍት አሎና ማለት እዩ። ንአምላኽ ብጸግኡ ክሽልመና ነፍቅደሉ አሎና ማለት እዩ። አብቲ አምላኽ ዝገበሮ ዓቢ ናይ ድሕነት ግብሪ ንሳተፍ። አኮቴት ክነቕርብ እንከሎና ነቲ ናይ አምላኽ መስዋዕቲ ክንቅበል ቅርቡነትና ኢና እንገልጽ። አብቲ መዓጹ እራኤላውያን ዝተለኽየ ደም ናይ ድሕነት ነጻነትን ምንጪ ዝኾነ፥ አብቲ ናይ ክርስቶስ ሥጋን ደምን መስዋዕቲ መግብናን መስተናን ዝኾነ፥ አብቲ መስዋዕቲ ኢየሱስ ንርእሱ ኢሚንቲ ገሩ ምእንቲ አገልግሎት ካልኦት ኢሉ ከም አብነትን ዘቕረቦ አብኡ ኢና እንሳተፍ።
ኢየሱስ “ነዚ ንዝኽረይ ግበርዎ” ክብለና እንከሎ አብ መጨረሽታ ሕይወቱ ለበዋ ይሓድገልና አሎ ማለት እዩ። ቅድሚ ናብ ሰማያዊ አብኡ ምኻዱ ናይ መወዳእታ መግለጺ ፍቕሩ ንሓዋርያቱ ገሊጽሎም። ቅዱስ ዮሓንስ ነዚ ክገልጽ እንከሎ፥ “ኢየሱስ ቅድሚ በዓለ ፋሲካ ካብዛ ዓለም እዚአ ናብ አብኡ ዝኸደላ ሰዓት ከም ዝበጽሐት ፈሊጡ ነቶም ዘፍቅሮም አብዛ ዓለም እዚአ ዘለዉ ናቱ፥ ክሳዕ መወዳእታ አፍቀሮም” (ዮሓ 13፡1) ይብል። መአዲ ቅዱስ ቍርባን ንኹሉ ናይ ድሕነት ስርሕ ሎሚ አባና ሕያው ይገብሮ። ንዝኽሩ ኢልና አብ ስጋን ደምን ክርስቶስ ክንሳተፍ እንከሎና ብሓቂ ነቲ ኩሉ ኢየሱስ ዝገበሮ፥ ዘስተምሃሮን ዝተሳቐዮን ምእንቲ ድሕነትና ክሳብ ብግርማ ዳግማይ ምጽአቱ ኢና እንገብር ዘሎና። አብ ጸሎተ ሓሙስ ብገዛእ ፍቓዱ ዝገበሮ ምልክት ንድሕሪትን ንቅድሚትን ዝጠመተ እዩ።
ሎሚ እምብአር ትንሕትና ለቢስና አብ አገልግሎት አምላኽን አሕዋትናን ክንጽመድ መብጽዓና እንሕድሰሉ ዕለት እዩ። “ኮኖሙ አበ ወእመ መወሃሮሙ ጥበበ እግረ አርዳኢሁ ሓጸበ” እናበልና ክንዝይምን ክንፍልን እንከሎና ነቲ ክርስቶስ ዘስተምሃረና ፍቕሪ አብ ልብና አሕዲርና ሓዲስ ርክብ ክንምህዝ ይደልየና አሎ።
አብዚ ብሩኽ ዕለት መግብና መአዲ ክርስቶስ ገርና አብ ፍቕሪ ክንጥመር እሞ ንዝተጋገየ ሓውናን ሓፍትናን አብ መአዲ ክርስቶስ ክቐርቡ ክንሕግዞም ክንወፍር። ስጋይ ዝበልዐ ደመይ ዝሰተ አነ አብኡ ንሱ አባይ ይነብር” ኢሉና አሎ እሞ አብ መአዱ ልብና አንጺሕና ንቕረቦ።
በዚ አጋጣሚ ምስጢረ ክህነትን ቅዱስ ቍርባና ዝተሰርዓሉ ነብዕል ስለ ዘሎና ንኩሎም ካህናት አምላኽ ብጸግኡ ክባርኾም አብ ኩሉ ተልእክኦም እሙናት አገልገልቱ ኮይኖም ክርከቡ ክሕግዞም አብ ጸሎትና ክንዝክሮም እናተላቦኹ ብሩኽ ብዓልን ብሰላም አብ ብርሃነ ትንሣኤ አብጺሑ አብ ዓድናን ዓለምናን ሰላሙ የውርደልና እናበልኩ ሰናይ ትምኒተይ እገልጽ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.