2013-04-25 15:07:25

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.፦ ቤተ ክርስቲያን ናይ ፍቕሪ ታሪኽ እምበር ቢሮክራሲያዊ ትካል ኣይኮነትን


RealAudioMP3 ቤተ ክርስቲያን ቢሮክራሲያዊ ሰብኣዊ ትካል ኣይኮነትን፣ ናይ ፍቕሪ ታሪኽ እያ” ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ትማሊ ከምቲ ልሙድ ንጎሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሕንጻ ቅድስቲ ማርታ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ናይ ቫቲካን ተቛም ሓልዮ ሃይማኖታዊ ተግባር ሰራሕተይናታትን ሓለፍትን ዝተሳተፍሉ ብሓባር ምስ ናይ ሓዋርያዊ ሓልዮ ክንክን ጥዕናን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ልሂቅ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካዲናል ኻቪየር ላዛኖ ባራጋን ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ስብከት ከምዘስመርሉ ነቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ገሊጾም።
ቅዱስ ኣቦና ብላቲን ስርዓት ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ኣመርኵይዞም፣ ብፍላይ ኣብ ግብረ ሓዋርያት፦ ቀዳመይ ማኅበረ ክርስቲያን ኣናዓበየን ብዙሓት ደቀ መዝሙር እናፍረየ ብዅሉ ዕብየት እናርኣየ ይጐዓዝ ከምዝነበረ ዝዘከሩ ቅዱስ ኣቦና እቲ ማኅበረ ክርስቲያን ብሓደስቲ ኣባላት ዘርእዮ ዝነበረ ዕብየት ኣብ ሰብኣዊ ውዕሊ ብዝቖመ ምትእስሳር ዘይኮነስ ባዕሉ እቲ ኢየሱስ ብዝሓበሮ መገዲ መሠረት ዝረጋገጽ ዝነበረ እዩ። ኢየሱስ ንቤተ ክርስቲያኑ ዝሓበሮ መገዲ እቲ ገፊሕ መገዲ ዘይኮነስ እቲ ጸቢብ ናይ ጻዕርን መከራን ናይ ስደትን መገዲ እዩ። እዚ ሓቂ እዚ ድማ የደንጽወናን። እዚኣ ኣብ መገዲ ስደትን መከራን እትጓዓዝ ቤተ ክርስቲያን እንታይ እያ ዝብል ሕቶ ክነቕርብ ዝከኣል እዩ። ኮይኑ ግን ንፍቶ ንጽላእ እዚኣ እያ ቤተ ክርስቲያንና ስለዚህ ሰብኣዊ ቢሮክራሲያዊ ትካል ኣይኮነትን” ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዚጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ገልጾም።
ደቀ መዛሙርቲ ኣይኮኑን ቤተ ክርስቲያን ዝመስረቱ። ንሳቶም ልኡኻትን ብቤተ ክርስቲያን ዝተላእኩ ናይቲ ካብ ኣቦኡ ዝተላእከ ኢየሱስ ክርስቶስ ልኡኻት እያቶም። ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልቢ እግዚኣብሔር ዝጀመረት እያ። ናይ እግዚኣብሔር ዝነበረ ሓሳብ እያ። ሓሳብ እግዚኣብሔር ድማ ፍቕሪ እዩ። እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ፣ ፍቕሪ ድማ እዩ ዘለዎ። ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣብቲ ፍቕሪ እያ ዝጀመረት ስለዚህ ናይ ፍቕሪ ታሪኽ እያ። ገና ኣብ ታሪኽ ዝቕጽል ናይ ፍቕሪ ታሪኽ እያ። ኣንሕና ሕዝበ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሞንጐ ናይ ፍቕሪ ታሪኽ ኢና ዘሎና። ነፍሲወከፍና ድማ ናይቲ ናይ ፍቕሪ ታሪኽ ሰንሰለት ቀለበት ፍቕሪ እዩ። እዚ እንትድኣ ዘይተረደኣና ድማ ቤተ ክርስቲያን እንታይ ማለት ምዃና ፈጺምና እይክንፈልጥን ኢና” ምስ በሉ፦ “ዕብየትን ምዕባለን ቤተ ክርስቲያን ውጽኢት ሓይሊ ሰብ ኣይኮነን። ገለ ገለ ኣባላት ማሕበረ ክርስቲያን ብርትዒ ታሪኽ ምኽንያት ከምእተጋገዩን እዚ ድማ መገዲ ስሒቶም፣ ሰራዊት ኣቝይሞምን ናይ ሃይማኖት ውግእ ፈጺሞም እዮም። እዚ ናይ ፍቕሪ ታሪክ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ዘይኮነ ካልእ ታሪኽ እዩ። እዚ ናይ ፍቕሪ ታሪኽ ኣይኮነን። ምስ ናይ ፍቕሪ ታሪኽ ዘራኽቦ ነገር የሎን። ኣንሕና እውን ካብቲ እንፍጽሞ ጌጋ ንመሃር፣ እቲ ናይ ፍቕሪ ታሪኽ ከመይ ይኸይድ ኣሎ ቢልና ናይ ሕልና መርመራ ንግበር። ዕብየታ ከመይ እዩ? ከምቲ ኢየሱስ ዝብሎ፣ ቤተ ክርስቲያን ከምቲ ካብ ኩሉ ዝነኣሰት ፍረ ኣድሪ ደሓር ምስ በቘለት መዕረፊ ኵሉ ትኸውን። ከምቲ መባዅዕቲ ብዘይ ድምጺ ብጽሞና ትዓብን ትሰፍሕን። እዚ ማለት ድማ ካብ ታሕቲ ካብቲ መሰረታ ቀስ እናበለት እትዓብይ ምዃና ኢዩ ዘረጋግጽ” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፦ “ቤተ ክርስቲያን ብቝጽሪ ዕብየታን ብብዝሓን ክትዕበይ ምስ እትጅምር ሰብኣዊ ትካል፣ ቢሮክራሲያዊ ቤት ጽሕፈት ኰይና እቲ ቀንዲ መሰረታዊ ቅዉም ነገራ ተጥፍእን ናብ ናይ ዘይመንግስታዊ ሰብኣዊ ትካል ወይ ድማ ማሕበር ትቕየር። ቤተ ክርስቲያን ዘይመንግስታዊ ናይ ሰብኣዊ ማሕበር ኣይኮነትን። ታሪኽ ፍቕሪ እያ። ቤተ ክርስቲያን እትጥቀመሎም ኣባይቲ ቤት ጽሕፈታታ ኣድላዪ እያቶም። ኣድላይነቶም ግን ደረት ዘለዎ እዩ። ስለዚህ እቶም ኣባይቲ ጽሕፈት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ናይ ፍቕሪ ታሪኽ ዝድግፍ ክኸውን ኣለዎ። ኰይኑ ግን እቲ ናይ ሰብኣዊ ትካትልነት ምዃኑ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከም ናይ ቤተ ክርስቲያን መሰረታዊ ትርጉም ኰይኑ ጸብለል ዝብል እንተድኣ ኰይኑ ፍቕሪ ንታሕቲ የንቆልቁልን ቤተ ክርስቲያን ድማ ሓንቲ ካብተን ዘይመንግስታውያን ሰብኣዊ ትካላት ኰይና ትተርፍ። እዚ መገዲ ቤተ ክርስቲያን ኣይኰነትን። ምስ በሉ ሓደ ናይ ሓንቲ ሃገር መራሒ ብዝሒ ሓለውጢ ጸጥታ ር.ሊ.ጳ. ክንደይ እዩ እንክብሉ ዘቕረቡሎም ሕቶ ዘኪሮም፣ ቤተ ክርስቲያን ዕብየታ ካብ ብዝሒ ሓይሊ ጸጥታ ዘይኮነስ ኣብ ሓይልን ብሓይልን ቅዱስ መንፈስ እዩ እንክብሉ ከምዝመለሱ ገሊጾም፣ “ቤተ ክርስቲያን ናይ ሰብኣዊ ትካል ኣይኮነትን። ኣደ እያ። ኣደ ናይ ሓንቲ ስድራ ቤት ወዳቢት ስድራ ቤት ማለት ኣዮነትን። ኣደ ስድራ ቤት እያ። ቤተ ክርስቲያን ድማ ውዳቤ ኣይኰነትን ኣደ እያ። ኣንሕና ደቂ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ ፍቕሪ ታሪኽ እንነብርን ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ንቕድሚት ንብልን ብሓባር ኣብታ ኣዴና ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን እንነብር ናይ ሓንቲ ስድራ ቤት ኣባላት ኢና። ስድራ ቤት ኢና” ምስ በሉ ቅድስቲ ድንግል ማርያም እኖ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ናይ ፍቕሪ ታሪኽ ክንጐዓዝ ዘብቅዓና ናይ ሓጎስ ጸጋን ናይ መንፈሳውነት ደስታን ተማልደልና እንክብሉ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ፣ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.