2013-04-06 13:23:08

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ርእሰ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ


RealAudioMP3 ሰንበት ዕለት 7 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሮማ ኣብ ዝርከብ መንበር ሮማዊ ጳጳስ ርእሰ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ድሕሪ ቐትሪ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሓሙሸተን ፈረቓን ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ሮማ ጳጳሳዊ ሓዋርያዊ መንበሮም ብወግዒ ክርከቡ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንበረ ጳጳስ ዘሮማ ርእሰ ባዚሊካ ተረኺቦም ቅድሚ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ እቲ መንበረ ጳጳስ ሮማ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተርኖ ዝርከበሉ ቅርዓት ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሥፍራ ብቅሮዓት ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝትክእ ሓድሽ መለለዪ፣ ቅሮዓት ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝብል ስም ዝተጽሓፎ ኣብቲ ደጋዊ ሕንጻ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ከም መዘከርታ ዝተሰቕለ ጽላት ክምርቑ ምዃኖም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፦ ኣብቲ በዓል ምርኻብ መንበረ ጳጳስ ዘሮማ ናይ ሮማ ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣጐስቲኖ ቫሊኒ ከምኡ ኣውን ብኽልተ ናይ ከተማ ሮማ ቤት ምኽሪ ኣማኸርቲ ተሓባበርቶም ዝተሰነዩ ናይ ከተማ ሮማ ከንቲባን ጃኒ ኣለማኖ ክሳተፉ ምዃኖም ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.