2013-04-30 15:25:29

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ፦ ኣቲ ዝዓበየ ሓጐስ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ፍቕሪ ምንባር እዩ


RealAudioMP3 ትማሊ ንጐሆ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ትዊተር እተሰምየ ናይ ማኅበራዊ ርክባት መርበብ ሓበሬታ ዝጥቀምሉ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ነቶም ኣብዚ ናይ ማሕበራዊ ርክባት መርበብ ሓበሬታ 6 ሚሊዮም ሰዓብቶም፦ “…ነፍሲወከፍና ኣብ ኣማሲኡ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ካልኦትን ንኻልኦትን ምእንቲ ካልኦት ናይ ፍቕሪ ተግባር ክፍጽም በቒዔ፣ ግብረ ሰናይ ፈጺመ ክብል እንተዝበቕዕ’ሲ ክንደይ ደስ የብል” ናይ ፍቕሪ ስራሕ ኣብ ውሽጥናን ከባቢናን ሓጐስን ሰናይን ዘስርጽ ዑቑር ሓይሊ ዘለዎ ምዃኑ ዘስተምህር መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.