2013-04-30 15:28:15

ዓመታዊ በዓለ ቅድስቲ ካተሪና በዓልቲ ሲየና


RealAudioMP3 ዘይተምሃረት ክነሳ ር.ሊ.ጳ. መገዲ እግዚኣብሔር ዝሓበረት ዓባይ ቅድስቲ ካተሪና በዓልቲ ሲየና ኣብታ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትማሊ ዕለት 29 ሚያዝያ ዓመታዊ በዓል ቅድስንኣ ከምእተብዓለ ክምልከት እንከሎ፣ ናይዛ ቅድስቲ ናይ መላእ ኤውሮጳን ኢጣሊያን ምስ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ሓላዊት ቅድስቲ ተባሂላ ብኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተሰምየት፣ ሽሕ’ኳ ብሰብኣዊ ጥበብ ዝተዓደልካን ዝተሓነጽካን እውን እንተዘይኰንካ ጸጋ ጥበብ እግዚኣብሔር ኣባኻ ክሓድር ከምዝኽእል ኣብነትን ጸጋ ጥበብ እግዚኣብሔር ዝተዓደለትን ብምዃና ድማ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቅ እንክብሉ ሰምዮምዋ እዮም።
እታ ጽብቕቲ ካተሪና ብዛዕባ ዓለም ፈጺማ ዘይተሓስብ ገና ጓል 12 ዓመት እንከላ ገዛእ ርእሳ ንእግዚኣብሔር ከተወፍይ ዝነበራ ድላይ ፈጺማ ዘየዕበረትን፣ ካብዚ ጸዋዕታ ከብኵራ ዝኽእል ዘበለ ኩሉ መሰናኽል ማሕበራውን ሰብኣውን ታሪኻውን ኣእማኒነት ርሒቓ እናነበረት እንከላ ኣቦኣ ነቲ ናይ ማሕበራውን ሰብኣውን ኣእማኒነት ክትቕበሎ ነኸእምንዋ መታን ናብታ ተንበርኪኻ እትጽልየላን ነቲ ልዑል መርዓዊኣ ጐይታ ብመንፈሳ እናጠመተት ኣብ እትጽለያላ ናብ ዝነበረትላ ንእሽትይ ቤታ ኣትዮም ምስ ረኣይዋ እቲ ጻዕሮም ውጽኢት ክህልዎ ከምይክእል ባዕሎም ይአምኑ።
ገና ጓል 16 ዓመት ድማ ናይ ቅዱስ በነዲክቶስ ልብሲ ደናግል ለቢሳ ገዳማዊ ሕይወት ዝጀመረት ከምዝኾነነትን፣ ዘይተመሃረት ክነሳ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዘደንጽው ክርስቲያናዊ ጥበብ ተመሊኣ ዝሃበቶ ምኽርን፣ ኣብ ናይ ዝስዋዕ ፍቕሪ ኣገልግሎት ተጸሚዳ ሕዙናትን ሕሙማንን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ሕብረተሰብ ንዝተነጸሉ ቀረባ ኰይና ብፍቕርን ትብዓትን እናደገፈት ነቲ ባዕላ ዘጥረየቶ ትሑት ናይ ምጽሓፍን ምንባብን ክእለታ ኣቢሉ ባዕሉ እግዚኣብሔር ኣብኣ ብኣኣ ብጥበቡ ይዛረብን ይጽሕፍን ልቢ ካልኦት ይትንክፍን ከምዝነበረ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር የመልክት።
ነቶም ምሁራት ኣበ ነፍሳን ካልኦት መዓድታ ሊቃውንቲ ካህናት በሊጻ ንኣኦም ጥራሕ ዘይኮነ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እውን መገዲ እግዚኣብሔር ዝሓበረት ሮማ ብዘይ ብፁዕ ጳጳሳ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ነቶም ኣብ ፈረንሳ ኣቪኞነ ሓዋርያዊ መንበሮም ገይሮም ንዝነበሩ ር.ሊ.ጳ. ጐርጐሪዮስ መበል 11፦ “ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሕያዋይ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ” ብዝብል ኣገላልጻ ሰሚያ፣ “ኣነ ካተሪና ኣገልጋሊት ናይቲ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ግዝእቲ በቲ ቅዱስን ብሉጽን ደመ ክርስቶስ መልእኽቲ እጽሕፈልኩም” ዝብል ቃላት ዝሰፈረሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ ጳጳስ ዘሮማ ር.ሊ.ጳ. ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናብ ሮማ ንኽምለሱ ናብ ፈረሳ ዝተጓዕዘት ምዃና ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን የረጋግጾ።
ብዛዕባ መንፈሳዊ ተግባራታን ኣገልግሎታን ጸሎታን ብሓፈሻኡ መንፈሳዊ ሕይወታ ኣብ ሕቶ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ብኻልኦት ዘይኮነ በቲ ናይ ገዛእ ርእሳ ማሕበር እውን ክምርመር ተገይሩ ብሓቂ ብጥዑም ጨና ቅድስና ዝማእዘወት ምዃና ተመስኪሩላን ገና ጓል 33 ዓመት ዕለት 29 ሚያዝያ 1380 ዓ.ም. ሰንበት ድሕሪ በዓለ ዕርገት ፍርቂ መዓልቲ ፦ “ኦ ጐይታይ መንፈሰይን ነፍሰይን ኣብ ኢድካ የማዕቁብ ኣለኹ” ዝብላ ቃላት ተምሳል ኢየሱስ ክርስቶስ ደጊማ ከምዝዓረፈት ይንገር። ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቅ፣ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1999 ዓ.ም. ከም ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ናይታ ጥንታዊ ምድረ ክርስቲያን እቲ ክርስትያናዊ መበቆሉ ከይዝንጋዕ እቲ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ሥርወ መሰረት ዘለዎ ባህላን ክቡራት ዋጋታት ፍትሕን ምትሕብባርን ክርስትያናዊ ሕይወት ኤውሮጳ ክበራበር ብዝብል ዕላማ ናይ ኤውሮጳን ኢጣሊያን ሓላዊት ቅድስቲ ቢሎም ከምዝሰመይዋ ዝዝከር እዩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.