2013-04-20 15:20:23

ቅድስቲ መንበር፦ ማሕበራዊ ፍትሕን ጉዳይ ደቀባትን


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ትማሊ ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሐዋርያዊ መንበሮም ናይ ረፓብሊካዊት ኤኳዶር ርእሰ ብሔር ራፋኤለ ቪንሰንተ ኮረኣ ደልጋዶ ተቐቢሎም ኣብ ማሕበራዊ ፍትሕን ጉዳይ ደቀባትን ዘማእከለ ርእሰ ጉዳይ ከምእተዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤኳዶር ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ንጥፈታትን መደብ ሕንጸት ተዋፊራ እተበርክቶ ኣገልግልጎት ኣፍልጦ ዝሃበ ርክብ ከምዝነበረን፣ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበር ኤኳዶርን ዘሎ ናይ ሓባር ርክብ ቅኑዕን ምክብባርን ዝዓሰሎ ከምዝኾነ ዘረጋግጽን ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን መንግስቲ ኤኳዶር ኣገዳሲ ናይ ሓባር ዘተ ነባርነቱ ዝተሰመረሉ ርክብ ከምዝነበረ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ነቲ ናይ ሕብረተሰብ ብድሆ ንምብዳህ ኣብ ማሕበራዊ ፍትሕን ምትሕብባርን ምድግጋፍን ናይ ሓባር ጥቕሚ ምርግጋጽ ኣብ ዝብሉ ክብርታት ብዘማእከሉ መደባት ምትግባር ወሳኒ ምዃኑ ኣብቲ ዝተኻየደ ዝርርብ ከምዝጎልሔ ገሊጹ።
ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ብዛዕባ ናይ ሃይማኖት ጉዳይን ደቀባት ዜጋታት ኤኳዶርን ባህሎምን ከማኡ እውን ዕቃቤ ተፈጥሮን ስነ ምህዳርን ኣብ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ናይ ሓሳብ ልውውጥ ከምእተገብረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.