2013-04-25 14:57:31

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምልክት ተስፋ


RealAudioMP3 ዕለት 24 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም. ኣብቲ ልሙድ ረቡዓዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምስታፍ ካብ ውሽጥን ወጻእን ብፍላይ ካብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ካምፓኒያን ቨነቶን ዝተዋጽኡ ልዕሊ 100 ሺሕ ዝግመቱ ምእመናን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ከምእተረኽቡ ክምልከት እንከሎ፣ ንቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብቐረባ ንምርኣይን ዘቕርብዎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ጽን ንምባል ምእመናን ዘለዎም ሃረርታ ክሳብ ክንደይ ዓቢይ ምዃኑ ዝመስከረ ቅዱስ ኩነት ከምዝነበረ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎ ሞናኮ ሓቢሮም።
ኣብቲ ጉባኤ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተሳተፉ ምእመናን ብሓቂ ዝረኣይዎ ደስ ዘብል ኩነትን ብቐረባ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተረኺቦም ንቕዱስ ኣቦና ክርእዩን ቃሎም ክሰምዑን ዓቢ ጸጋ ምዃኑን ቃሎም እምነትን ተስፋን ፍቕርን ዘነቓቕሕ ኣብ ነፍሲወከፍ ክርስቲያን እምነት ዘበራብር ልቢ ኵሉ ብእምነት ዘማሙቕ ምዃኑ ካብቶም ኣብኡ ዝተሳተፉ ምእመናን ምስ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሎ ሞናኮ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።
እምነትናን ፋኑስ እምነትናን ንእሽተይ እውን እንተመሰለ እቲ ብርሃን እምነትና ንኻልኦት ናብ ብርሃን ክመርሕ ተኽእሎ ዘለዎ እዩ። ስለዚህ ተኣምኖተ እምነት ምድጋም ጥራሕ ዘይኮነስ ክንምስክሮ ይግባእ። ምስክርነትና ብቓልን ሕይወትን ግብረ ገብን ስነ ምግባርን ብምዕቃብን ብምኽባርን ብምትግባርን ክኸውን ኣለዎ። መንእሰይ ምሕላም እንተድኣ ኣቋሪጺ ከይሞተ ዝሞተ እዩ ዝኸውን። እንሓልሞ ሰናይ ዘበለን ክንበጽሖ ሃረር እንብሎ ሰናይ ዕላማ እንተዘየብልና ህልዋት ኣይምኾናን። እምነትን ኢየሱስ ወትሩ ምሳና ከምዝኾነ ርግጸይና እምነትን ስለ ዘሎና እዩ ድማ ሰናይ እንሓልም ከምዝበሉ እቶም መንሰያት ምስ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሎ ሞናኮ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ከምዝሓበሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ነቶም ኣብቲ ዘቕረብዎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝተረኽቡ መንእሰያት፦ “ከም ምሉእን ፍጹምን ዝሕሰብ ሓሳብ ካብ ምምዕዳውን ንኣኡ እናጠመትኩም ካብ ምጉዓዝን ብፍላይ ድማ ዓበይቲ እወታዊ ነገራት ካብ ምሕላምን ምሕሳብን ከይተቋርጹ” ዝበልዎ ቃል ናይ ብዙሓት መንእሰያት ልቢ ከምዘነቓቕሔን፣ “ውበት ውህበቶምን ዝተቐበልዎ ጸጋን ከይቀብሩን እቲ መንእሰይ ክግበሮን ክበጽሖን ሃረር ዝብሎ ሰናይ ነገር ዘበለ ኵሉ ካብ ምስዓብን ንምትግባሩ ምስናዳውን ምጽዓርን ከይቋርጽ ዓቢይቲ ነገራት ሕሰቡ ኣብቲ ውሱን ሓንጎል ተዓጺኹም ኣይትትረፉ” እንክብሉ ዝሃብዎ ምዕዳን መንእሰይ እዚ እምነትን ፍቕርን ተስፋን ብምንባር ክገልጾ ዝበልዎ ሓሳብ መንእሰይ ወለዶ ክእመነሉ ከምዝግባእ እቶም መንእሰያት ባዕሎም ብቓሎም ቅቡልነቱ ዝመስከርዎን ኣሜን ዝበልዎ ቃል ምዃኑ ከምዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሎ ሞናኮ ሓቢሮም።
ቅዱስ ኣቦና ተስፋ ከይንቖርጽን ኣብ ፈለማ ዘጋጥሙና መሰናኽላት ተስፋ ቆሪጽና ካብቲ ናብቲ ክብጻሕ ዝድለ ሰናይ ዕላማ እንገብሮ ጉዕዞ ከይንግታእን ካብዚ ጉዕዞ ከይንቦክርን፣ ኣብቲ ሸቶ ምሉእ ብምሉእ ብምትእምማን እቲ ሸቶ ንገዛእ ርእሱ ናብኡ ገጽና ኣብ ንእንፍጽሞ ጉዕዞ ዘሰንይ ተሰፈይና ሓይሊ ዝጽግወና ከምዝኾነ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣነጺሮምልና እዮም፣ ኣብቲ እምነትና ሓይልና እውን ኣሎ፣ እምነትና ሓይልና እዩ ከምዝበሉ ኣብቲ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተሳተፉ መንእሰያት ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ የነጽሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.