2013-04-11 19:13:37

እግዚአብሔር ንደቁ ፈጺሙ ዘይርስዕ አቦ ኢዩ፣


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ አብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዩ፣ ቅዱስነቶም ነቲ አብ ዝሓለፈ ሶሙን ንዓመት እምነት አመልኪቶም ዝጀመርዎ ትምህርቲ ብምቅጻል ሳዕቤን ናይ ትንሣኤ ክርስቶስ ዳግማይ ልደት ከምዝኾነ እዚ ዳግማይ ልደት ከአ ብምሥጢረ ጥምቀት ከም ንቅበሎን አመልኪቶም፣
በዚ ከአ ክርስትያን ዘቦኡ ኩሉ አዕይንቱ ናብ ሰማይ አንቃዕሪሩ አቦና አብ ሰማይ እትነብር ቢሉ ንእግዚአብሔር አቦኡ ከምዝኾነን ወትሩ ከምዘፍቅሮን ይምስክር፣ እንክብሉ ቀንዲ ትምህርቲ ምስ አቅረቡ ነቲ ቅድሚ ትማሊ አብ ደቡብ ኢራን ዝተኸስተ ምንቅጥቃጥ ምድርን ዘኸተሎ ሞትን ቍስለትን ብርሰትን አመልኪቶም እውን ብመንፈስ ቅርበቶም ድሕሪ ገሊጾም ኩልና አኃዋትን አኃትን ንዝኾኑ ሕዝቢ ኢራን ክንጽሊ ተማሕጺኖም፣
ቅዱስነቶም አብ ትምህርቶም አብቲ ዝሓለፈ ሶሙን ዝጀመርዎ ትንሣኤ ክርስቶስ ብምብጋስ ምሥጢረ ትንሣኤ መሠረት እምነትና ስለዝኾነ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ እምነትና ብዘይ ትንሣኤ ከንቱ ኢዩ ዝኸውን ከምቲ ገዛ መሠረቱ እንተሃሚሙ ሓደሽደሽ ቢሉ ዝፈርስ ኢዩ፣ ቀንዲ ፍረ ናይ ትንሣኤ ከአ ብክርስቶስ ዳግማይ ተወሊድካ ሓዲስ ሕይወት ምጅማር ምዃኑ ነዚ ብምሥጢረ ጥምቀት ከምንቅብሎ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
“እትዚ አብ ምሥጢረ ጥምቀት እንቅበሎ መንፈስ ቅዱስ ይምህረና፤ ንእግዚአብሔር አቦ አባ አቦየ ቢልና ክንጽውዕ እውን ይደፋፋአና፣ በዚ ከአ እግዚአብሔር አቦና ኢዩ፣ እዚ አቦ እዚ ንደቁ ፈጺሙ ዘይገድፍ ዝርዶኦም ዝምሕሮም ዝሓቍፎም ዘፍቅሮም ወላውን እንዳተጋገና ብቀጻሊ ዘፍቅር አቦ ኢዩ፣ ካባና ዝደሊ ከም ደቁ ምንባር ኢዩ፣ እዚ ከአ ኢዩ ክብረትና፤ ከም ሓቀይኛታት ደቁ እንተተመላሊስና ብሓቂ ክብረትና ሓሊና ማለት ኢዩ፣ እዚ ማለት ዕለት ዕለት ክርስቶስ ክልውጠና ከነፍቅደሉ ከማኡ እሙናት ውሉድ ክንከውን ነፍቅደሉ፤ እዚ ማለት ከም ክርስትያን ክትነብር ምጽዓር፤ ወላውን እውን ውሱንነትናን ድኻምነትናን እንተተራእየና ንክትክተሎ ምቅላስን ማለት ኢዩ፣ እዚ ውሉድነት እዚ ግን ፈተና ዝመልኦን ከቢድን እንክኾን እቲ ቀንዲ ፈተና ን እግዚአብሔር አወሲንካ ንገዛእ ርእስኻ ቀንዲ ምግባር አነ ጥራይ ምባል ሓደ ካብቲ ብርቱዓት ፈተናንታት ስለኾነ ትብ ዓት እምነት ክህልወና የድሊ፤ ተቢዕናኸስ ነቲ እግዚአብሔር ሓንቲ አይገብርን ኢዩ ንዓኻ አይደልየካንዩ ንዝብል ፈተና ክነሸንፍ ከምዚ ክብሉ ተላብዮም፣
“ኮይኑ ግን ብአንጻር እዚ ፈተና’ዚ ብምውዳቅናን ብሓጢአትናን ተስፋ ከይቆረጽና ከምዘፍቅረና ተረዲእና ከም ደቂ እግዚአብሔር እንተተመላሊስና ሕይወትና ሓዲስ ይኸውን ብሰላምን ሓጎስን ናይ ጎይታ ከአ ትንቀሳቀስ፣ እግዚአብሔር ዘይጠልም ተስፋ ኢዩ፣
“ተስፋና አብዚ እግዚአብሔር ክንጐዓዘሉ ዝጸወዓና ዓለምዚ ሓያል ርግጸኛን ጽኑዕን ኢዩ፤ አብቲ እሙን አምላኽ ስለዝተመሥረተት ከአ ንዘለዓለማውነት ክፉት ኢዩ፣ እግዚአብሔር ወትሩ እሙን ምዃኑ ክንርስዕ የልብናን፣ ክርስትያን ምዃን ትእዛዛት ምሕላው ጥራይ አይኮነን እንታይ ደአ ምስ ክርስቶስ ምዃን ከምኡ ምሕሳብ ከምኡ ምስራሕን ከምኡ ምፍቃርን የድሊ፤ እንክብሉ ብተግባር ንክርስቶስ ምኽታል ከምዘድሊ እዚ ከአ ጭቡጥን ንጹርን ብሩህን ምልክት ከምዝኾነ ሓቢሮም፣ነዚ ዓይኑ ንላዕሊ ቋሕ አቢሉ አቦና አብ ሰማያት እትነብር ምባል ምኽአል ተሳኢንዎ ንዘሎ ዓለምን እዚ አገልግሎት እዚ ክንህቦ ዘሎና ክቡር ህያብ ኢዩ፤ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዚሞም፣







All the contents on this site are copyrighted ©.