2013-04-09 15:06:33

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ርእሰ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ


RealAudioMP3 ሰንበት ዕለት 7 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሮማ ኣብ ዝርከብ መንበር ሮማዊ ጳጳስ ርእሰ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ድሕሪ ቐትሪ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሓሙሸተን ፈረቓን ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ሮማ ጳጳሳ ከምዃኖም ጳጳሳዊ ሓዋርያዊ መንበሮም ብወግዒ ከምእተረከቡ ክምልከት እንከሎ። ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንበረ ጳጳስ ዘሮማ ርእሰ ባዚሊካ ተረኺቦም ቅድሚ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ እቲ መንበረ ጳጳስ ሮማ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተርኖ ዝርከበሉ ቅርዓት ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ተባሂሉ ካብ ዝጽዋዕ ሓደ ክፋሉ ቅሮዓት ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተባሂሉ ክጽዋዕ ቅሮዓት ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝብል ስም ዝተጽሓፎ ኣብቲ ደጋዊ ሕንጻ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ከም መዘከርታ ዝተሰቕለ ጽላት ከምዝመረቑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፦ ኣብቲ በዓል ምርኻብ መንበረ ጳጳስ ዘሮማ ናይ ሮማ ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣጐስቲኖ ቫሊኒ ከምኡ ኣውን ብኽልተ ናይ ከተማ ሮማ ቤት ምኽሪ ኣባላት ተሓባበርቶም ዝተሰነዩ ናይ ከተማ ሮማ ከንቲባን ጃኒ ኣለማኖ ከምእተሳተፉን ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ቅዳሴ መሪሖም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፦ ማሕበረ ክርስቲያን ሮማ ጳጳስ ረኺቡ፣ ብሓባር በታ ብርሃነ ትንሳኤ ዘእግዚእነ ተመሪሕና ንጐዓዝ ቢሎም እታ መዓልቲ ሰንበት ዘምህረት ማለት መለኰታዊ ምሕረት ዝበስዓለላ ሰንበት ምዃና ዘኪሮም፦ ከምዚ ዝበለ ዓቢይ ፍቕሪ፣ ከምዚ ዝበለ ጥልቂ ፍቅሪ እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት፣ ፈጺሙ ዘይቅህን ዘይቀያየር ዘይጎድልን፣ ወትሩ ኣእዳውና ሒዙ ዝመርሓናን ዘተባብዓና ካብ ዝወደቕናሉ ኣተንሲኡ ዝመርሓና እዩ” ቢሎም ምሕረት ኣብ ዘቃልሕ ኣብ ወንጌል ዝተገልጹ ጽሑፋት ቅዱስ ኣቦና እናጠቐሱ፦ ቅዱስ ቶማስ ድኽነቱን ውሑድ እምነት ዘለዎ ምዃኑ እንክእመን፣ ጎይታየን ኣምላኸይን ብዝብል ተራን ግን ዓሚዩቕ እምነት ብምልኣት ንኢየሱስ መልሲ ዝህባ ቃላት ኣቢሉ ይምሕጸን። ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎን ቅንዋት ኢየሱስ በእዳዉ ተንኪፉ እቲ ኣጥፊእዎ ዝነበረ እምነት ዳግም ብምርካብ ዘይኣማኒ ዘይኮነስ ዝኣምን ኮይኑ ብመለኮታዊ ምሕረት ክዕብለል ገዛእ ርእሱ ይሓድግ” ቢሎም “ኢየሱስ ንጴጥሮስ ጠመተኡ ትሕትና እውን እዩ። ጴጥሮስ ዓዘቕቲ እንክትንፍክ ምስተን ዝጥምትኦ የዕይነቲ ኢየሱስ ይራኸብ፣ ኢየሱስ ንጴጥሮስ ብድኻምነትካን ፍጹም ብዘይምዃንካ ኣይትፍራሕ፣ ኣባይ ተኣማመን፣ ይብሎ ጴጥሮስ ድማ ነዚ ይርዳእን እተን ብፍቕሪ ዝጥምታኦ የዕይንቲ ኢየሱስ ይርእይ፣ ይሰምዖን እሞ ይነብዕ፣ ኢየሱስ ክጥምተካን ርእየቱ ክንደይ ጽቡቕ እዩ፣ ኣጠማምታ ኢየሱስ ክንደይ ጽቡቕን ለዋህን እዩ። ዝተፈተኹም ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኣብ ልዕሊ እቲ ዕጉስ መሓርነት እግዚኣብሔር ዘሎና እምነት ኣይነዕብር” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ትዕግስቲ ኢየሱስ ነቶም ድቀ መዝሙር ዘኤማሁስ የሰንይ ነቲ ሕዙን ገጻቶምን ኣልቦ ተስፋ ዝኾነ ባዶ ጕዕዞኦም ቀረባ ኮይኑ፣ ብምስናይ ኢየሱስ ፈጺሙ ኣብ ገዛእ ርእስናን ቀቢጸ ተስፋን ከም ዘይሓድገና የረጋግጽ። እግዚኣብሔር ንኣዳም ኣብ ሓጢያቱ ዘይሓድግ እዩ። እዚ ድማ ኣገባብ እግዚኣብሔር ምዃኑ እንክሕብሩ፦ “እግዚኣብሔር ምሳና ምስቶም ኩሉ ብቕልጡፍን ኩሉ ብሓንሳብ እንብል ትዕግስቱ ኣይውድእን፣ እግዚኣብእሔር ስለ ዘፍቅረና ትዕግስቱ ወትሩ ኣብ ልዕሌና እዩ። ዘፍቅረናን ዝርድኣናን ኣባና እምነት ስለ ዘለዎ ድማ ኣባና እምነት የንብር። ንበይንና ኣይሓድገናን፣ ሽሕ’ኳ ዋላ ካብኡ ንርሓቕ ነቲ ምሳና ዘራኽቦ ድልድል ኣየፍርስን፣ ንምሕረትና ዝጎዪ እዩ። ኣብ ክርስቲያናዊ ሕይወትና እግዚኣብሔር ወትሩ ካብኡ እውን እንተራሓቕና ኣብ ምጽባይና ዘይደክም ምዃኑ ወትሩ ንዘክር፣ ንሱ ፈጺሙ ርሑቕና ኣይኮነን፣ ናብኡ እንተድኣ ተመሊስና ክሓቕፎና ድልው እዩ። ምናልባት ገለ ገለ ሰባት ካባና ኣይ ናተይ ሓጢእት ዓቢይ እዩ፣ ካብ እግዚኣብሔር ምርሓቐይ ልክዕ ከምቲ ናይቲ ንኡስ ውላድ ምሳሌ ዝብሎ ዝመሳሰል ኣዩ። ካብኡ እውን እንተዘይገደደ። ምጥርጣረይ ከም ናይ ቅዱስ ቶማስ እዩ። ናብኡ ክምለስ ዘብቅዕ ትብዓት የብለይን፣ እግዚኣብሔር ዳግም ሓንጎፋይ ቢሉ ክሐቕፈኒ ቢለ ክሓስብ የጸግመንን ምእማኑ ይኸብደንን፣ ኮይኑ ግን እግዚኣብሔር ናብኡ ክንምለስ ተባዓት ክንከውን ጥራሕ እዩ ዝሓተና፣ ኣብ ምጽባይና ኣይደክምን” ምስ በሉ ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶይ ብዙሕ ጊዜ ኣባ ሓጢአ ዝብል ቃል ክደጋገም ሰሚዔ እዩ። ኣን ድማ ኣይትፍራሕ ንሱ ይጽበየካ ኣሎ እሞ ናብኡ ኪድ ዝብል መልሲ ካብ ምሃብ ኣቋሪጸ ኣይፈልጥን...ንእግዚኣብሔር መማልእቲ ወይ ድማ ቁጽሪ ኣይኮናን፣ ፍጥረቱ ኣዚና እነገድሶ ኢና፣ ሽሕ ሓጢኣተይናታት እውን እንተኾንና ንዓኡ ነፍሲወከፍና ኣገደስቲ ኢና። ኣብ ትዕግስቱን ዓቕሉን እምነትና ነንብር ብኣኡ ንተኣማመን ናብ ቤቱ-ቤትናን ክንምለስ ኣይንፍራሕ ናይ ምምላስ ትብዓት ይሃልወና፣ ብኣኡ ክንፈቀር ገዛእ ርእስና ንኣኡ ነረክቦ፣ ፍቕሩን ለውሃቱን ሕቕፎኡን ምሕረቱን ትዕግስቱን ከነስተማቕር ኢና” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.