2013-04-02 14:52:04

ተራ ደቀንስትዮ ኣብ ዘደንቕ ምስክርነት ትንሳኤ ዘእግዚእነ


RealAudioMP3 ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ በዓለ ፋሲካ ሰኑይ ዘመልኣክ ከምዘብዓለት እንክምልከት፣ ብፍላይ ኣብተን ዘደንቕ መሰኻኽር ትንሳኤ ዘእግዚእነ ዓቢ ተራ ዘለወን ደቀንስትዮ ዘተኮረ በዓል ክኸውን እንከሎ፣ ብዛዕባ እዚ በዓል’ዚ ኣመልኪተን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ቸቲና ሚሊተሎ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፦ “ኣብ ተኸታልነት ኢየሱስ ክርስቶስ ደቀንስትዮ እውን ከምዝነበራ ብትኽክል ምፍላጡ የድሊ። ኣብ ኣለዳ ዕለተ ትንሳኤ ጥርሕ ኣይኮና ዝተራእያ፣ ኢየሱስ ንደቀንስትዮ ዝሃቦ ኣተኵሮን ዘርኣዮ ተገዳስነትን ብሓቂ እዋናውነት ዘለዎ ክቡር ዋጋ እዩ። እቲ ክትርድኦ ዘደንጽው መስተንክር ብሓቂ ተሰሚዑን ተራእዩን ዘይፈልጥ ግብረ ትንሳኤ በተን ኣብ ጥንታዊ ሃይማኖታውን ማሕበራውን ባህሊ ምስክርነተን ተቐባልነትን ተኣማንነትን ከምዘይብሉ ዝሕሰባን ንምስክርነት ዘይብቑዓት ኰይነን ብሕጊ ኣይሁድ ዝሕሰባ ከም ግኡዝ ኣቕሓ ብዝረኣያ ደቀንስትዮ ክብሰር ምግባሩ ዓቢይ ስርበታኻዊ ባህሊ እዩ” ኢለን።
“እግዚኣብሔር ኣብ ታሪኽ ድሕነት ፉሉይ ዝኾነ ናይ ሓያላትን ላዕለዎትን ብደቂ ሰብ ዝቖመ ሕጊ ዘይኮነ ናይ ገዛእ ርእሱ መምዘኒ ይኽተል፣ ደቀንስትዮ ከም በዓልቤታዊ ዘይኮነ ከም ግኡዝ ዝሕሰብ ዝነበራ ቀዳሞት መሰኻኽር ትንሳኤ ክኾና ይሓርይ። ኣብ ሰለስተ ቀዳሞት ተመሳሳሊ ወንጌላት ብዙሓት ድዮም ሓደ ብዘየገድስ መልኣኽ ነተን ኣብቲ መቓብር ዝተረኽባ ‘ንመን ትደሊያ ኣሎኽን ኣብዚ የሎን’ ቀጺሉ ኢየሱስ ይግለጸለን እሞ ከይደን ንሓዋርያቱ ትንሳኤ ከበስራ ይልእኸን፣ እተን ኢየሱስ ዝተገለጸን ኣንስቲ ፈሪሐን ሰንቢደን እውን እንተነበራ እዘን ኣብ ጉባኤ ኣባይቲ ፍርዲ ንምስክርነት ዘይብቑዓት ተባሂለን ዝሓሰባ እቲ ናይ ድሕነት ማእከል ምስጢር ዝኾነ ብስራት ክነግራ ብእግዚኣብሔር ተሓርየን እየን። ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብታ ‘Mulieris dignitatem-ክብሪ ደቀንስትዮ’ ኣብ እተሰምየት ሓዋርያዊት መልእኽቶም ማርያም መግደላዊት ሓዋርያተ ሓዋርያት ቢሎም ይሰምይዋ። ናይቶም ኣብሰርት ኣብሳሪት ምዃና የረጋግጹ። ኢየሱስ ክርስቶስ ብትንሳኤኡ ኣቢሉ ናይቲ ብኣምሳሉንን ኣርኣያኡን ናይ ዝተፈጠርና ምዃና ዘለዎ ክብሪ ዳግም የልብሰና ብትንሳኤኡ ኣቢሉ ናይቲ ፍጻሜ ኩነት ምስጢርን ቅዋሜን ቤተ ክርስትያን የረጋገጸልና። ብሓይሊ ቅዱስ መንፈስ ኵላትና ናይዚ ዓቢይ ዝተገልጸ ምስጢረ ትንሳኤ መሰኻኽር ንኸውን። ብዝተፈላለየ ህያባት ቅዱስ መንፈስ ኩላትና ስድራ ቤት ቤተ ክርስቲያን ንኸውን። በዚ መንፈስ’ዚ ድማ መሰኻኽር ትንሳኤ ዘእግዚኣነ ንኸውን” እንክብላ ዝገበርኦ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊለን።







All the contents on this site are copyrighted ©.