2013-04-06 13:30:47

ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ


RealAudioMP3 ኣብ ርእሰ ከተማ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ንዝተረኽቡ ናይ ማእከላይ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ኤኮኖሚ ማሕበረሰብ ሃገራት ብናይ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስትራት ዝተመርሔት ጉጅለ ሉእኻትን ናይ ሕበረት ኣፍሪቃ ልኡኻትን ናይ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ከምኡ እውን ናይ ቋንቋ ፈረንሳ ተጠቀምቲ ማሕበር ሃገራት ፍሉይ ልኡኽ ቤልጅማዊ ልዊስ ሚሸል ዝርከብዎም ጉጅለ ልኡኻን ተቐብሎም ዘዘራረቡ ናይ ረፓብሊክ ኣፍሪቃ ርእሰ ብሔር ቢሎም ገዛእ ርእሶም ዝሰመዩ ሚሸል ድጆቶዲያ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ እንክምልከት፣ ርእሰ ብሔር ድጆቶዲያ እቲ ኣብ ንድጃመና ዝተኸያደ ዋዕላ ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ንመሰጋገሪ ዝኾውን ቢሉ ዝሓንጸጾ ውዕሊ ተቐቢሎም ከኽብርዎ ምዃኖም ከምዝረጋገጹን፣ እዚ ድማ እቲ ነታ ሃገር ዝተቖጻጸረ ሓይሊ ተዋጋእቲ ኣዛዚ ድጆቶዲያ እቲ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ንሰለስተ ዓመት ዝመርሕ ኢዩ እንክብሉ ቅድም ክብል ዝሃብዎ ውሳኔ ናብቲ እቲ ናይ ድጃመና ዋዕላ ዓሰርተውሸሞንተ ወርሒ እንክብል ብዘቕረቦ ውሳኔ ክትካእ ቢሎም እቲ ውሳኔ ንድጃመና ቅቡል ከምዝገበርዎ ተሓቢሩ ኣሎ።
እቲ ንዓሰረውሸሞንተ ኣዋርሕ ንሃገረ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝመርሕ ጊዚያዊ ናይ መሰጋገሪ ቤት ምኽርን ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ርእሰ ብሔር ኣብዚ ናይ መሰጋገሪ እዋን፣ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ብምቛም ሓድሽ ቅዋም ሃገርን ናይ ሃገራዊ ምርጫ ሕጊ ከቕውም ኣብ ዝብል መርሃ ግብሪ ክዓዪ ምዃኑ ክምልከት እንከሎ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብታ ሃገር ሕጂ እውን ምርግጋእ ገና ከምዘይተረጋገጸ ዝተፈላለያ ናይታ ሃገር ምንጭታት ዜና መሰረት ዝገበረ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት እንከመልክት፣ ኣብ መንጐ ነታ ሃገር ዝተቖጻጻረ ግንባር ኣባላት ብናይ ስልጣን ምቅድዳም ድላይ ምስሕሓብ ይፍጠር ከምዘሎን ሕጂ እውን እንተኾነ ካብ ናይ ሃገር ናይ ውልቂ ረብሓ ምቕዳም ይርአይ ከምዝሎን ኣባይት መውሃቢ ኣገልግሎት ሕጂ እውን ተዓጽዮም ከምዘለዉን ኣብ ከባቢ ወጻኢ ክፍለ ርእሰ ከተማ ባንጉዪ ናይ ገበን ጉጅለታት ግብረ ዘረፋን ስርቅን የካይዱ ከምዘለዉ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ናይታ ሃገር እሙናት ምንጭታት ጠቒሱ ይሕብር።







All the contents on this site are copyrighted ©.