2013-04-13 14:10:26

መደብ “Cortile dei Gentili-ደንበ ኣሕዛብ”


RealAudioMP3 ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ መንጎ ኣማንያንን ኢኣማንያንን ኣብ ናይ እዋናዊ ዓበይቲ ርእሰ ጉዳያት ዓለምን ፍጥረትን ዝምልከት ካብ ዝተፈላለዩ ጨናፍር ስነ መጽናዕትን ፍልጠትን ዝቐርብን ዝወሃብን ሃይማኖታውን ኢሃይማኖታውን ሕቶታትን መልስታትን ኣማእኪሉ ኣብ መንጎ እምነትን ምርምርን ዘሎ ዘተን ዘይምንጽጻግን እቲ ዘሎ ክውን መሠረታዊ ጥምረት ንምዝታይን ብምትንታንን ርግጸይናነቱ ንምምቅላሕ ዝኣመተ ብቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣስተንፍሶ ዝተነቓቕሔ “Cortile dei Gentili -ደንበ ኣህዛብ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣላልዩ ዘበገሶ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤውሮጳን ካብ ኤውሮጳ ወጻእን ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ኣመርኵይዙ ድሕሪ ዘካይዶ ዓውደ መጽናዕትታት፣ ብምቕጻል ዕለት 20 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ካታንዛሮን ከማኡ እውን ካብ ዕለት 6 ክሳብ ዕለት 9 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ንመጀመሪያ ጊዜ ኣብ ክፍለ ዓለም ላቲን ኣመሪካ ኣብ መክሲኮ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዘዳለወ ትማሊ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝጥቀመሉ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታኣኡ ኣብ መስመር መርበብ ዘተን ክትዕን ዝካየደሉ ኣብ ዓለም ናይ ዘተ ባህሊ ንምንቕቃሕ ዝኣመተ ሓድሽ ገጽ ከምእተኸፈተ እውን ገሊጾም፣ ብፍላይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ መልእኽትን ኣስተምህሮን ምዕዳንን እንከመሓላልፉ ነቲ ዓሚዩቕ ሓሳብ ቅልል ብዝበለ መገዲ ናይ ምቕራብ ሜላ ዝኽተሉ ብምዃኑ እዚ ድማ ዓቢይ ኣብነት እዩ ኢሎም።
ደንበ ኣሕዛብ ዝተፈላለዩ ፍልስፍናውን ቲዮሎግያውን ማሕበራውን ትንታኔታት ዝቐረበሉን ዝተስተንተነሉን እዩ። ቀዳም ዕለት 20 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ኣብታ ናይ ገበን ጉጅለታት ሰላሕ እናበሉ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ መዳያት ኣናተኣታተዉ ዘይሕጋውነቱ ተግባራት ሕጋውነት ዝጉብልል ዘስፋሕዎ ባህሊ ኣዚዩ ኣብ ዝዓበለላ ከተማ ካታንዛሮ ናይ ሕቅን ሕጋውነት ሕግን ንምንቕቓሕ ኣሚቱ ዘዳለዎ ዓውደ መጽናዕቲ ክካይድ ምዃኑ ሓቢሮ።
ካብ ዕለት 6 ክሳብ 9 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ኣብታ 87 ሚእታዊ ካብ መላእ ብዝሒ ሕዝባ ናይ ካቶሊክ እምነት ምእመን ዝርከበላ ኮይኑ ግን ጸረ ውሉደ ክህነት ባህሊ ዝሰፍሓላ ከተማ መክሲኮ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ኡናም ብናይታ ሃገር ናይ ፍልስፍና ሊቅ ኣብ ኣሲዚ ምስ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣማንያንን ኢኣማንያን ሊቃውንቲ ዘተ ኣብ ዘካይድሉ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ጉሌርሞ ሁርታዶ ዘወሃህድዎ ዓውደ መጽናዕቲ ክካይድ ከዝኾነን ገሊጾም።
መደብ ደንበ ኣሕዛብ ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ፈረንሳ ከተማ ፓሪስ ተበጊሱ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ቀጺሉ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ላቲን ኣመሪካን ዘካይዶ መደባት ከምዝሓንጸጸን ድሓር እውን ናብ ኢጣሊያ ተመሊሱ ኣብ ከተማ ኣሲዚ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ዘካይዶ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዝህሉ ገሊጾም።
ኣብ መወዳእታ ኣብ ከተማ ሮማ ብማኪናኦም እናተጓዕዙ እንከለዉ ኣብ መብራህቲ ተራፊክ ደው ቢሎም ናይ ሕለፍ ቀጠልያ መብራህቲ እናተጸበዩ እንከለዉ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ጥቓኦም ካብ ዝነበረት መኪና ወሪዱ ሰላም ኣነ እፈልጠኩም እየ ኣብ እግዚኣብሔር ዘይኣምን እውን እንተኾንኩ እቲ እተካይድዎ መደባት ዓውደ መጽናዕቲ ዝከታተል እየ። እቲ ር.ሊ.ጳ. ንምምራጽ ዘካይድክምዎ ዕጹው ጉባኤን ውጽኢቱን ግን ናብ ምእማን ኣብ ህላዌ ቅዱስ መንፈስ ደሪኹኒ ኣሎ እንክብል ዝገለጸሎም ሓሳብ ዘኪሮም። መደባት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሰናይ ፍረ ዝህብ ምዃኑ ዘየጠራጥር ሓቂ እዩ። ስለምታይ ናይ ጐይታ መደብ እዩ” እንክብሉ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.