2013-04-27 15:04:04

መልእኽቲ ቅድስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ ማሕበር ተሓድሶ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ትማሊ ዕለት 26 ሚያዝያ ጀሚሩ ጽባሕ ሰንበት ዕለት 28 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም. ዝጠቓለል ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሪሚኒ ቃል ኣምላኽ ብሃሴት መንፈስ ቅዱስ ነእንግድ” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ናብ ዝካየድ ዘሎ መበል 36 ናይ ኢጣሊያ ማሕበር ተሓድሶ ቅዱስ መንፈስ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ “ኣብ በዓለ ዘምሕረት ጉባኤኹም ብመንፈስ እሓብር” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ሓቢሩ።
ናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ ማሕበር ተሓድሶ ቅዱስ መንፈስ ሊቀ መንበር ሳልቫቶረ ማርቲነዝ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ “ሓጐስ ዓቢይ ናይ ክርስትና ምስጢር እዩ (ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ)፣ ጥልቂ ሓጐስ ንምርካብ ዘብቕዕ ዝወሃብ ምንም ዓይነት ትምህርቲ ኰነ ብቕዓት ስነ ምርምር የሎን፣ እዚ ድማ ሓጐስ ዝተፈቕሩ ምዃንና እንከነስተውዕል እንከለና እንነብሮ ኩነት ስለ ዝኾነ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ልቢ ሕይወት ምእመናን እዚ ሓጐስ’ዚ እዮን ዝዘርኡ ዘለዉ። እቲ ዝተፈቕረ ከምእተፈቕረ ከስተውዕልን ብተራኡ ድማ ካብዚ ከምእተፈቐርካ ዘሎ ፍቕሪ ተኣሚኑ ንኻልኦት ከፍቕር ይነቓቓሕ። ዝተፈቕረ ፍቕሪ የፍቅር። ቅድስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ቅድም እውን ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነፍሲወከፍ ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ምርኻብ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ኩነት ኣብ ሕይወቱ ሕያው ተመክሮ ክህልዎን፣ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ተራኸቡ ዝብል ምዕዳን ኢዮም ዘመሓላለፉልና ኣብ ከተማ ሪሚኒ ማሕበረ ተሓድሶ ቅዱስ መንፈስ ድማ ነዚ እዩ ዝነበር” ኢሎም።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናብ ማሕበር ተሓድሶ ቅዱስ መንፈስ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እቲ ጉባኤ ጉባኤ ምሕረት እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ዝዘከሩ ማርቲነዝ፦ “ብዙሓት ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ ምሕረት ር.ሊ.ጳ. ብዝብል መጸውዒ ይገልጽዎም። ምሕረት ዝብል ቃል ብማሕበራዊ መዳይ ክትምልክቶ እንከለኻ፣ ምሕረት ትሕቲ እቲ ሰብኣዊ ሕሰም ዘሎ እዩ። እዚ ማለት ድማ እቲ ሰብኣውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ስድራ ቤትኣውን ሕሰም ኩሉ ሕሰም ዘበለ ማሕጸን ምሕረት የእንግዶ፣ ሕሰም ምሕረት ናይ ምእንጋድ ዕቑር ሓይሊ ኣለዎ። ምሕረት ድማ ልቢ እግዚኣብሔር እዩ። ኣብዚ ናይ ሪሚኒ ጉባኤ ማሕበር ተሓድስ ቅዱስ መንፈስ ምሕረአ-ኣብ ኢዩ ዝበዓል። ብምዃኑ ድማ 300 ካህናት ምስጢረ ንስሓ ዝሰርዑን 20 ሺሕ ተጋባእያን ይሳተፉ ኣለዉ። ዓቢይ ናይ ምሕረት በዓልን ምሕረት ዝጽለየሉን ጉባኤ እዩ ኢሎም። ንመደብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል እውን ዘነቓቕሕ እዩ። ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ማለት ዘመን ዘምጽኦ ኣግባብ ወይ ድማ ተቛምን ሓደ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መደብን ጭርሖ ማለት ኣይኮነን፣ ኣግባብ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ቤተ ክርስቲያንን ምዃናን ቤተ ክስርቲያናዊ ንባሬን ማለትን ንናይ ሰብኣውን ቤተ ክርስቲያንን ድላይ ካብ ወንጌል አበጊስካ መልሲ ምሃብ ብመንፈስ ቅዱስ ተነቓቒሕካ ብሓድሽ መንፈስ መልሲ ምሃብ ማለት እዩ። መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ወንጌልን ክእለት ከዋኒ ቃለ ወንጌልን ኣብ ሕይወትን ኣዩ” ኢሎም።
ኣብዚ ኣብ ዓመተ እምነት እቶም ብእምነቶም ምኽንያት ንስደትን ሓደጋ ዝተቓልዑ ዝዝከሩሉን እቲ ስደትን ሓደጋን ዘጋጥሞ እምነት ዝዝንተነሉ እውን ምዃኑ ማርቲነዝ ጠቐሶም፣ ስለዚህ ካብ ሶሪያን ዒራቕን ግብጽን ኤርትራን ናይጀሪያን ዝተዋጽኡ ተሳተፍቲ ኣለዉ። ኣብ ኤውሮጳ ናይታ እትስደድ እምነት ወኪሎም ድማ ካብ ነበር ዩጎዝላቪያ ብፁዕ ካርዲናል ፑልጂች ይሳተፉ ከምዘለዉ ሓቢሮም፣ እምነት ምንባርን ንእምነት ናይ እምነት ርትዓውነት ምሃብን፣ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንተስፋ ቀቢጽነት ኢድና ኣይንሃብ ዝበለዎ ምዕዳን እውን ዝንበረሉን ዝነቓቕሓሉን ከምዝኾነ ሓቢሮም ኣስዒቦም እምንትና ከምቲ ዓቢይ ልበ እግዚኣብሔር ዓቢይ ክኸውን ከምዘለዎን፣ ስደትን መከራን ዝጻወርን ዝሰግርን እምነት፣ እቲ ከም ልቢ እግዚኣብሔር ዓቢይ ዝኾነ እምነት ከምዝኾነ ድማ ኣረዲኦም። እምነት ብዘይ ተሓላለኸ ሓቀይናን ግልጺ ብዝኾነ ሕይወት ክምስከር ከምዘለዎን እዚ ድማ እቶም ናይዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ናይ እምነት ሰማዕታት ሕይወት ለበዋ ከምዝኾነ ገሊጾም ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.