2013-04-16 15:46:42

ሕብረት ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንማእከላይ ምብራቕ ሰላም


RealAudioMP3 ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ፉኣድ ትዋል ብምኽትሎም ብፁዕ ኣቡነ ዊሊያም ሾማሊ ከምኡ እውን ኣብ ቲኒዝ ሓድሽ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኢላሪዮ ኣንቶኒያዚ ተሰንዮም ትማሊ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተራኺቦም ኩነት ማሕበረ ክርስትያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን፣ ቅልውላው ሶሪያን ነቲ ከባቢ ዝምልከቱ ካልኦት ርእሰ ጉዳያት ኣማእኪሎም ከምዝዘተዩ ነቲ ዝተኻየደ ርክብ ዝተኸታተላ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ልእኽቲ ጋዜጠይና ጋብሪኤላ ቸራዞ ሓቢረን።
ብፁዕ ኣቡነ ትዋል ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፦ “ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ኢየሩሳሌም ፓትሪያርክ ብፁዓን ጳጳሳትን ሓደሽቲ መንሰያት ካህናትን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ድሕሪ እቲ ናይ ሓባር ዘተ፣ ቅዱስነቶም ምስ ፓትሪያርክ ናይ ግሊ ርክብ ብምክያድ ብዛዕባ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ህልው ኩነታት ብፍላይ ድማ ኩነት ማሕበረ ክርስትያን ኣብቲ ከባቢ ዘማእከለ ዘተ ከምዝተኻየደን፣ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ኩነት ማእከላይ ምብራቕ ኩሉ ዝፍልጡ እዮም ኮይኑ ግን እፈልጥ እየ ዝብል መንፈስ ዘይብሎም፣ ጽን ቢሎም ኩሉ ብምስማዕ ናይቲ ከባቢ ጉዳይ ካብቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበር ብምስማዕ ኩሉ ተገንዚብካ ድማ ትኽእሎ ድጋፍ ምቕራብ ከምዝከኣል ዘነጸረ ርክብ እዩ ኔሩ” ኢሎም።
ብዛዕባ ማእከላይ ምብራቕ ህልው ኩነትን ስደተይናታት ሶሪያን ብዛዕባ ናይ ፓትሪያርካዊ ኩነትን ንእግዚኣብሔር ምስጋና ይኹኖ እቲ ብብዝሒ ተመሃሮ ዝተዓደለ ቤት ትምህርቲ ዘረኣ ክህነትን ዘማእከለ ዘተ እውን ከምእተኻየደ እንክምልከት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ሃረርታ ናይ ኩሉ ከምዝኾነን ዝከኣል ክኸውን ተስፋ ናይ ኩሉ እዩ እንክብሉ ብፁዕ ኣቡነ ትዋል ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣብዚ ዛዚሞም።
ናይ ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ትዋል ምኽትል ተሓባባሪ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዊሊያም ሾማሊ ብወገኖም ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፦ “ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ማእከላይ ምብራቕ ክጽልዩ ከምዝሓተትናዮምን ንሶም ነቲ ከባቢ ሕዝቢ ዘድልዮ ዘበለ ኩሉ ብኣስተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ ዝፈልጡ ኣቦ እዮም፣ ቅዱስ ኣቦና ናይ ትሑትን ጽንዓትን እምነትን ኣብነት እዮም፣ ስለዚህ እቲ ኣብነቶም ንዅሉ ክርስቲያንን ንካልኦት እውን ዓቢ ደገፍ እዩ፣ ሰለዚ ኩላትና እብቲ ንሶም ዝብልዎን ዝሓስብዎን ንተኣማመን” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.