2013-04-04 16:56:59

ናይ ር.ሊ.ጳ መልእኽቲ ፋሲካ፤


ዝኽበርኩም ነበርቲ ሮማን መላእ ዓለምን አኅዋትን አኃትን! ቡሩዅ ፋሲካ! ቡሩዅ ፋሲካ! ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን! ዝብል ናይ ታሕጓስ ዜና እንከበስረኩም ዓቢይ ሓጐስ ይስመዓኒ፣ ነቲ ብሥራት እዚ አብ ነፍሲ ወከፍ ቤት አብ ነፍሲ ወከፍ ሥድራ ቤት ብኅልፊ ከአ አብቲ ብዙሕ ሥቃይ ዘለዎ መዕቈቢ ሕሙማማት ቤት ማእሰርትን ክበጽሕ ሃረርታይ ኢዩ፣ ልዕሊ ኩሉ ከአ አብ ልቢ ነፍሲወከፍኩም ክበጽሕ እምነ፤ ምኽንያቱ ከአ እግዚአብሔር ነዚ ብሥራት እዚ አብ ልብታትና ስለዘንብሮ ኢዩ፣ ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን! ንአኻ/ኺ ዝኸውን ተስፋ አሎ፤ ካብ ሕጂ ንደሓር ግዙእ ኃጢአትን ክፍ አትን አይኮንካን/ክን፣ ፍቅሪ ተዓዊቱ! ምሕረት ተዓዊቱ! ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ወትሩ ምስ ተዓወተ ኢዩ፣ ንሕና እውን ምስተን አንጊሄን ናብ መቃብር ዝኸዳ እሞ ባዶ መቃብር ምስ ረኸባ እዝስ እንታይ ኮን ይኸውን ትርጉሙ ክብላ ዝተገረማ ቀዳሞት አር ድ እቲ ኢየሱስ ዝነበራ ደቀነስትዮ ኃቢርና ክንሓትት ንኽ እል (ሉቃ 24፤4)፣
ኢየሱስ ካብ ሞት ተንሢኡ እንክብል ትርጉሙ ምንታይ ኢዩ? ፍቅሪ እግዚአብሔር ካብ ክፍ አትን ሞትን አጸቢቁ ኃዪሉ ማለት ኢዩ፣ ፍቅሪ እግዚአብሔር ንሕይወትና ክልውጦ ይኽ እል ኢዩ ማለት ኢዩ፣ አብ ልባትና ንዘለው ምድረበታት ከምዝ ዕንብቡ ይገብር ማለት ኢዩ፣ ፍቅሪ እግዚአብሔር ክገብሮ ዝኽ እልከስ እዚ ኢዩ፣ ወዲ እግዚአብሔር ሰብ ዝኸነውን በዚ ፍቅሪ እዚ ተደፊኡ ኢዩ፣ በዚ ከአ መንገዲ ትሕትና ብምምራጽ ር እሱ መስዋዕቲ ክሳብ ምሃብ በጺሑ፣ ካብ እግዚአብሔር ዝፈላልየና ናብ ዝነበረ ክሳብ ናብ ሲኦል ወረደ፣ እዚ መሓሪ ፍቅሪዚ ነቲ መይቱ ዝነበረ ሬሳ ኢየሱስ ብብርሃን ከምዝዅላዕ ገቢርዎ፤ ለዊጥዎ፤ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት እውን አሰጋጊርዎ፣ ኢየሱስ ካብ ሞት ምስ ተንሠኤ አብቲ ናይ ቀደም ምድራዊ ሕይወቱ አይተመልሰን፣ እንታይ ደአ አብ ክብሪ እግዚአብሔር ተጸንቢሩ፤ አብዚ ክብሪ እዚ ዚአተወ ከአ ሰብ አውነትና ለቢሱ ኢዩ፣ በዚ ከአ ናይ መጻኢ ተስፋ ዓንቀጽ ከፈተልና፣
እነሆኸስ! ፋሲካ ማለት እዚ ኢዩ፣ ወዲ ሰብ ካብ ባርነት ኃጢአትን ክፍ አትን ናብ ናይ ፍቅርን ግብረ ሠናይን ዝሰጋገረሉ ጸአት ኢዩ፣ ምኽንያቱ ከአ እግዚአብሔር ሕይወት ስለዝኾነ፤ ሕይወት ጥራይ ከአ ኢዩ፣ ንሕና ሕያዋን ደቂ ሰባት ከአ ናቱ ክብሪ ኢና (ቅ.ኤረነዎስ)፣ ዝኸበርኩም አኅዋተይን አኃተይን! ክርስቶስ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ምእንቲ ኵልና ሞተ፤ ካብ ሞት ከአ ተንሠኤ፣ ኮይኑ ግን እዚ ካብ ባርነት ኃጢአትን ክፍአትን ናብ ናይ ፍቅርን ግብረ ሠናይን ነጻነት ዘሰጋግር ናይ ትንሣኤ ኃይሊ ብተግባር አብ ናይ መነባብሮና ኩነታት ማለት አብ ኩሉ ዕለታዊ ጕዕዞና አብ ግብሪ ክውዕል አለዎ፣ ሎሚ እውን እንተኾነ! ወዲስ ሰብ ከሰግሮም ዘለዎም ክንደይ ምድረበታት አለው? ልዕሊ ኩሉ ከአ ፍቅሪ እግዚአብሔርን ፍቅሪ ብጻይን ጐዲሉሉ አብ ዘሎ ልብ ደቂ ሰባት ዘሎ ምድረበዳ! ከምኡ እውን ነቲ ፈጣሪ ዝሃበናን ዝህበናን ፍጥረት ክንገብሮ ዝገበአና ኃላፍነታዊ ሓለዋ ብምዝንጋዕ፤ ኮይኑ ግን ነቲ ብዘይ መጠን ንዝነቀጸ መሬት እውን ከይተረፈ ከልምዕን ከዕምብብን ዝከአሎ ናይ እግዚአብሔር ምሕረት አብ ዝነቀጹ አዕጽምቲ ሕይወት ክዘርእ ይኽእል ኢዩ (ሕዝ 37፤1-4) ንኹልኹም ዘቅርቦ ጻው ዒትከስ እነሆ! ሓደራኹም ናይ ክርስቶስ ትንሣኤ ጸጋ ንቀበል፣ ብምሕረት እግዚአብሔር ክንሕደስ ፍቃድና ይኹን፣ ኢየሱስ ከፍቅረና ነፍቅደሉ፣ ናይ ፍቅሩ ኃይሊ ሕይወትና ክልውጦ ፍቃደኛታት ንኹን፣ እግዚአብሔር ንመሬት ከልም ዓሉ ዝኽ እለሉ መስኖ ብምዃንን ንፍጥረት ኩሉ እናሓሎና ፍትሕን ሰላምን ንኸዕንብበልና ናይዚ ምሕረት’ዚ መጋበሪ ንኹን፣ ከምዚ ብምግባርና ከአ ነቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ኢየሱስ! ንሞት ናብ ሕይወት፤ ንጽልኢ ናብ ፍቅሪ፤ ንቂም በቀል ናይ ይቅርታ፤ ንውግእ ናብ ሰላም ክልውጥ ንልምኖ፣
እወ፤ ክርስቶስ ሰላምና ኢዩ፣ ብአኡ ገቢርና ከአ ንምሉእ ዓለም ሰላም ንልምን፣ ንማአከላይ ምሥራቅ ሰላም ይኹን፤ ብሕልፊ አብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ሰላም ይኹን፣ እዞም ሰባት እዚኦም መንገዲ ስምምዕ ንክረኽቡ እናጸዓሩ ስለዝኾኑ ነቲ ነዊሕ ጊዜ አቍጺሩ ዘሎ ግጭት ንከቍሙ ብትብዓትን ብዕርቀ ምሕረትን ናብ ዘተ ንክምልሱ ንጸሊ፣ንዒራቅ ሰላም ይኹን፤ ኩሉ ዓመጽ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ይቁም፣ ልዕሊ ኩሉ ከአ ተፈታዊት ንዝኾነት ሃገረ ሲርያ ሰላም ይኹን፣ በቲ ግጭት ንዝቈሰለ ሕዝባን ነቶም ሓገዝን ምጽንናዕን ሃንቀው ዝብሉ እልቢ ዘይብሎም ስደተኛታታን ሰላም ይኹን፣
ክንደይ ደም ኢዩ ፈሲሱ! ነቲ ፖሎቲካዊ ቅልውላው መፍትሒ ክሳብ ዝርከብከ እዚ ሕዝቢ እዚ ገና ክንደይ ስቃይ ክቅበል አለዎ? ናይ ብዙሕ ደማዊ ግጭታት ዓውዲ ኮይና ንዘላ አፍርቃ ሰላም ይኹን፣ አብ ማሊ ሓድነትን ምርግጋእን ንኽወርድ ንጸሊ፣ ናይ ብዙኃት ንጹሓን ሕይወት አብ ሓደጋ ዘውደቀ፤ ሕጻናት ከይተረፉ ጅሆ እናሓዙ ዘሰቃዩ ዘሎ ጕጅለ አሸበርቲ ከም ኡ እውን ዘየቋርጽ ምፍንጃር ሓሚስዋ ንዘሎ ናይጀርያ ሰላም ይኹን፣ አብ ምሥራቃዊ ክፍሊ ደሞክራስያሳዊት ኮንጎን ብዙሓት ሰባት ቤት ንብረቶም ገዲፎም ብምህዳም ብፍርሓት ተሸቍሪሮም ዝንበርዋ ዘለው ናይ ማእከላይ አፍሪቃ ሪፓብሊክን ሰላም ይንገሥ፣ ሰላም ንኤስያ ይኹን፤ ልዕሊ ኩሉ ከአ አብ ደሴታት ኮርያ፤ ክልቲኤን ኮርያታት አብ ማእከለን ዘሎ ፍልልይ ብዘተ አወጊደን ናብ ዝተሓደሰ መንፈስ ዕርቂ ከምርሓ ንጸሊ፣
ብስስዕቲ ተመቃቂላ ብአቋራጭ ክህብትም ንዝጽ ዕር ዘሎ መላእ ዓለምና ሰላም ይኹን፣ ብግላዊ ረብሓ ዓዊሮም ሕይወት ወዲሰብን ቤተሰቡን ዘቍስሉ፤ እዚ ንአይ ጥራይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስ አብ ንግድ ደቂ ሰባት ከይተረፈ ስለዝዋፈር ናይዚ መበል ዕሥራ ዘመንና ሰፊሑ ዝረኤ ባርነት ኢዩ፤ ዋጋ ዕዳጋ ደቂ ሰባት ምውዕዓል እቲ ቀንዲ ሰፊሑ ዘሎ ናይ መበል ዕሥራ ክፍለ ዘመን ባርነት ኢዩ፣ ካብ ናይ ዕፀ ፋርስ ንግድን ምዕሩይ ዘይኮነ ናይ ባህርያዊ ሃብቲ ምምቅራሕን ብዝሰዓበ ዓመጽ ተሓሚሳ ንእትርከብ መላእ ዓለምና ሰላም ይኹን፣
ነዛ መሬትና እውን ሰላም ይኹን! ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ነቶም ብባህርያዊ ሓደጋ ዝተጐድ ኡ ብምጽንናዕ ነፍሲ ወከፍና ሓላፍነታውያን ሓለውቲ ተፈጥሮ ንምዃን የብቅዓና፣
ዝኸበርኩም አኅዋተይን አኃተይን፤ ካብ ሮማን ካብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ዓለምናን ን እትከታተሉኒ ኩልኹም ካብ መዝሙረ ዳዊት ሓንቲ ጥቅሲ ከቅርበልኩም፣ “እግዚአብሔር ሕያዋይ ስለዝኾነን ፍቅሩ ከአ ዘለዓለማዊ ስለዝኾነን አመስግንዎ፤ ሕዝቢ እስራኤል ኩሎም ከአ “ፍቅሪ እግዚአብሔር ዘለዓለማዊ ኢዩ” ይብሉ (መዝ 117፤1-2)፣
ዝኸበርኩም አኃዋትን አኃትን| አብዛ ናይ ክርስትና ሕመረት ዝኾነት ቅርዓት ካብ ኩሉ ኵርንዓት ዓለም ዝመጻእኩም፤ ከምኡ እውን ብዝተፈላለየ መራኸብቲ ብዙኃን ትከታተሉና ዘሎኹም፤ ቡሩኽ ፋሲካ እንዳበልኩ ከም እንደገና ሠናይ ምንዮተይ እገልጸልኩም፣ አብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብሓዲስ ኃይሊ ንዝሕደስ ናይ ተስፋን ሰላምን መል እኽቲ ናብ ሥድራቤትኩምን ሃገራትኩምን ከምተብጽሑ ይኹን፣ ኃጢአትን ሞትን ዘሸነፈን ካብ ሞት ዝተንሠኤን ጐይታ ናይ ኩልኹም ጸግዒ ይኹን፤ ብሕልፊ ከአ ናይ ዝደኸሙን ድኻታትን ጸግዒ ይኹን፣ አብዚ ብምርካብኩምን ስለዝሃብክምዎ ናይ እምነት ምስክርነኩምን አመግነኩም፣ ነዚ ቅርዓት አወቂቡ ዘሎ ብሉጽ ዕምባታት ንዘወፈየት ሃገር ነዘርላንድ ምስጋናየን ሓሳበየን እገልጽ፣ ንኹልኹም ንአኹምን ንመላእ ኅብረተሰብናን ናይ ፍትሕን ፍቅርን ሰላምን ሓለወቲ ንክትኮኑ ካብ ሞት ዝተነሠኤ ክርስቶስ ይምራሕኩም እንዳበልኩ እንደገና ብፍቅሪ ሠናይ ምንዮተይ እገልጸልኩም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.