2013-04-28 19:06:34

ሰንበት ዘሆሣዕና 2005 ዓ.ም. (4/28/2013)


መዝሙር፡ ወእንዘ ሰሙን በዓለ ፋሲካ ቀርቡ አርዳኢሁ. . . . ።
ንባባት፡ ፊሊጵ 2፡6~11፥ 1ጴጥ 4፡1~12፥ ግ.ሓ. 18፡12~ፍ፥ ሉቃስ 19፡ 29~40
ምስባክ፡ብሩክ ዘይመጽእ ብስመ እግዚአብሔር፥ ባረክናክሙ እምቤተ እግዚአብሔር፥ እግዚአብሔ እግዚእ አስተርአየ ለነ” “ እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ፤ አብ መቕደስ እግዚአብሔር ኮና ንባርኸኩም አሎና፤ እግዚአብሔር ጎይታ ተገሊጹና እዩ” መዝ. 117፡26~27።
መዝሙር፡ ንብዓል ፋሲካ ሶምን ተሪፍዎ ከሎ አርድእቲ ናብቲ አምላኽ ጽድቂ ናብ ደብረ ዘይቲ ናብታ ከተማ እግዚአብሔር እተውርድ ዐቐብ ቀረቡ እሞ ብዙሕ ሕዝቢ አረገውትን ቆልዑትን ጨናፍር ስየ ኂዞም ፡አብ ሰማየ ሰማያት ሆሣዕና” እናበሉ ተቐበልዎ። ንሱ አድጊ ተወጢሑ ብታሕጓስን ብደስታን ናብ ከተማ ኢየሩሳሌም አተወ፥ ኃይልን ሥልጣንን ይህቦም” ይብል።
ሰሙነ ሕማማት ንጅምር አሎና። ፍሉይ ሶምን ምእንቲ ድሕነትና አብ ሕይወት መድኃኒና ክርስቶስ ዝተፈጸመ ውርደትን ግፍዕን ሞትን እነስተንትነሉ። ነቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ዝተቐበሎ ንምስትንታንን ልባትና ከፊትና አብ ፍጹም ዕርቂ ምስ መድኃኒናን ምስ ከማና ዝበሉ ሰባት ክንገብር ዝሕግዘና ፍሉይ ሶምን። ካብ ሎሚ ክሳብ ብዓለ ትንሣኤ ዘሎ ጊዜ እቲ ዝለዓለ ፍጻሜ ድኅነትና ዝተፈጸመሉ እንዝክረሉ ጊዜ ስለ ዝኾነ ፍሉይ እዩ። አብዚ ሶምን ዝተፈጸመ ኩሉ ክም ሓደ ፍጻሜ ክንርእዮ ይግባእ። ሶሙነ ሕማማት ንብሎ እንተ ኾነ ምስጢረ ትንሣኤ እንዝክረሉ እዩ። ምስጢረ ትንሣኤ ክንብል እንከሎና ኸአ ሕማማት፥ ሞት፥ ትንሣኤን ዕርገትን ኢየሱስ ከምኡ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊ ሓዋርያት ነቲ ተልእኮ ንምቕጻል ዘጠቓለለ እዩ። ጾምና ወላ እኳ ንስርዓት ልጡርግያን ከምኡ ንትምህርቲ ክርስቶስ ብዝያዳ ክነስተንትን ንማለት አብ ሸውዓተ ሰናብቲ ይዘርጋሕ ሓደ ፍጻሜ ዘይፈላለ እዩ።
አብዚ ሶምን ዝለዓለ ተልእኮ ኢየሱስ ዝተገልጸሉን፥ ዓሚቕ ትርጉም ሕይወቱን ዝተገልጸሉ፥ እቲ ዘስተምህሮ ዝነበረ ስጋ ለቢሱ አብ ቃሉን አብ ግብሩን ዘርአየሉ ሶምን እዩ። ሎሚ ክልተ ዓበይቲ ፍጻሜታት ክንገብር ኢና መጀመርያ ዑደት ሆሳዕና አብ ኢድና ሒዝና ክንገብር ኢና። ነቲ ኢየሱስ አብ ኢየሩሳሌም ከአቱ እንከሎ ዝተገብረሉ ተቕባል ክንዝክር ምእንቲ። ካልአይ ቅዳሴ ክነዕርግ እንከሎና ፍሉይ ትርጉም አብ ሕይወትና ዝሓዘ ኮይኑ ምስ ኢየሱስ ክንሓምምን ክንትንሥእን ዝግዘና ሶምን ስለ ዝኾነ ብልቢ ክነቕርቦ።
ሓጎስን ዓወትን፡
ሎሚ አብ አልባስና አብ ኢድና ሒዝናዮ ዘሎና ሆሳዕና ምልክት ሓጎስን ብዓልን እዩ። አልባሳትና ናይ ዓወት ምልክት ዝሓዙ እዮም። ኢየሱስ አብ ኢየሩሳሌም ከም ሓደ ንጉሥ እዩ አትዩ። ህዝቢ ብምልኡ ብዓቢ ዕልልታን ዓጀብን ሃሌ ሉያ እናበሉ ተቐቢሎሞ። እንተኾነ ድሕሪ ውሑዳት መዓልታት እዚ ብዓጀባ ዝቕበል ዝነበረ ህዝቢ ስቐሎ ስቐሎ እናበለ ክጭርሕ ንርእዮ።
ንሕና አብ ኢድና ሆሣዕና ሒዝና ብሩክ ዘይመጽእ ብስመ እግዚአብሔር እናበልና ዑደት ክንገብር ኢና። አብዚ ዕብየትን ክእለትን ኢየሱስ ንገልጽ። አብ መዓልቲ ትንሣኤ ዝገብሮ ድሮ ፈሊጥናዮ ስለ ዘሎና ብዝያዳ ነብዕል። አምላኽ ምሕረት ይእቶ እናበልና ክንቅበሎ ኢና።
ሎሚ አብዚ ቅዱስ ቦታ ተአኪብና ዘሎና ንኢየሱስ ክንቅበሎ አብኡ ዘሎና እምነትን ፍቕርን ክንገልጽ እዩ። አይሁድ ንኢየሱስ ክቕበሉ ተቐዳዲሞም ክቐትልዎ እውን ተቐዳዲሞም። ኢየሱስ ንኹሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ክቕበልዎ ዘርአይዎ ፍቕሪ ግዝያዊ ምዃኑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ብዙሕ አይገረሞን። እቶም ብዓጀባ ዝተቐበልዎ ንሶም ከአ ቀቲሎሞ።
አተሓሳስባ ክርስቶስ፡
አብዚ ቅዱስ ሶምን ንእንገብሮ ከረድአና ኢሉ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊሊጲስዩስ አብ ዝጸሓፋ “እቲ አብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ አተሓሳስባ አባኻትኩም ይሃሉ” ይብለና። ምስ ኢየሱስ ብምሉእ ክንወሃሃድ እንተ ዄና ናቱ አተሓሳስባን ድለትን አብ ሕይወትና ክህሉ አድላዪ እዩ። አብዚ ጽሑፍ ጳውሎስ ብዝያዳ ዝግለጾ እቲ ኢየሱስ ከማና ክኸውን እንከሎ ዘርአዮ እዩ “ኢሚንቲ ኮይኑ ንኹሉ ሓዲጉ መልክዕ ባርያ ለቢሱ” አብዚ እቲ ዝለዓለ ትሕትና ገሊጹልና። አብዚ ሶምን ሕማማት እቲ ዝጨከነ ውርደትን ስቓይን ሞትን ክወርዶ ንርእሱ አሕሊፉ ሂቡ። ንኹሉ ምእንቲ ኢየሱስ ኢልክ ምቕባል አብ ጎደና ድሕነትና ይመርሓና። ኢየሱስ አምላኽ እንከሎ አብቲ ናታትና ባህርይ ክአቱ ፍቓደኛ ኮይኑ። ብኹሉ ብዘይ ኃጢአት ንአና መሲሉ። አብቲ ዝተሓተ ደረጃ ሰብ ወሪዱ፥ አገልጋሊ፥ ባርያ ኮይኑ። አብዚ እውን ደው አይበለን፥ኩሉ ናይ ሰብ መሰላትን መንነትን ክሓድግ እሞ ክመውት እሞ አብ መስቀል ክመውት ፍቓደኛ ኮይኑ። አብ መስቀል ጥርሑ ተንጠንጢሉ ሓደ ከምዘይብሉ ብኹሉ ተሓዲጉ ንበይኑ መይቱ። ነዚ ክነስተንትን እዩ እዚ እዋን ተዋሂቡና ዘሎ። ነቲ ክርስቶስ ዝገበረልና ርኢና ከምኡ ክንገብር ምእንቲ።
ንሕማማትን ሞትን ትንሣኤን ኢየሱስ ክንርዳእ ነቲ ጳውሎስ ዝብሎ ብምልኡ ክንርዳኦ አሎና፥ምርዳእ ጥራሕ ዘይኮነ ነፍስወከ አብ ርድኢት አተሓሳስባናን ዓቕምናን ክነእትዎ አሎና እዚ ኸአ ብጸጋ አምላኽ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ክንከይድ ምእንቲ እዩ።
አብ ሕማማት ኢየሱስ ብዙሕ ክነስተንትኖ እንኽእል ነገራት አሎ። ነዚ ንባባት ሕማማት ክንሰምዖ እንተ ኸአልና፥ ንኹሉ ናይ ዕለት ነገራትና ንግዚኡ አወጊድና ክነስተንትን እንተ ኸአልና ንአና ጥራሕ ብዝርኢ ክነስተንትን ወይ ንልብና ዝትንክፈና ነገራት ክንርኢ ንኽእል።
አብዚ ሶምን እንርእዮም ነገራት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

እቲ ፍጻሜ ናይ ብሓቂ ካብ ርድኢትናን ዓቕምናን ንላዕሊ እዪ ክትርድኦን ክትበጽሖን ቀሊል አይኮነን፥ ንሓደ ፍጻሜ አብ ሓደ እዋን እናአስተንተንካ ጥራሕ ምርአይ ይሓይሽ። ንርእስና ካብዚ ኹሉ ምሰናይ ከምእነመሳስሎ ርኢና ክንክእል የድሊ።
ኩሉ አብ ኢየሱስ ዘተኮረ እዩ።
አብ ኩሉ ኢየሱስ አሎ። ጸላእቱ የዋርድዎ፥ ይጸፍዕዎ፥ ይጸርፍዎ። ወተሃደራት አብ ርእሱ እሾኽ ተቲዖም አኽሊል ንግስነቱ እናበሉ የዋርድዎ ነሮም። ሄረዱስ አዋሪዱ ሰዲድዎ፥ ጲላጦስ ንሓቂ ከውጽእ ፈቲኑ እንተኾነ ንጥቅሙ ዝትንክፍ ምስ ኮነ አሕሊፉ ሂብዎም።
ኢየሱስ ብወገኑ ሓንቲ አይበለን ነቲ ኩሉ ዝገብርዎን ዝብልዎን ዝነበሩ ሓንቲ ቃል ናይ ሕርቃን ወይ ተስፋ ቍርጸት አይሃበን። ንሰማያዊ አብኡ ዝገብርዎ አይፈልጡን እዮም እሞ መሓሮም እናበለ ምእንትኦም ጸልዩ። አብዚ ኢየሱስ እቲ ገንሸል እዩ እንተ ኾነ ናይ ኩሉ ጎይታ ኸአ ንሱ እዩ። ንሱ ጎይታ ናይ እቲ ኩነታት እዩ ምኽንያቱ ናይ ርእሱ ጎይታ ስለዝነበረ።
እምብአር ካብ ሎሚ ዕለት ጀሚርና ነዚ ሶምን ብምልኡ አብ ኢየሱስ ብምሉእ ልብና እናጠመትና ነስተውዕል። እንርእዮ ነቲ ዝተገብረ ክነድንቕ ዘይኮነ ክንምሃር፥አብቲ ናይ ኢየሱስ አተሓሳስባ፥ ተግባር፥ አብ ኩሉ ናይ ኢየሱስ ጠቓሚ ነገራት ምእንቲ ክንአቱ፥ አብ ናይ ነፍስ ወከፍና ኩነታት ክንአቱ ምእንቲ፥ አሰሩ ክንስዕብ ምእንቲ እዩ።
ሓዋርያቱ ክንከውን እንተ ኾና ነቲ ንሱ ዝተጓዕዞ ክንጉዓዝ የድልየና። አብ ስቓያቱ አብ ጉዕዞ ቀራንዮ ደም እናጠዓመና ማዕሪኡ ክንጉዓዝ አሎና። ኩሉ ናቱ ዘበለ ክንወስድ ንርእስና ኢሚንቲ ገርና ብምሉእ ልብና ናቱ ኮና ክንጉዓዝ። አብ አገልግሎት አድሕድ ክንወፍር፥ ብሓጺሩ ከምቲ ዘፍቀረና ንካልኦት ክነፍቅር እዩ እቲ ድለት። እዚ አብ ስቓይ ክነብር መጸዋዕታ አይኮነን። ብአንጻሩ እዩ። መጸዋዕታ ምሉእ ነጻነት ዘለዎ ሕይወት ክነብር፥ ሓቀኛ ሰላም ክንረክብ፥ ምሉእ ሓጎስ ክንለብስ ዝጽውዕ እዩ። እዚ ካልእ ነገር እንተ ዝኸውን ብዛዕብኡ ዘይምሕሳብ ጌጋይ አይምኾነን።
እንታይ ንግበር።
ኢየሱስ ሎሚ እውን አብ ልብና አቲና ክንክእል እሞ ነቲ ካብኡ ዓጊቱና ዘሎ ኃጢአት ክፍአት ብምሉኡ አሊና አብ ምሉእ ነጻነትን ሓጎስን ክንአቱ ዕድል ይህበና አሎ። ነቲ ድኹም ስጋና ክነሸንፎ እሞ መንፈስ አምላኽ ክንለብስ ክንሳሕ ንዕደም አሎና። አብ ሓዲስ ሕይወት ክንአቱ ኃጢአትና ክነጽሕ ይግብአና። ሎሚ ድፊርና ንርእስና ፍቕሪ ዕርቂ ምሕረት ክነልብስ ፍቓደኛታት ክንከውን አሎና።
አብ ንስሓን ሕድገት ኃጢአትን አብጺሑ ብሩኽ ትንሣኤ ይግበረልና። ሰላም ፍቕሪ ሕድገት አልቢሱ ደቂ ትንሣኤ እንኾነሉ ጸጋ ይዓድለና። ጽድቂ ዝመልኦ ሶምን ሕማማት ገሩ ብሰላምን ብሓጎስን አብ ትንሣኤኡ የብጽሓና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.