2013-04-23 15:13:37

ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኡምብሪያ ብፁዓን ጳጳሳት


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ትማሊ ንቪሲታ ኣድ ሊሚና ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስን ጳውሎስን ንምስላም ካቶሊካውያን ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ቅድስቲ መንበር ዝገብርዎ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምኽንያት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንዝርከቡ ኣብ ኢጣሊያ ንናይ ኡምብሪያ ብፁዓን ጳጳሳት ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፓውሎ ኦንዳርዛ ሓቢሮም።
እቶም ናይ ሰበኻ ፐሩጃን ኣሲዚን ቺታ ዲ ካተሎን ፎሊኞን ጉቢዮን ስፖለቶን ኦርቬቶን ተርኒ ሰበኻታት ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘካይድዎ ርክብ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሰበኻታቶም ጸብጻብ ኣቕሪቦም ካብ ቅዱስነቶም ስልጣናዊ መሪሕ ቃል ከምእተቐበሉን፣ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣመልኪቶም ናይ ኣሲዚ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒኮ ሶረንቲኖ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፦ ምስ ቅዱስ ኣቦና ብኣካል ተራኺብና ቀሪብና ክንፈልጦም ብሓቂ ዓቢ ጸጋ እዩ። ትሕትና ክፉት ልቢ ሓላይ ምዃኖም ካብ ዝብሃል ቀሪብካ ምስ እትፈልጦም ካብቲ ዝበሃል ንላዕሊ ትግንዘብ፣ ብዛዕባ ከተማ ኣሲዚ መንፈሳውን ሰብኣውን ኣብ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዝተማእከለ ታሪኻ ሕጽር ብዝበለ መልክዕ ከምዝገለጽሎምን ቅዱስ ኣቦና ብሓቂ በታ ከተማ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ኣዚዮም ዝማረኹ ምዃኖም እውን ከምዘረጋገጽሎም ብፁዕ ኣቡነ ሶረንቲኖ ሓቢሮም።
ቅዱስ ኣቦና ናይ ኣሲዚ ትሑት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ሽም ምምራጾም ነቲ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ መንፍሳውነት ዘለዎም ኣድናቖትን ፍቕርን ዘረጋግጽ ጥራሕ ዘይኮነ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሕዳሴ እውን መሰረት ምዃኑ ዝእመነሉ እዩ። ወንጌላዊ ሕይወትን ልኡክነትን ዘቃልሕ ቆራጽን ፍጹምን ተኸትሎ ወንጌል ዝብል ሕዳሴ ዘቃልሔ ርክብ እዩ ኔሩ ቢሎም ሕዝቢ ኣሲዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ብሃረርታ ዝጽበ ከምዝኾነን እቲ ናይ ሕዝቢ ኣሲዚ ዕድመ ንቕዱስ ኣቦና ከምዘቕረቡሎም ገሊጾም።
ትሕትናኦም ፍሽኽታ ዝመልኦ ገጾም ዘይተሓላለኸ ሕይወቶም እቲ ርክብ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዝካየድ ጥራሕ ዘይኮነ ርክብ ቤተ ክርስቲያናዊ ቤተ ሰብ ክምዝኾነ ዘረጋግጽ እዩ። ስለዚህ መንፈሳዊ ጉልበት ናይ ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ሕውነት ዘቃልሕ እዩ። ናይ ቤተ ክርስቲያን ልኡኽነትን ወንጌላዊ ሕይወት ዘተባብዑን ኣብ ገዛእ ርእሳ ከይተሓጽረት ከም ኢየሱስ ክርስቶስ ንዘርኢ ሰብ እተናዲ ኩፉት ማዕጾ ዘለዋ ጥራሕ ዘይኮነ ማዕጾኣ ከፊታ ካብ ገዛእ ርእሳ ወጺኣ ንካልኦት ከተናድን ክትምስክር ዝተጸውዔት እያ። ስለዚህ ተጓዓዚት ነቲ እግዚኣብሔር ዘናዲ ልቢ ሰብ እቲ ሃረር ዝብሎ እግዚኣብሔር እተቕርብ ምዃና መንፈሳዊነት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ የነጽሮ፣ ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ወንጌላዊ ሕይወትን ልኡኽነት መንፈስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘነቓቕሑ እዮም እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.