2013-04-09 15:00:38

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ክርስቲያናዊ ፍቕሪ ወይ ትሑት እዩ እንተዘይኮነ ግን ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ኣይኮነን


RealAudioMP3 ትማሊ ንጐሆ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሕንጻ ቅድስቲ ማርታ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ብላቲን ስርዓት በዓለ ብስራት ዝተብዓለሉ ዕለት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም፦ ንሓደ ክርስቲያን ዕብየት ማለት ገዛእ ርእስኻ ትሕት ምባል ማለት ማኻኑን እዚ ድማ ፍቕሪ እግዚኣብሔር መታን ክጐልሕ ኣብ ጐዳና ትሕትና ምጉዓዝ ማለት እዩ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ስልጣናዊ ስብከት ከምዘስምዑ ነቲ ስርዓት ቅዳሴ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
መገዲ ክርስትና ኣዚዩ ናብ ትሕትና ዝመርሕ ክኸውን እንከሎ ኣዚዩ ልዕል የብል፣ ስለዚህ ናብ እግዝኣብሔር ዘቕርብን ዘዕብን ነቲ ዝስዋዕ ፍጹም ፍቕሪ እግዚኣብሔር ቦታ መታን ክሓድግ ገዛእ ርእስኻ ትሕት ብምባል ዝምስከር ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ገሊጾም፣ ማርያምን ዮሴፍን ናይቲ ኣብቲ ዝነበርዎ እዋን ዝነበረ ንጉስ ውሳኔ ብምኽባር ንቆጸራ ሕዝቢ ሕጊ ተኣዚዞም ክሳብ ቤተ ልሔም ይጎዓዙ ማርያም እቲ ዝኸውን ዝነበረ ኵሉ ዝርድኣ እውን እንተዘይነበረ መንፈሳ ኣብ ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣንቢራ ትቕበሎ፣ ዮሴፍ ገዛእ ርእሱ ትሕት ብምባል ነቲ ካብኡ ዝዓበየ ሓላፍነት ኣብ ማሕጸን ሕጺቱ ዝሓደረ ቃል ትጽቢት ተሰኪሙ ይጓዓዝ። እግዚኣብሔር እቲ ፍቕሪ ምዃኑ ናባና ነኸብጽሖ መገዲ ትሕትና ይመርጽ፣ ነቲ ኣብቲ እዋን ዝግለጽን ከም ኣብነት ዝንገርን ዝረአን ዝነበረ ዓይነት ኣተሓሳስባ ፍቕሪ ምሉእ ብምሉእ ብምቕያር ንደቂ ሰባት ፍቕሪ ብመገዲ ትሕትና እዩ ገሊጽዎ። እቲ ኣምላኽና ታእላው ወይ ድማ ብደቂ ሰባት ካብ ዕንጸይቲ ዝተጸርበ ኣይኰነን፣ ኣብታ ኢየሱስ ክሳብ ኣብ መስቀል ገዛእ ርእሱ ትሕት ብምባል ኣብ ዝተኽተላ መገዲ ትሕትና ዝጐዓዝ እዩ። እዚ ንክርስቲያን ወርቃዊ መምርሒ እዩ” ዕብየትን ንቕድሚት ምጎዓዝን ትሕትናን ዝብል ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ተንቲኖም ስለዚህ ካልእ መገዲ ክንስዕብ ዘይከኣል እዩ። ገዛእ ርእስና ትሕት እንተድኣ ዘየበልና ክርስቲያን ኣይኮናን ማለት እዩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፦ “ትሑት ምዃን ማለት ርእስኻ ንታሕቲ ደፊእካ ኣዕይንትኻ ንታሕቲ ገጸን ክጥምታ ገርካ ምጉዓዝ ማለት ኣይኮነን፣ ትሕትና ናይ ኢየሱስን ናይ ኣዲኡ ማርያምን ዮሴፍን እዚ ዓይነት ትሕትና ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ መላእ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ዝሕብር ትሕትና እዩ። ትንሳኤ እውን በዚ ናይ ትሕትና ጐዳና ኢዩ ዝሓለፈ። ዓወት ክርስትና ብትሕትና ዝሓልፍ እዩ” ቢሎም እግዚኣብሔር ናይ ትሕትና ጸጋ ክዕድለና ንጸልይ፣ ትሕትና እንተዘየሎ ፍቕሪ ተዓጊቱ እዩ ዝተርፍ፣ ክጎዓዝ እውን ኣይክእልን እዩ እንክብሉ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.