2013-04-04 14:55:51

ጳጳሳዊ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ድርገት ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ


RealAudioMP3 “ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ኣስተንፍሶን ሓቅን” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘማእከለ ጳጳሳዊ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ድርገት ካብ ዕለት 8 ሚያዝያ ክሳብ ዕለት 12 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም. ብሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ገርሃርድ ሉድዊግ ሙዩለር ሊቀ መንበርነትን ብኣባ ክለምንስ ስቶክን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፍነት ዝተመርሐ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ሕንጻ ቅድስቲ ማርታ ክካየድ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ ጳጳሳዊ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ሓልዮ ድርገት ካብ ብዙሓት ዝሓለፉ ዓመታት ኣትሒዙ ኣብ ቅድስ መጽሓፍ ኣስተንፍሶን ሓቅን ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ብኸመይ መልክዕ ይግለጹ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሉ መጽናዕትን ስነ ምርምርን ምካይዱ ከምዝጀመረን ናይዚ ኣስተንትኖ ቀንዲ ዕላማ ድማ ኣስተንፍሶን ሓቅን ብምብራህ ቅዱስ መጽሓፍ ቃል ኣምላኽ ከምዝኾነ ዘሎ ርግጹነት ኣብ ኩሉ ክሰፍሕን ምእመናን ተቐባልነቱ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ምጽናዑን ምንብቡን ምንባሩን ክተግሁ ንምድጋፍ ምዃኑን ምስ ጐይታን ቃሉን ሱታፌ ክህሉ ንምትብባዕ ዝብል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.