2013-04-02 14:58:36

ቋንቋ ቅዱስ ኣቦና፦ ካብ ልቢ ዝንቕል ንልቢ ዝዛረብ (ዝትንክፍ) እዩ


RealAudioMP3 ኣብ ሰሜናዊ ኢጣሊያ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብን ሮማ ኣብ ዝርከብ ኡርባኒያኑም ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ናይ ሓዲስ ኪዳን ስነ ትንታኔ መምህር ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ሊቅ ኣባ ማተዮ ክሪመላ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ዘመሓላለፍዎን ዘቕረብዎን ስልጣናዊ ኣስተምህሮን ስብከትን ምዕዳንን ኵሉ ክርድኦ ብዝኽእል ቅልል ብዝበለ ቋንቋን ናይ መልእኽቶም ሕመረት ድማ ብምድግጋም ኣብ ልቢ ኵሉ ክሰርጽ ዝገብር ፍሉይ ተኽእሎ ዘለዎም ምዃኖም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም። ቋንቋ ቅዱስ ኣቦና ተራን ዘይተሓላለኸን ግልጽን ሓጺርን ዓሚዩቕን እዩ። እዚ ድማ ናይ ሓደ ዝጽልን ዓቢይ መንፈሳውን ሰብኣውን ተመክሮ ዘለዎ ሰብ ክእለት እዩ። ኣብ መልእኽቶም ሓጸርቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ተመክሮን ናይ ካልእቶ ጸሓፍትን ሊቃውንቲ ብሂልን ይጥቀሙ፣ ካብ ተመክሮ ዝምንጭ ብምዃኑ ድማ ልቢ ብዙሕ ይትንክፍን ንዅሉ እውን ግልጺ ይኸውን። ነቶም መልእኽቶም ዘመሓላልፍሎም ሰባት እናጠመቱ እቲ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ እውን ብዙሕ ዘይጥቀምሉን መልእኽቶም ብምንባብ ዝመሓላለፍ ኣይኮነን። ስለዚህ መልእኽቶም ካብ ልቢ ዝነቐለ ናብ ልቢ ሰማዒ ዘብል እዩ። ኣብ መልእኽቶም ብምድግጋም ዘስምዕዎ ሓሳብ ድማ ናይቲ መልእኽቲ ሕመረት ብምዃኑ እንክደጋገም ኣብ ልባትና ተሓቲሙ እዩ ዝተርፍ። እዚ ንሶም ዝጥቀምሉ ሜላ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ሕርየት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ካብ ቤተ ክርስቲያኖም ርሒቖም ዝነበሩ ብዙሓት በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ናብ ቤተ ክርስቲያኖም ክምለሱ ደሪኹ እዩ ገና ይድርኽ እውን ኣሎ፣ ብምዃኑ ምስቲ ናይ ቅዱስነቶም ልሒቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝተተሓሓዘ ኮይኑ ንዝረሓቑ ዘቕርብ እዩ። ብዙሓት ኣብ ምስጢረ ንስሓ ካብዘይሳተፉ ንዓሰረ ዓመታት ካብኡ ንላዕሊ ብዙሓት ዓመታት ዘቑጸሩ ክናዘዙ ክመጹ ትርእይ፣ እዚ ድማ ባዕሎም እቶም ምእመናን ዘስምዕዎ ቃል ምስክርነት እዩ። ስለዚህ እግዚኣብሔር ዝልእኾ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መልሲ እግዚኣብሔር ንዓለም እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.