2013-04-04 15:00:14

ማእከላይ ኣፍሪቃ


RealAudioMP3 ኣብ ሃገረ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዘሎ ኩነት ጽንኩር ምዃኑን ብፍላይ ድማ ኣብ ርእሰ ከተማ ዘሎ ህልዉ ኩነታት ዘተሓሳስብ ገና ምርግጋእ ዘይዓሰሎ ከምዝኾነ ኣባል ማሕበር ደናግል ክላሪሰ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ እንክሕብራ፣ ነታ ከተማ ዝተቖጻጸረ እቲ መንግስቲ ዘቖመ ሓይሊ ተዋጋእቲ ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ዝምልከት መንግስታዊ ምሕደራን ናይ ኤኮኖሚ ጉዳያት ዘበለ ኩሉ ዕዮኡ ጀሚሩ ኣሎ እንክብል ከምዘመልከተን፣ ኣዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ቻድ ርእሰ ከተማ ንድጃመና ናይ ሃገራት ከባቢ ማእከላይ ኣፍሪቃ ናይ ኤክኖሚ ማኅበረሰብ ኣባላት ኣብ ዘካይድኦ ዘለዋ ጉባኤ ኣብ ባንጉይ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ርእሰ ጉዳይ እውን ከምዝዘተዩ እንክምልከት፣ ኣብታ ከተማ ንምቁጽጻር ኣብ መገድታትን ኣደባባይታን ቀንዲ ቦታታት ከተማ ባንጉዪ ናይ ውግእ ኣጽዋር ዝጠዓጥቑ ኣባላት ዓማጽያን ሓይሊ ተዋፊሮም ዝለ ዝርከቡን እዚ ድማ ምርግጋእ ገና ከምዘየሎ ምልክት ብምዃኑ፣ እዚ ኩነት ብዝፈጥሮ ዘሎ ፍርሒ ምኽንያት ኣብ ባንጉዪ ብዙሓት ቤት መሸጣን ኣገልግሎት መውሃብን ኣባይቲ ባንክን ተዓጽዮም ከምዘለዉ እንክንገር እቲ ዘይምርግጋእ ንናይ ገበን ጉጅለታት ምቹእ ብምዃኑን ናይ ገበን ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሕዝብን ኣባይት ስድራን ትካላትን ዓቢይ ጸገም ይፈጥሩን ናይ ግሊ ንብረት ይምንዝዑን ይዘርፉን ምህላዎም እውን ይንገር።
እቲ ናይ ዓማጽያን ሓይሊ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ብፍላይ ድማ ካብ ሱዳንን ቻድን ቋንቋ ዓረብይና ዝዛረቡ ኣባላት ብዝሒ ምዃኖምን ደቂ ሃገር ኣባላት ዓመጽያን ሓይሊ ማእከላይ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ውሑድ ከምዝኾነ ክምልከት እንከሎ፣ እዚ ዅሉ ንገዛእ ርእሱ ምኽንያት ፍርሒ ኮይኑ ከምዘሎ ይንገር።







All the contents on this site are copyrighted ©.