2013-04-11 19:15:25

ሰንበት ዘገብር ኄር ሚያዝያ 6 2005 ዓ.ም (4/14/2013)


መዝሙርመኑ ውእቱ ግብር ኄር ወምእመን ዘይረክቦ እግዚኡ በምግባረ ሠናይ።” “መን እዩ እቲ ሕያዋይን እሙንን አገልጋሊ ንጎይትኡ ጽቡቅ ክገብር ዝጸንሖ እሞ ጎይትኡ አብ ልዕሊ ኵሉ ገንዘቡ ዝሸሞ እንደገና ከአ ሕያዋይን እሙንን አገልጋሊ ብሒደት ተአሚናካ ኢኻ እሞ አብ ብዙኅ ክሸመካ እዩ፥ ናብ ታሕጓስ ጎይታኻ እቶ”።
ንባባት ፍሊጲ 38~14፥ 1ጴጥ 211~19፥ ግ.ሓ.169~18፥ ዮሓ 81~11።
ስብከት፡ “ከመ እንግር ፈቃደከ መከርኩ አምላኪየ፥ ወሕግከኒ በማከለ ከርስየ ዜኖኩ ጽድቀከ በማሕበር ዐቢይ”።”አምላኽይ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ፥ ሕግኻ እውን አብ ውሽጢ ልበይ እዩ፥ጽድቅኻ አብ ጉባኤ አብሰርኩ” መዝ. 408።
አብ ሕይወትና አብ ገለ እዋን ዘየሓጉስ እሞ ዘሕርቕ ነገር እንተ ተጓነፈና አብ ጽልኢ፥ ሕርቃን፥ ሕፍረት፥ ሕሜታ ኮታ አብ ዝተፈላለየ ስምዒት ንወድቕ። እንተ በዝሐ ኸአ አብ ጽላለ እውን የብጽሕ እዩ። ገለ ሰባት አለዉ ነቲ ዝተጓነፎም ጸገም፥ ጌጋ፥ አብ ሕይወቶም ዘይርስዑ። ገለ ሰባት ከአ አለዉ ሓንሳብ ምስ ጸልኡ ምስ ተቐየሙ ክምለሱ ዘጸግሞም፥ ሰባት ሓንሳብ ድሕሪ አብ ልዕሊኦም በደል ፈጺሞም ንኹሉ ጊዜ አብ ልቦም ሒዞሞ ይነብሩ።
ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ አብ ዝሓለፈ አብ ሕይወትና ዝተጓነፈና ሓዲግና አብ ሓዲስ ሕይወትን መንፈስን ክንአቱ እሞ አብ ሓዲስ ጉዕዞ ሕይወት አብቲ ኢየሱስ ዝሕብረና ክንአቱ ይነግረና። ሓደ ካብቲ አብ እዋን ጾም ክንገብሮ ብተደጋጋሚ ክንፍጽሞ ዘሎና አብ ሕይወትና ክንሕደስ እዩ። ጊዜ ጾም አብ ሓዲስ ጉዕዞ ሕይወት እዩ ዘተኩር። ድላይ እግዚአብሔር ሓዲስ ሕይወት አብ ክርስቶስ ከቕርበልና እዩ።
አብ ትንቢት ኢሳያስ 4316~21 ዘሎ እንተ አንበብና “ነቲ ቕድም ዝነበረ አይትዘክሩ ነቲ ናይ ጥንቲ ኸአ አይትሕሰቡ እንሆ ሓዲስ ነገር ክገብር እየ መገዲ አብ ምድረ በዳ ወሓይዝ ድማ አብ ምድሪ አጻምእ ክህብ እየ” እናበለ ንደቂ እስራኤል አብኡ ክምለሱ እሞ ሓዲስ ጉዕዞ ሕይወት ክሕዙ ይነግሮም።
አብ ወንጌል ዝተነበ እውን አብ ምሕረት አምላኽ አሚና አብቲ ዝሓለፈ ጸገማትና፥ ኃጢአትና፥ ድኽመታትና ተኣሲርና ከይተረፍና ሓደስቲ ፍጥረት ክንከውን ይነግረና። አብ ሕይወት ንቅድሚት ጥራሕ ክንጉዓዝ አሎና ምኽንያቱ እግዚአብሔር ጥራሕ እዩ ንኹሉ ዝመጽእ ዝቆጻጸር። አምላኽ ኩሉ ጊዜ አብ መንጎ ሕይወትና አትዩ ሓዲስ ጉዕዞ ሕይወት የቕርበልና። እስራኤላውያን አብ ስደት አብ ባቢሎን እንከለዉ ውርደትን ሕፍረትን ረኺቦም ብሓቂ ሕስረት ወሪድዎም በዚ ምኽንያት አምላኽ ሓዲግና እዩ ኢሎም ክሓስቡ ጀሚሮም። ነቲ ምስ አቦታቶም ዝገብሮ ዝነበረ ክዝክሩ ጀሚሮም። ስለ ምንታይ እዩ እግዚአብሔር ከምቲ ምስ ወለድና ዝገበሮ ዝነበረ ሎሚ ዘይገብር እናበሉ የጕረምርሙ ነሮም። እግዚአብሔር ግን ሎሚ ካብቲ ዝሓለፈ እዋን ዝዓበየ ከምዝገብር ነጊርዎም። ናይ ዝሓለፈ ክሓስቡ አየድልን ምኽንያቱ ሓዲስ ጉዕዞ ከምጽአሎም ምዃኑ ገሊጽሎም። በቲ ወሪድዎም ዘሎ ተስፋይ ከይቆርጹ፥ ዝተሳዕሩ ኮይኑ ከይርአዮም፥ ውርደት ከይስምዖም ምኽንያቱ ንሱ ጌና ፍቕሩን ሓልዮቱን ክገልጸሎም ምዃኑ ገሊጽሎም።
ሎሚ ንአና እውን አብ ሓዲስ ሕይወትን ተግባርን ክንምለስ ይደልየና አሎ። ብሕማማትን ሞቱን ትንሣኤን ኢየሱስ አምላኽ ሓዲስ ሕይወት ክህበና እዩ። እዚ አምላኽ ዝህቦ ሓዲስ ሕይወት፥ ፍቕሪ፥ ሰላም፣ ሓቂ፥ አኽብሮት፥ ዕርቂ ከም ቅምድመ ኩነት ዝሓትት ስለ ዝኾነ ክንቅበሎ አሎና። አብዚ አብ ትንሣኤ ገጽና አብ እንጉዓዘሉ ዘሎና እዋን ንዝሓለፈ ሕማቕ ተግባርና ካብ ሰብን አምላኽን ዝፈልየና ቀቢርና አብ ሓዲስ ሕይወትን ትንሣኤን ክንአቱ ንሕተት አሎና። እዚ ምስጢረ ትንሥኤ ሓዲስ ጉዕዞ ኮይኑ ካብ ኃጢአት ናብ ነጻነት ካብ ሞት ናብ ሕይወት እንሳገረሉ ጊዜ እዩ።
ወንጌል ብዛዕባ ሓንቲ ሰበይቲ አብ ዝሙት ዝተረኽበት በቶም ህዝቢ ንኩነኔ ዝተፈርደት ብኢየሱስ ግን ዕዳ ኃጢአታ ዝተሓድገላ ይነግረና። ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን አብ ቅድሚ ኢየሱስ አቕሪቦም ከም ሕጊ ሙሴ ብዳርባ እምኒ ንሞት ክትፍረድ ወሲኖም ሓቲቶሞ። አብ ገጽ እታ ሰበይቲ ሕፍረት፥ ራዕዲ፥ ጣዕሳ፥ ፍንፍንቲ ምዃና ይርኤ ከምዝነበረ ብሩህ እዩ። እቶም ሰባት አብ ልዕሊአ ሓንቲ ድንጋጼ የርእዩ አይነበሩን፥ ብዛዕባ እቲ ምስአ ዝዝሙ ዝነበረ ሰብ ወላ ሓንቲ ይብሉ አይነበሩን አብአ ጥራሕ እዮም አተኲሮም ዝነበሩ። አብዚ ናይ ጾታ ፍልልይን ንሳ ንበይና ከምዝገበርት ገርካ ምርአይ ብርእሱ በደል ከም ዝኾነ የረድእ።
በቲ ዝገበረቶ ኃጢአት ኩሎም ኮኒኖማ ጸሊኦማ። ባዕላ ንርእሳ እውን ጸሊአታ፥በቲ ዘሕፍር ግብራ ንርእሳ በደለኛ ገራ ፈሪዳታ፥ ንርእሳ ሓንቲ ጽቡቕ ነገር ዘይግብኣ ድኽምቲ ፍጥረት ውርደት ዝግብአ ገራ ርእያታ ትኸውን እያ። ኢየሱስ አብ ሕይወታ ሓዲስ ነገር አምጽእላ ብዛዕባ ርእሳ ዝነበራ ርድኢትን ብዛዕባ ካልኦት ዘርአይዋን ንኹሉ ብምሕረት ስለ ዝቐረባ አብ ርእሳ ሓዲስ ነገር አርእይዋ። ንሱ በቲ ዝገበረቶ ፍርዲ መቕጻዕቲ ዘይኮነ ፍርዲ ምሕረትን ፍቕሪን አርእይዋ። ንዝሓለፈ ዘይኮነ ንዝመጽእ ሕይወታ ከም እትሓስብ ገርዋ። ነቶም ከሰስታ ቅድሚ አብአ ፍርዲ ምግባሮም ርእሶም ክርእዩ ነጊርዎም። “ካባኹም ኃጢአት ዘይብሉ መጀመርያ እምኒ ይደርብየላ ኢልዎም” (ዮሓ 87)። አብ ክንዲ ዝፈርዳ ዝከላኸለላ ኮይኑ።
ብዙሕ ጊዜ ዝሕተት አሎ ንሱ ኸአ ኢየሱስ እንታይ ይጽሕፍ ነሩ ዝብል እዩ። ሰለስተ መልሲ ይውሃብ። 1.ነቲ ዝሓተትዎ መልሲ ክህበሉ ስለ ዘይደለ ሱቕ ኢሉ ይሓናጽጽ ነሩ ዝብሉ አለዉ። 2.ነቲ አብ ኤር. 1713 ዘሎ “ኦ እግዚአብሔር ተስፋ እስራኤል ንስኻ ኢኻ እቶም ዚኃድጉኻ ዘበሉ ኺሓንኩ እዮም፥ ንአኻ ንእግዚአብሔር ነቲ ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይ ስለ ዝኃደጉ ኸምቲ ብሓመድ ዝተጻሓፈ ስም ኪድምሰሱ እዮም” ዝብል ከምልክት ዝገበሮ እዩ ዝብሉ አለዉ። 3. ናይ እቶም ከሰስቲ ኃጢአት ይጽሕፍ ነሩ ዝብሉ እውን አለዉ ግን ብርግጽ ዝፈልጥ የለን። አብዚ ዝግድሰና እቲ ኢየሱስ አብታ ሰበይቲ ዘምጽኦ ምሕረትን ሕድገት ኃጢአትን እዩ።
እዚ ሰብአይ (ኢየሱስ) አብ ክንዲ ፍርድን ሞትን ዘምጽአላ ነጻነትን ምሕረትን አምጺኡላ እቲ ሓቀኛ መንነታን እንታይነታን ከምእትለብስ ገርዋ። አብ ሕይወታ ንኃጢአተኛ ሰብ ብኻልእ አረአእያ ዝርኢ ሰብ ገጢምዋ። “አቲ ሰበይቲ እቶም ከሰስትኺ ደአ አበይ አለዎ፥ ዝፈርደኪዶ የለን እዩ”. . . “አነ እውን አይፈርደክን እየ ኪዲ እሞ ደጊም አይትበድሊ” (ዮሓ 811) ኢልዋ። እዚ ቃላት ኢየሱስ ነዛ ሰበይቲ ቃላት ምሕረትን ሕውየትን ኮይኑ ሓዲስ ሕይወት ከፊቱላ። ኢየሱስ ንዝሓለፈ ሓዲጋ ሓዲስ ሕይወት አብ ፍቕሪ ሓጎስን ተስፋን መሰረት ገራ እትጉዓዞ ሕይወት ሓቢርዋ።
ንአና እውን ንዝሓለፈ ግብርና ርእዩ ጣዕሳን ንስሓን እንተ አርኤና ይምሕረናን ይሓድገልናን። አምላኽ ኩሉ ጊዜ ንቅድሚት አብ ፍቕርን ሓልዮትን ከም እንጉዓዝ እናገበረ ይመርሓና። አምላኽ አብ ዝሓለፈ ጌጋናን ኃጢአትና ተጸቒጥና ከይንተርፍ ኢሉ በርቲዕና ክንጉዓዝ ተስፋ እናሃበ ከም እንጉዓዝ ይገብረና። ጸዋዕታና ከም ክርስትያን መጠን ብሓጎስን ሰላምን ክንመርሕ እዩ ጸዋዕታና።
ቅ. ጳውሎስ “አኅዋተይ ገና ናተይ ከም ዝገበርክዎ ገይረ ንርእሰይ አይግምትን እየ፥ ሓደ ነገር ደአ አሎ ነቲ ብድኅረይ ዘሎ እናረሳዕኩ ናብቲ አብ ቅድመይ ዘሎ አቢለ እናተመጣጠርኩ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ አቢለ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ሰማይ ጽውዓ አምላኽ ብክርስቶስ ኢየሱስ እጎዪ አሎኹ” (ፊል 313~14) ይብል። ንዝሓለፈ አብ ምሕረት አምላኽ ሓዲግና ንቅድሚት አብ ጸግኡ አሚና ክንጉዓዝ ከም ዘሎና ይነግረና።
ከምቲ ነታ ዘማዊት ሰበይቲ ዝገበሮ አባና እዋን ክገብር ነፍቅደሉ። ብምስጢረ ኑዛዜ ገርና ሕይወትና አብኡ ክነቕርብ እንተ ኸአልና “ኪድ/ኪዲ ደጊም ዳግም አይትአብስ/ሲ አነ እውን አይኩንነካን እየ ክብለና እዩ። እዚ ናይ እዛ ሰበይቲ ተመክሮ አብዚ ጊዜ ጾም አርብዓ ናይ ነፍስወከፍና ተመክሮ ክኸውን ይግባእ። እዚአ ሰበይቲ ብፈሪሳውያን ጸሓፍትን ብሓይሊ እያ አብ ቅድሚ ኢየሱስ አቕሪቦማ ንሕና ግና ባዕልና ኢና አብ ቅድሚ መንበረ ኑዛዜ ክነቕርብ ዘሎና። አብዚ ንብዓለ ትንሣኤ አብ እንቀራረበሉ ዘሎና እዋን ብዝሓለፈ ሕይወትና ጌጋናን ተግባርናን ክንጭነቕ ዘይኮነ ዘሎና ኩሉ ጊዜ ሕያዎት ቅኑዓት ኮና ክንጉዓዝ እዩ ዘድሊ።
ምሕረት አምላኽ ኩሉ ጊዜ ምሳና እዩ ሓንትስ ርኢና ንኽአል፥ አብኡ ተመሊስና ሓደስቲ ፍጥረት ክንከውን እዩ ድላዩ። እዛ ሰበይቲ ሓዳስ ሰብ ኮይና ፍቕርን ምሕረትን አብ ሕይወታ ክትርኢ ክኢላ። ነፍሲ ወከፍና አብ ልብና አብ ሕይወትና ሒዝናዮ ባራዩ ቅምታን ክፍአትን ገሩና ዘሎ ሎሚ ካባና አብ መንበረ ኑዛዜ አራጊፍና ሓደስቲ ፍጥረት መልክዕ አምላኽ ዘንጸባርቖም እሙናት አገልገልቲ ክርስቶስ ክንከውን ፍቓደኛታት ንኹን።
ኦ ክርስቶስ ጎይታይ ዝኸፍኤ ኃጢአተይ ተሰኪመ እመጽእካ አሎኹ ተቐበለኒ፥ ነቲ ንዓመታት ካባኻ ፈልዩኒ ዝነበረ ሎሚ ክስዕሮ እሞ ምስ ኩሉ ሰላም ክገብር ልዕሊ ኹሉ ንአኻ ክመስል እውስን አሎኹ እናበልና ብልብና ንዛረቦ። መሓሪ አምላኽ ምሕረቱ የውርደልና። ጉዕዞ ጾምና ጉዕዞ ንስሓ ገሩ ቅድስና ዝመልኦ ትንሣኤ ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.