2013-04-16 15:49:16

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ፉዎሪ ለ ሙራ


RealAudioMP3 ዕለት 14 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ቅዱስ ዓጽሚ ዝተነብረሉ ኣብ ከባቢ ሮማ ፉዎሪ ለ ሙራ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ናይ ሮማ ጳጳስን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይቲ ባዚሊካ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ብወግዑ ንምርካብ ኣብቲ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ድሕሪ ቐትሪ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ብናይቲ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ሊቀ ካህናት ብፁዕ ካርዲናል ጃምስ ሚካኤል ሃርቨይን ከምኡ እውን ብናይ ቅዱስ ጳውሎስ ገዳም ኣብ እምኔት ኣባ ኤድሙንድ ፖወር ተሰንዮም ኣብ ውሽጥን ቅርዓት ቅዱስ ጳውሎስ ባዚሊካ ብሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ኣብ ዝተኣከብሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ስብከት፦ “ቅዱስ ጳውሎስ ንጐይታ ብቓልን ብልበ ኣካልን ንኣኡ ጥራሕ ብምስጋድን ብዝኸፈሎ ናይ ደም ሰማእትነት ኣበሲርዎ እዩ” ኢሎም ምብሳርን ምምስካርን ምስጋድን ዝብሉ ሰለስተ ግሲታት ጠቒሶም፣ እዚ ኣብቲ ማሕበረ ሓዋርያት ዝተነብረ ብጽንዓት ዝተፈጸመ ስብከተ ወንጌል ዘረጋግጽ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣረዲኦም፣ ስቓይን መግረፍትን ስደትን ሓዋርያት እቲ ሓቂ ካብ ምምስካር ከምዘይብኮሮም በንጻሩ ኣሕይልዎምን ስቓይን መከራን ጽንዓት ብስራት ወንጌል ከምዝኾነን፦ “ብዛዕባ ክርስቶስ ኣብ ስድራ ቤትናን ዕለታዊ ናብራናን ንምዝራብ ንኣኡ ብሓቂ ንፈልጦ ዲና? እምነት ካብቲ ንብስራት ወንጌል ካብ ዘጽንዕ ምስማዕ እዩ ዝምንጨው” ከምዝበሉ ነቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተኸታተላ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ልእኽቲ ጋዜጠይና ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።
ምስ ክርስቶስ ምርኻብ ሓደ ናይ ሕይወት ምዕራፍ የርህው ስለዚ ሓዋርያት ኣብ ዕለታዊ ናብራኦም ብሕይወቶም ንኣኡ ከምዝመስከሩን፦ “ብፍቓድ እግዚኣብሔር ንምራሕ እንተድኣ ዘይኮንና ብፍላይ ካህናት ንሕዝበ እግዚኣብሔር ክንጓስይ ዘይከኣል እዩ። ንክርስቶስ ገዛእ ርእስኻ መስዋዕቲ ገርካ ንምቕራብ ድልው እንተድኣ ዘይኮንካ ክርስቶስ ንምምስካር ዘይከኣል እዩ። እዚ ንዅሉ ክርስቲያን ዝምልከት እዩ። ወንጌል ክስበኽን ክምስከርን እዩ ዘለዎ” ከምዝበሉ ዝሓበራ ዶኒኒ ኣስዒበን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ንሰዓብቱ፦ “ወንጌል ስበኹ ዝከኣል እውን እንተኾነ ብቓል (ስለዚህ ወንጌል ቅድም ብሕይወት ክስበኽ ከምዘለዎ ዘመልክት ሓሳብ እዩ) ዝተገማምዔን ሕይወትን ቃልን ዘየቃድው ምእመንን ኣባል ቤተ ክርስቲያንን መጋቢ መጓሰን ዝነብርዎ ዘይጥሙር ሕይወት ንተኣማንነት ቤተ ክርስቲያን ሓደጋ እዩ” ከምዝበሉ ሓቢረን።
“ኵላትና ንገዛእ ርእስና ኣብ ልብና ዝሓባእናዮን እንሓስቦ ጣዖት ኣሎና ዶ እዚ ንጎይታ ብሓቅን መንፈስን ከይንሰግደሉ ዝዕንቅጸና መንን እንታይንከ ኮን ይኸውን ቢልና ንሕተት፣ ምስጋድ ማለት ገዛእ ርእስና ካብቶም ጣዖታት ናጻ ምግባርን ጎይታ ከም መምህርን ናይ ሕይወትና ማእከልን ክኸውን ምሕራይ ማለት እዩ። ጐይታ ሓዋርያቱን ሰዓብቱን ክንከውን ሓርዩና እዚ ብሓቂ ክንደይ ዝዓበየ ጸጋ እዩ። ስለዚህ ንሞት ስዒሩ ከምዝተንስኤ ብቓልን ሕይወትን ክንምስክሮን ካብቶም እንኣምኖን ጣዖታት ናጻ ከምዝወጻእና ብዘረጋግጽ ሕይወት ንመስክሮ” ከምዝበሉ ዝሓበራ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዶኒኒ ኣብ ፍጻሜ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅዱስ ጵውሎስ ባዚሊካ እታ እመ ኣምላክ ዘሆዲጊትሪኣ ናይ 13 ክፍለ ዘመን ቅዱስ ምስሊ እኖ ማርያም ዝተዓቀበሉን ኣብታ ዕለት 22 ሚያዝያ 1541 ዓ.ም. ቅዱስ ኢግናዚዮስ ዘሎዮላን ናይቲ ዝመስረቶ ማሕበር ኢየሱሳው ቀዳሞት ኣባላት ዓቢይ ማሕላ ንምፍጻምን ነቲ ማሕበር ዘቐሙላ ዕለት ኣብታ ቅዱሲ ምስሊ እኖ ማሪያም ፊት ተረኺቡ ከም ዝፍጸመዎ መንፈሳዊ ንግደትን ኣስተንትኖን ከምዝፈጸሙ ገሊጸን።







All the contents on this site are copyrighted ©.