2013-04-04 14:32:18

ሊጡርጊያ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ኣብ ሰሙነ ዳግማይ ትንሳኤ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.፦ ጓሂ ንልቢ ይጎድእ ስለዚህ ኣብቲ ጸላም ኣዋን እውን ኣብ ኢየሱስ ምትእምማን (ርግጸይና ምዃን) ይግባእ


RealAudioMP3 ብናይ ላቲን ስርዓት ትማሊ ኣብ ሊጡርጊያ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣብ ሰሙነ ዳግማይ ትንሳኤ ንባበ ወንጌል ኣብ ደቀ መዝሙር ዘኤማኡሁስ ዘተኮረ ከምዝነበረ ክዝከር እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሕንጻ ቅዱስቲ ማርታ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ድሕሪ ሞት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክልተ ደቀ መዝሙር ንኢየሩሳሌም ሓዲጐም ናብታ ዓሰርተውሓደ ኪሎ ሜትር ርሒቓ ናብ እትርከብ ከተማ ኤማሁስ እናምርሑ ብፍርሓት ተዋሒጦም በቲ ዝኾነ ነገር ኵሉ ንሓድሕዶም እናተዛረቡ እቲ ንእስራኤል ኬድሕን ዘለዎ ንሱ እዩ ቢሎም ተስፋ ዘንበርሉ ኢየሱስ በቶም ሊቃና ካህናትን ሹማምንትን ናብ ናይ ሞት ፍርዲ ኣሕሊፎም ከምዝሃብዎን ከምዘስቀልዎን ነቲ ባዕሉ ሕውስ ዝበሎም ካብ ሞት ዝተንስኤ ገና ዘየለለይዎ ኣብ መንጐኦም ንዝተረኽበ ኢየሱስ ክርስቶስ የዘንትውሉ እዚ ዝኾነ ድማ ኣብታ ሳልስቲ መዓልቲ ሰሙነ ዳግማይ ትንሳኤ እዩ ዝኾውን ዝነበረ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ነዚ ተንቲኖም ኣብ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ስብከት፦ “እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብፍርሒ ተዋሒጦም፣ ኵሎም ደቀ መዛሙርቲ ፈሪሖም፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ እቲ ዝኾነ ኵሉ እናተዘራረቡ ኣብ ገዛእ ርእሶም ስለ ዝተዓጽዉ ድማ ብጓሂ ተዋሒጦም ኔሮም፣ ድሕሪ ብዙሕ ተስፋ ምንባር በቲ ዝኾነ ኵሉ ኣብ ቅድሚኦም መንደቕ ጥራሕ ኰይንዎም ኵሉ ክሳራ ኮይኑ ይረኣዮም፣ ብዙሕ ጊዜ ኣንሕና እውን መሳቕል ከጋጥሙናን ኣብ ጸገምን ሓደጋን እንክንረክብ ነዕረምርምን ንትክዝን ተስፋ ነጥፍእ፣ ኮይኑ ግን ኣብቲ ጽንኵር እዋን እቲ ብዙሕ ጊዜ ዘይነለልዮ ጐይታ ቀረባና ኮይኑ ምሳና ብሓባር ይጓዓዝ፣ ኣቲ ዘየለለናዮ ጐይታ ዝብለና ኵሉ ልባትና እውን እንተተንከፈ ኣብ ትካዜና ኢና እንምለስ፣ ስለዚ ካብቲ ተስፋ እቲ ክስራን ሓቂ ጌርና ስለ እንቕበሎ እዩ፣ ተስፋ የለን ንብል፣ ናይ ኢየሱስ ትዕግስቲ ግን ደስ ዘብል እዩ። ምስኦም ኣናተጐዓዘ ቅድም ንኣኦም ይሰምዖም ቀጺሉ ድማ እቲ ዝኾነ ነገር ኵሉ የዘንትወሎም፣ ምኽንያት ሓዘኖም ይትንትነሎም፣ ደሓር ግን ልክዕ ከምቲ ንማርያም መቕደላዊት ኣብ መቓብር ስፍራ ዝተገልጸላ ንኣእቶም እውን ይግለጽ፣ ኢየሱስ ምሳና እውን ነዚ እዩ ዝፍጽም፣ ህላዌእዩ ይገልጸልናን ይዕድለናን” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
“እቲ ብዛዕባ ካልኦትን ብዛዕባ ገዛእ ርእስና እውን እነዕረምርሞን ጓህን ስለምታይ ኵሉ ካባና ዘርሕቕ ብምዃኑ ጸያፍ ተግባር እዩ። ጸገም እንተጋጠመና ኩሉ ዝተሓላለኸ እውን ኮይኑ እንክንረኽቦ ኣብ ጐይታ ንተዓቆብ፣ ኣብኡ እምነትና ነንብር፣ ንሱ ጐይታ ትዕግስቲ ብምዃኑ ልክዕ ከምቲ ምስቶም ክልተ ደቂ መዛሙርቲ ዘኤማሁዝ ዝገበሮ ድማ ካብቲ ወዲቕናሉ ዘሎና ኩነት ቀቢጸ ተስፋነት ከውጽኣና እዩ። ጐይታ ፈጺሙ ዘኽታማት ክንከውን ኣይክሓድገናን እዩ። ኣብቲ ጽንኵር ኩነት እውን ወትሩ ምሳና እዩ። ኣብቲ ንልቢ ዝጎድእ ጓሂ ገዛእ ርእስና ኣይነንብር” እንክብሉ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.