2013-04-10 08:50:37

ከድሕነና ዝኽእል ኢየሱስ ጥራይ ኢዩ፣


ከድሕነና ዝኽእል ኢየሱስ ጥራይ ኢዩ፣ ጠንቆልቲ ኮነ ደባትር ከድሕኑና አይክ እሉን ኢዮም! ባዕልናውን ንርእስና ከነድሕን አይንኽእልን ኢና! ድሕነት ብኢየሱስ ጥራይ ኢዩ፣
ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዳርጋ ከም ዕለታዊ ተግባር ተታሓሒዞም ዘለው ንግሆ ንግሆ ምስቶም ምሳኦም ዝነብሩን ገለ ገለ ሠራሕተኛታት ከተማ ቫቲካንን ኃቢሮም አብ ዘዕርግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ትማሊ አብ ዘስምዕዎ ስብከት ኢዩ፣
ቅዱስነቶም ንግዜኡ አብቲ አብ ውሽጢ ከተማ ቫቲካን ዝርከብ ብቅድስት ማርታ ዝፍለጥ መቀበል አጋይሽ ይቅመጡ አለው፣ አብቲ ናይቲ መቀበል አጋይሽ ቤት ጸሎት አብ ዘዕርግዎ ዕለታዊ ቅዳሴ ካብ ሠራሕተኛታት ከተማ ቫቲካን እውን ይሳተፉ፣ አብ ናይ ትማሊ ቅዳሴ አብ ቤት መድኃኒት ወይ ፋርማሲ ቫቲካን አገልግሎት ዝህቡ ሠራሕተኛታት ተሳቲፎም ነሮም፣
ብላቲናዊ ሥር ዓተ አምልኾ ሶሙነ ትንሣኤ ብምዃኑ ናይ ትማሊ ንባባት ድሕሪ ትንሣኤ ክርስቶስ ሓዋርያት አብ ምጅማር ተልእኾኦም ቅዱስ ጴጥሮስ ንሓደ ምልቡስ ብስም ኢየሱስ ዘሕወየሉ ዝገልጽ ጥቅሲ ተመርኵሶም ቅዱስነቶም ንሕናውን ምስክርነት ቅዱስ ጴጥሮስ ናትና ክንገብርዎ ብዘይካ ብስም ኢየሱስ ካል እ ዘድሕን ከምዘየልቦ አሚና ክንምስክር አዘኻኺሮም፣ አብነት ቅዱስ ጴጥሮስ እንተተመልከትና አብቲ ግዜ ምትሓዝ ኢየሱስ ሰለስተ ግዜ ዝኸሓደ ሕጂ ብትብ ዓት አብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ነቶም አሕሉቅ አይሁድ ምስክርነቱ ክህብን ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ምል ቡስ ከሕውን ብዘይካ ብስም ኢየሱስ ካል እ መድሕን ከምዘየልቦን ይገልጽ፣ ከምቲ ጽሑፍ ዝብሎ ቅዱስ ጴጥሮስ ስም ኢየሱስ ጥራይ አይኮነን ዝጽው ዕ እንታይ ደአ መንፈስ ቅዱስ መሊ እዎ ይብል፣ ንሕና ውን መንፈስ ቅዱስ እንተሰይመሊኡና ስም ኢየሱስ ክንጽው ዕ አይንኽ እልን ብዛዕባኡ ክንሰብኽን ክንምስክርን እውን አይንኽ እልን፣ ነቲ አብ ሕይወትናን ጉ ዕዞናን ዘሰንየና ኢየሱስ ክንምስክረሉን ክንጽው ዖን ክንሰብኮን ዝደፋፋአና መንፈስ ቅዱስ ኢዩ ክብሉ ድሕሪ አስተምሂሮም አብ ሰበኻኦም ቦነስ አየርስ ዘጋጠሞም ታሪኽ ከምዚ ክብሉ ነጊሮም፣ አብ ናይ ቦነስ አየርስ ቤተ ጳጳስ ዘገልግል ሓደ ትሑት ሰብ አይ አሎ፣ እዚ ሰብ አይዚ ካብ 30 ዓመት አትሒዙ ኢዩ አባኡ ዝሰርሕ፣ ዝኾነ ነገር ክገብር እንከሎ ክወጽ እ ክ አቱ ክሰርሕ ወትሩ ኢየሱስ ይብል፣ ሓደ መዓልቲ ስለምታይ ወትሩ ኢየሱስ ትብል ቢለ ምስ ሓተትክዎ ስም ኢየሱስ ክጽው ዕ እንከሎኹ ኃይሊ ይስም ዓኒ አብ ጐነይ ከምዘሎ ይፍለጠኒ ከምዝሕልወኒ እውን እፈልጥ ቢሉኒ፣ እዚ ሰብዚ ብዘይካ እታ ጸጋ ጥምቀት ዝወፈሮ ዪኒቨርሲቲ የብሉ ዘጽን ዖ ትምህርቲ የብሉ፣ ስለዚ ኃይሊ ጸጋ ጥምቀትን ኃይሊ መንፈስ ቅዱስን ክሳብ ክንደይ ከምዝኾነ ረአዩ፣ እዚ ምስክርነት እዚ ን አይ ካብ መጠን ንላ ዕሊ ሃኒጹኒ፣ ምኽንያቱ አብዚ ዘሎናዮ ዓለም ብዙሕ መድኃኒታት ክንኮነካ ክብሉና ይኽ እሉ ኮይኑ ስም ኢየሱስ ጥራይ ኢዩ ዘድኅነና፣ ብዙኃት ጸገማቶም ንኽፈትሑ ናብ ጠንቈልትን ደባትን ሃሰው ይብሉ፣ ኮይኑ ኢየሱስ ጥራይ ኢዩ ዘድኅን ነዙይ ክንምስክር አሎና፣ ነዙይ ዓባይ መምህር እትኾነና እኖና እግዚ እትነ ማርያም ኢያ፣ ንሳ ወትሩ ናብ ኢየሱስ ኢያ ትመርሓና ከምቲ አብ ቃና ዘገሊላ ዝገበረቶ ንሱ ዝበለኩም ግበሩ ኢያ ትብለና፣ ስለዚኸስ ንኩሉ ናብ ኢየሱስ እናአማዕቆብና ብስሙ ንለምን መንፈስ ቅዱስ ነዙይ ንኽንገብር ክደፋፋአና ነፍቅደሉ ክንሓዊ ከአ ኢና እንክብሉ ስብክቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.