2013-04-20 15:24:12

ዝኽሪ መበል ሾመንተ ዓመት ሕርየት ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16


RealAudioMP3 ቅድሚ ሾመንተ ዓመት ዕለት 19 ሚያዝያ መበል 264 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ዝተሓርዩ ብፁዕ ካርዲናል ጆሰፍ ራትዚንገር ትማሊ ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝተሓረይሉ መበል ሸሞንተ ዓመት ከምእተዘከረ ክምልከት እንከሎ እዞም በነዲክቶስ መበል 16 ዝብል ስም ሓርዮም ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘገልገሉ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እታ ዝተመረጹላ ዕለት “ኣብ ናይ ጎይታ ግራት ወይኒ ዝዓዪ ትሑት ኣገልጋሊ” ብዝብላ ቃላት ምስቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቡ ዝነበረ በሸሓት ዝቝጸር ሕዝበ እግዚኣብሔር ከምእተላለዩ እንክዝከር፣ ብዛዕባ ቅድስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ኣገልግሎት ኣመልኪቶም ናይ ስድራ ቤት ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ፓሊያ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ “ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝተሓረዩላ ዕለት እንክዝክር፣ ቅድም ቀዳድም ንእግዚኣብሔር የመስግን፣ ኣብ ግራት ወይኒ ናይ ጎይታ ትሑት ኣገልጋሊ ዓዲሉና እዩ። መላእ ሸሞንተ ዓመት ኣገልግሎቶም በተን ምስ ተሓረዩ ዝበልወን ቃላት ዝጠቓለል ኮይኑ ደኺመ ከይበሉ ገዛእ ርእሶም ከይበቐቑ ብትብዓትን ብትሕትናን ከምዘገልገሉ ኩሉ ዝምስክሮ እዩ። ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይዅን ሓሳብን ኣመለኻኽታን ብትሕትናን ብፍቕርን ኣብ ሕይወቶም ሓቂ ክጎልሕ ገይሮም እዮም። ንሓቅን ኣብ ምንባርን ምብሳርን ሓቂ-ብፍቕሪ ዘገልገሉን ቅድሚ ገዛእ ርእሶም ቤተ ክርስቲያንን ሕዝበ እግዚኣብሔር ዘቐደሙን ኣብ ጎደናታትና ወንጌል ቀዲሙና ዝገዪ ብምዃኑ ብሕይወትን ቃልን ሓቅን ፍቕሪን ኮይኑ ዘይቐርብ እናኾነ ትርጉም ህላወነት ከይጠፍእ መታን ዝመርሑን እቲ ጎይታ ብኣኦም ኣቢሉ ዘነቓቕሖ ኣገዳስነት ወንጌላዊ ሕይወት ብሓቅን ፍቕርን ኣብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀጻሊ ኮይኑ ቤተ ክርስቲያንን ሕዝበ እግዚኣብሔርን የሰንይ ኣሎ” ኢሎም።
ኣብ ነፍሲወከፍ ዝሕረይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ጐይታ ምስሊ ቀጻሊ ይኸውን እዚ ማለት ድም ኣብ ዝሓለፉ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪኦም ዝሕረዩ መንጐ ቀጻልነት ዘይብሉ ተልእኾ ኣይንበርን እዩ፣ ስለዚህ ቀጻልነት ዘለዎ ከም ሰንሰለታዊ ቀለበት እናተተሓሓዘ እዩ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ክትርእይ እንከለኻ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትርእይ፣ ዝለዚህ ዝኮላለፍ ተልእኾን ድላይ እግዚኣብሔርን ከምዘየለ ንግንዘብ። እግዚኣብሔር ብዝዕድለና ር.ሊ.ጳ. ነመስግኖ ኣብ ነፍሲወከፍ ዝሕረዩ ር.ሊ.ጳ. እግዚኣብሔር መሰረታዊ መልሲ ንመሰረታዊ ሕቶታት ዘርኢ ሰብ ይጽግው” እንክብሉ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኣልባኖ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሰመራሮ መበል ሸሞንተ ዓመት ዝኽሪ ሕርየት ቅስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣመልኪቶም ብወገኖም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፦ “እቶም ከም ትሑት ዓያዪ ኣብ ግራት ወይኒ ናይ ጐይታ ኣየ ብዝብላ ቃላት ገዛእ ርእሶም በዚ ዓይነት መለለዪ ተልእኾኦምን ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ተኸታልነቶም ዝነብሮ ተልእኾ ዘነጸሩን ዝነበሩን ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ቤተ ክርስቲያን መልክዕ እንይታ ምዃኑ ኣነጺሮምልና እዮም። ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ ጐይታ ናይ ወይኒ ግራት እትዓዪ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝቖመት ቅድስቲ ቤት እያ። ዘርኢ ቅዱስ መንፈስ ዝተዘርኣላን ዝቦቕለላን ዘነጽር ምስሊ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልግልቶ ኣነጺሮምልና እዮም፣ ድሓር ድማ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት እቲ ተኸታልነት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝጠልቦ ጉልበት ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ይጐድልኒ ቢሎም ድሕሪ 8 ዓመት ዕለት 28 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ኣገልግሎት-ስልጣኖም ብፍቓዶም ክለቑ ድማ ቤተ ክርስቲያን ኣብ’ዛ መሬት እትጓዓዝ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር መልክዓ ገሊጾምልና። እዚ ክልቲኡ መልክዕ ቤት ክርስቲያን ድማ ምስ ክርስቶስ ምርኻብ ዝብል ሸቶ ዘለዎ እዩ። ምስ ክርስቶስ ምርኻብ ማእከል ኣስተምህሮኦምን ምዕዳኖም ኮይኑ ሸቶ ሕይወት ክርስትና ምስ ክርስቶስ ምርኻብ ዝብል ምዃኑ ድማ ብቃልን ሕይወትን ኣነጺሮምልና” ኢሎም።
“ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣገልግሎቶም ገዛእ ርእሶም ብጸሎትን ኣስተንትኖን ብጽሞናን ጸላይ ሕይወት ኣብ ምውፋይ ይነብርዎ ኣለዉ። ኣብ መንጎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዘሎ ርክብ ትሕትና ኣብ ዝብል ቃልን ሕይወትን እዩ። ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ነፍሲወከፍ ዝሕረይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብቐጻልነት ዝንበር ተልእኾ እዩ ዘለዋል። ቤተ ክርስቲያን ንእግዚኣብሔር ውዳሴ ምዃና ዝቃልሕ ኣገልግሎት እዩ” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.