2013-03-30 14:32:48

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ትሕቲ ዕድመ


RealAudioMP3 ዕለት 27 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት በቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዋመ ምስጢረ ቅዱስ ቁርባንን ምስጢረ ክህነትን ዝሰራዓሉን ከምኡ እውን ዝሃቦ ሓድሽ ናይ ፍቅሪ ትእዛዝ “ንሓድ ሕድኩም ክትፋቐሩ ከምቲ ኣን ዘፍቀርኩኹም ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ምእንቲ ክፍትፋቐሩ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣሎኹ፣ ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣላትኩም በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኪፈልጥ እዩ” (ዮሓ. 13. 34-35) እንክብልን ክመኡ እውን “ካብ ድራድ ተንሲኡ ክዳውንቱ ኣንበረ ዓለባ ኣልዒሉ ተዓጥቀ ሽዑ ማይ ኣብ ሒላብ ኣዕሪቑ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኺሓጽብን በቲ ዝተዓጥቆ ዓለባ ገይሩ ኺደርዝን ጀመረ….” (ዮሓ. 1. 1-15) ብዝብል ኣገላልጻ ዝፈጸመ ሕጸበተ እግር ዝነብር ሥርዓት ሊጡርጊያ ዝብዕለሉ ጸሎተ ሓሙስ ምኽንያት ኣብ ከባቢ ሮማ ናብ ዝርከብ ካዛል ደል ማርሞ ቤት ማእሰርቲ ተሓድሶ ትሕቲ ዕድመ በጺሖም ድሕሪ ቐትሪ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጻራ ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን ሥነ ሥርዓት ሕጽበተ እግር ከምዝፈጸሙ እንክዝከር፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ካብቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሓድሶ ዝርከቡ ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት ናይ ዓሰርተው ክልተ መንእሰያት ኣእጋር ሓጺቦምንን ኣእጋሮም እውን ስዒሞም ኣነ ናብዚ ዝመጻእኩ ብድርኽቶ ልበይ እዩ፣ ናይ ልቢ ጉዳይ ዘበለ ኩሉ ክትገልጾ ዘጸግም እዩ። ስለዚህ ናብዚ ምብጻሐይ ሕቶ ናይ ልቢ እዩ ትርጉሙ ድማ ልቢ እዩ። ፍቑራት ደቀይ እቲ ኣባኹም ተነቢሩ ዘሎ ተስፋ ክስረቕ እይትፍቀዱ። ተስፋ ሰኒቕኩም ንቕድሚ ሰጉሙ” ዝብል ዝገለጸዎ ሓሳብ እቶም መንሰያት ንልቢ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀረባ ምዃኖም ዘረጋግጽ ምዃኑ ክምልከተ እንከሎ፣ ናይ ሮማ ሰበኻ ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣጐስቲኖ ቫሊኒ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ተሓድሶ ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት ምርኻቦም ዓቢይን ብርቱዕን ተመኵሮን ዝለገስዎ ምዕዳንን ከምኡ እውን ብፍቕሪ ኣተኵይሮም እንክጥምትዎም ነቶም ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት ቅርበቶም ዘረጋግጽ ከምዝኾነን ልቢ ኩሉ ናብ ጎይታ ክፉት ክኸውን ገይሩ እዩ” እንክብሉ ኣብቲ ዝተፈጸመ ስርዓት ጸሎተ ሓሙስ ዝተሳተፋ ናይ ኢጣሊያ ናይ ሕግንፍ ትሕን ሚኒስተር ፓውላ ሰቨሪኖ ብወገነን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ምርኻብ ቅዱስ ኣቦና “ብሓቂ እቶም ብዝተፈላለየ ገበን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ተሓድሶ ትሕቲ ዕድመ ዝርከቡ መንእሰያት ክሳብ ክደይ ፍቑራትን ንበይኖም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝተሓድጉ ከምዘይኮኑን ዘረጋግጽ እዩ” እንክብላ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ መሕትት ገሊጸን፣ “ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ዘሰልክን ተመናውን ግራጫ ዝዓብለሎ ዕጽዉ ቤት ማሕቡስ ተስፋ ዝዀልዑን፣ ኣብ ዝኾነ ኩነትን ቦታን ንሃሉ ተስፋ ከይነጥፍእ ዝመዓደን ተስፋ ከይቁረጽ ብቓልን ብግብርን ቀረባ ኮይኖም ፍቕሪ ዘረጋግጸ እዩ” እንክብላ ኣብ ፍትሕን ሕግን ሚኒስትር ናይ ፍትሕን ሕግን ጉዳይ ትሕቲ ዕድመ ዜጋት ዝምልከት ክፍሊ ሓላፊት ካተሪና ኪኒቺ ብወገነን ድሕሪ እቲ ስነ ስርዓት ጸሎተ ሓሙስ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፦ “ኣብቲ ስነ ስርዓት ብምስታፈይ ዕድለይና እየ፣ ብሓቂ ንመንፈስካ ዘነቓቕሕ ኩነት እዩ ኔሩ። እቲ ኣነ ዝተሰመዓኒ ሓጐስ ኩላቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝተረኽቡን ኣብኡ ኣገልግሎት ናይ ዝህብ ማሕበር ወለንተይናታት ኣባላትን ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት እውን ዝተሰምዖም ከምዝኾነ ይምስክር፣ ምስ በላ ቅድም ናይ ሕጻናት ጉዳይ ዝከታተል ቤት ፍርዲ ላዕለዋይ ዳይና እንከለዋ ዝነበርኦ ተመኵሮ ብዙሓት ብዝተፈላለዩ ገበን ዝተኸሱ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ታሪኽ ብቐረባ ዝፈልጥኦን ፍርዲ ዝሃባሉን ጉዳይ ምዃኑ ዘኪረን ኮይኑ ግን ኣብቲ ሓድሽ ውለዶ ዘሎና ተስፋ ወትሩ ህያው እዩ” ኢለን።
ናይ ካዛለ ደል ማርሞ ቤት ማእሰርቲ ተሓድሶ ትሕቲ ዕድመ ናይ ጸጥታን ድሕነት ኣዛዚ ሳውሎ ፓትሪዚ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ “ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዋፊርካ ከተገልግል ቀስ እናበልካ ምስቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ብሓንሳብ ትነብር ክይንካ እዩ ዝስመዓካ፣ ስለዚህ በቲ ዝፈጸመዎ ገበን መንጽር ዘይኮነ ብሰብኣውነት ክትጥምቶምን ክትሓልየሎምን ትጅምር፣ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ እሱራት መንእሰያት እያቶም ስለ’ዚ ኣዚኻ ኢኻ እትሓስበሎምን ናይ መጻኢ ሕይወቶም እሩም መታን ክኸውን ኣብ ሕንጸት መዳይ እውን ትዋሳእ፣ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ምርኻብ ቅዱስ ኣቦና ነቲ እንህቦ ኣገልግሎት ዘበራትዕ እዩ” እንክብሉl ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.