2013-03-30 10:24:43

ሰንበት ዘመፃጕዕ 2005 ዓ.ም. (7/22/05) (3/31/13)


መዝሙር፡ አምላኩሰ ለአዳም . . . . ።
ንባባት፡ 1ቆሮ 10፡1~12፥ ያዕ 5፡14~ፍ፥ ግ.ሓ. 3፡1~12፥ ሉቃስ 13፡1~9
ስብከት፡ እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዓራተ ሕማሙ፥ ወይመይጥ ሎቱ ኵሎ ምስካቢሁ እምደዌሁ፤ አንሰ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ፥ “ ሓሚሙ ምስ ደቀሰ እግዚአብሔር ይድግፎ፥ ካብ ሕማሙ ድማ የሕውዮ። አነኸአ ኦ ጎይታይ በዲለካ እየ እሞ ምሓረኒ ካብ ሕማመይ ከአ አሕውየኒ” መዝ. 41፡3~4።
መዝሙር: አብ ሰንበት ዘመፃጕዕ ዝዝመር መዝሙር፦“ንአዳም አምላኹ ሰንበት ንዕረፍቲ ሰርዐ አይሁድ ንኢየሱስ ብናይ መን ስልጣን ኢኻ እዚ እትገብር ዘሎኻ በልዎ ንሱ ኸአ አነ እገብር አሎኹ ንስኹም ከአ ብግብረይ እመኑ አነ ጎይታ ሰንበት እየ ንምሕረት ከአ አብአ እየ ንአይ አብ ምድሪ ሓጢአት ክሓድግ ተፈቒዱለይ እዩ። ናጽነት ክሰብኽ ንዕዉራት አዒንቶም ከብርሃሎም ከአ አቦይ ልኢኹኒ እዩ፟“ ዝብል እዩ። ብመዓልቲ ሰንበት አብ ጎይታ ሰንበትን አቦ ምሕረትን ቀሪብና ምስኡ ክንዕረቕን ካብ ኩሉ ሓጢአትና ክነጽሕ ዘዘኻኽረና መዝሙር። ምጻጕዕ ክፉእ ሕማም ሥጋ እዩ ክርስቶስ ንብዙሓት ካብዚ ሕማም አሕውይዎም ሎሚ አብዚ ዘመና እዚ ሕማም አብ ገለ ክፍሊ ዓለማት እንተ ዘይኮነ ዳርጋ ጠፊኡ እዩ። ሎሚ ንሰብ አሸጊርዎ ዘሎ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ሕማም መፃጕዕ እዩ። ሰብ ከይሓዊ አብዩ እቲ ሕማም እናከበደን ከፍኤን አብ ዓለምና ንርእዮ አሎና ናይ ሎሚ ሰንበት እምብአር አብ ነፍስና ተመሊስና አጥቂዑና ዘሎ ሕማም መንፈሳዊ መፃጕዕ አለሊና ክንሓዊ አብቲ አቦ ምሕረት ንቕረብ። ክነጽሕ እንተ ደለና አብ አምላኽና ንቕረብ።
አስተንትኖና አብ ናይ ሎሚ ወንጌል እንተ ርኤና ክንሳሕ ዝዕድም እዩ። አብ ጊዜ ጾም ልዕሊ ኹሉ ክንዝክሮ እሞ አብ ሕይወትና ብተደጋጋሚ ዘድልየና ምሕረትን ፍቕሪ አምላኽን እዩ። አምላኽና ኩሉ ጊዜ አብ ቃሉ እሙን ፈቃር አቦ እዩ። አባና ዘለዎ ፍቕሪ ኩነታትና ብዘየገድስ፥ ኃጢአትና ዝኸፍአ ይኹን አይቅየርን እዩ። ንሱ አፍቃሪ ጥራሕ አይኮነን ብርእሳ ፍቕሪ እዩ። ፍቕሪ ብርእሳ ናቱ እንታይነት እያ። ንሱ ዘየፍቅር ክኸውን አይክአልን እዩ።
ፍቕሩ ከም ፀሓይ ንኹሉ ብርሃና ንጥዑያትን ሕሱማትን ብማዕረ እትህብ እዩ፥ ከም ዝናም አብ ልዕሊ ጻድቃንን ኃጥአንን ብማዕረ ዘወርድ እዩ። ንሕና እምብአር ንአኡ ክንመስል አብ ኩሉ ሕይወትና ክነስተንትኖ እሞ ብዘይ ቅድሚ ኩነት ንኹሉ ክነፍቅር። ኩነታቶም ብዘየገድስ ጠባዮም ብዘየገድስ ክነፍቅሮም እሞ ሰናይ ክንገብረሎም እዩ ድላይ ኢየሱስ መምህርና። እዚ ንአና ደቂ ሰብ ከቢድ እዩ ግን አብዚ እዋን አብ ቅድሚ አምላኽ ተደፊእና ሕይወትና ክንርኢ እንተ ኸኣልና አብ ግብሪ ክንፍጽሞ አይክኸብደናን እዩ።
አምላኽ ንኹሉ ብማዕረ እዩ ዘፍቅር ንዝብል አብ ገለ ኩነታት ከምዚ አብ ወንጌል ዝተነበ ክንቅበሎ ወይ ክንርድኦ ይኸብደና። አብ ገለ እዋን ቁጥዓ አምላኽ ክርአ ንደሊ። ሕነ ክፈዲ ምዓት ከውርድ ክንርኢ ንደሊ፥ አብዛ እንነብራ ኁኮተኛ ዓለም አምላኽ ምዓቱ ከውርድ ዳርጋ ክንርኢ ንደሊ ብፍላይ ሕማቕ ንዝገበሩና ውድቀቶም ሞቶም ክንርኢ ንደሊ።
ፍቕሪ አምላኽ አብ ናትና ተግባር ዘይምስረት እንተ ኾይኑ፥ አባና ዘልኦ ፍቕሩ ብዝገበርናዮ ክፉእ ዘይቅየር እንተ ኾይኑ ከምድላይና ክንገብር ንኽእል ማለት ድዩ? ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ሕይወት ክንመርሕ አድላዪ ድዩ? ኃጢአት እንተ ገበርናን እንተ ዘይገበርና እንታይ ለውጢ አልኦ?አብ ከምዚ ዝብል ምጥርጣር እንተ ወረድና ናይ ብሓቂ ድንገታዊ እዩ።
ናይ ሎሚ ንባባትና ሰለስተ ነገራት ይሕብሩና፡

እዚ ፍጹም ሓቂ እዩ ሓንቲ ክንጠራጠር የብልናን። ወላ ኃጢአት እንተ ገበርና አምላኽ ካብ ምፍቃርና ሓንቲ ለውጢ አይገብርን እዩ። ግን ኃጢአት እንተ ገበርና አይነፍቅሮን ኢና ዘሎና። በዚ ምኽንያት ካብኡ ንፍለ። ፍቕሪ ብኽልተ እያ እትመጽእ። ክልተ አብ መንግኦም ብዝገብርዎ ውህደት እያ እትመጽእ። ብክልቲኦም ብማዕረ አብ መንግኦም ምልውዋጥ ክሳብ ዘይተረኽበ ፍቕሪ ምልአት የብላን። ስለዚ ናይ አምላኽ ፍቕሪ አነ ክሳብ ዘይተሳተፍክዎ፥ አነ ንአምላኽ ፍቅሩ ክቕበል ርእሰይ ክሳብ ዘይከፈትኩሉን ናተይ ፍቕሪ ክሳብ ዘይሃብክዎን ውጽኢት ክህልዋ አይክአልን እዩ። ኃጢአት ክንገብር እንከሎና አምላኽ ምፍቃርና አየቋርጽን እዩ፥ ንሕና ኢና ካብ ምፍቃሩ እነቋርጽ። ኩሉ ጊዜ ንሕና ኢና ነቲ ርክብ እንበትኮ።
እግዚአብሔር ንሰብ ይቀትልዶ? አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ሰባት አብ ኢየሱስ ቀሪቦም ነቶም ገለ ገሊላውያን ብሮማውያን ወተሃደራት አብ ቤተ መቕደስ እንከለዉ ዝቐተልዎም ነጊሮሞ። አብ መልሱ ኢየሱስ ካልእ አብነት አምጺእሎም ናይ እቶም ህንፃ ወዲቕዎም ዝሞቱ 18 ሰባት ነጊርዎም። እዚኦም ካብ ካልኦት ዝኸፍአ ኃጢአት ነርዎም ድዮም ተቐቲሎም? እዚ አምላኽ ከመይ ገሩ ከምዝቐጽዕ ዘርኢ ድዩ? አነ ብኸምዚ ዝአመሰለ እንተ ዘይተሳቐኹ አይኃጣእኩን ማለት ድዩ?
አብ መንጎና ኩሉ ጊዜ ሓደ ነገር እንተ ረኤና ከም መቕጻዕቲ አምላኽ ገርና እንርኢ አሎና። አብ ዓድና አብ ጊዜ ክረምቲ ብርቱዕ በረድ እንተ ወረደ እሞ ብዙሕ እንተ ጎድኤ ምስ በደልና ነዛምዶ? ከምኡ ሓደ ገፋዒ ሰብ ገለ እንተ ረኸበ በቲ ዝገበሮ ከም መቕጻዕቲ ገርና ንርእዮ? አብ ገለ እዋን ከአ አምላኽ ዘፍቅረና እንተ ኾነ ስለምንታይ ነዚ ነገር ከይከውን ደው ዘየበሎ? አብዚ ንአምላክ ከም ሓደ ተቖጻጻራይ አብ ዓለም ንዝግበር ነገራት ዝፍኑን ዝቆጻጸርን ገርና ንሓስቦ።
ንሓንቲ ነፋሪት ተሮርስቲ አብ ውሽጣ ቦምባ እንተ ገበሩላ እሞ አብ ሰማይ እንከላ እንተ ተተኮሰ እቶም አብአ ዝነበሩ ሰባት እንተ ሞቱ ብሰንኪ ዝገበርዎ ከም መቕጻዕቲ ገርና ክንርእዮ ንኽእልዶ? ወይ ከም ምንድቕዳቕ መሬት ኮይኑ አሽሓት ሰባት እንተ ሞቱ ፍሉይ በድል ከም ዝገበሩ ከም መቕጻዕቲ ወሪድዎም ክንብል ንኽእልዲና? አብ አፍርቃ ሕማም ኤይድስ ንብዙሓት ይቐዝፍ አሎ እዚኸ ካብ አምላኽ በቲ ዝግበር ዝርጋን ከም መቕጻዕቲ ዝወርድ ዘሎ ድዩ? ብዛዕባ እቶም ብዘይፈልጥዎ ብምትሕልላፍ ደም ዝላገቦም ወይ አብ ከርሲ አዲኦም እንከለዉ ዝተመሓላለፎም ሕፃናትከ እንታይ ክንብል ንኽእል መቕጻዕቲ ድዩ? ርግጽ ኤይድስ ናይ እቲ ሰባት ብዘይስሩዕ ርክብ ስጋ ዘምጽእዎ ክኸውን ይኽእል እዩ ግን ብቐጥታ ኢድ አምላኽ አልኦ ክንብል አይንኽእልን ኢና።
አምላኽ ንገለ ሰባት ዝያዳ የፍቅርዶ?
ንግዳያት አምላኽ አትሒቱዶ የፍቅር? እቶም ከምገለ ካብቲ ዝወረደ መዓት እንተ ድሓኑ ዝያዳ አምላኽ የፍቅሮም ማለት ድዩ? ምናልባት ብአንጻሩ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ዝሞቱ ንአምላኾ ክረኽቡ ስንድዋት ክኾኑ ይክአል፥ እቶም ዝተረፉ ግን አምላኽ ገና ክንስሑሉ ዝግብኦም አልይዎም ዝያዳ ዕድል ሂብዎም ክኸውን ይክአል። ኢየሱስ አነጺሩ መጠንቀቕታ ይህብ፡ “እንተ ዘይተነሳሕኩም ንስኹም እውን ከምኦም ክትሞቱ ኢኹም” ይብል። ተነስሑ ክብል እንከሎ ውሽጣዊ ጣዕሳ ዘልኦ ፍጹም ተሓድሶ እዩ ዘስምዕ። ጭሪሽካ ሕይወትካ ምቕያር እሞ ሕይወትካ ንፍቕሪ አምላኽ ብምልኡ ምኽፋት እዩ ዘስምዕ።
አብዚ ኢየሱስ ዝብሎ ዘሎ፡

አብ ሓቂ እንተ ረአናዮ ነፍስወከፍ ዝጓነፈና ነገር መግለጺ ፍቕሪ አምላኽ እዩ። ምናልባት ብፍሉይ ጸጋታት መንፈሳውን ንዋታውን ውህበታት እንተ ተዓደልኩ አምላኽ ብአይ ገሩ ጸጋታቱ ንኻልኦት ክዕድል ስለ ዝደሊ አነ መተሓላለፊ ጸጋ አምላኽ ክኸውን ስለ ዝደልየኒ እዩ። ከምኡ ብሕማማ ብሓደጋ፥ ብቃንዛ ወይ ውድቀት እንተ ተሳቐኹ አብዚ ኩነት እውን ህላዌ አምላኽ ክደሊ ይግብአኒ። ነዚ መገዲ ምስ እንኽተል ጥራሕ ኢና አብ ፍቕሪ አምላኽን ፍቕሪ አሕዋትን ክንዓቢ እንኽእል። ሕማማት ከም ብዓል ኤይድስ ከምኡ ካልእ ዓበይቲ ሕማማት አብ ቤተ ሰብን አዕሩክትን ዓሚቕ ፍቕርን ተገዳስነትን ክፈጥር ይኽእል። አብ ገለ እዋን ካብ መጠን ዝሓለፈ ጥዕናን ሃብትን አብ ርእስና ጥራሕ ከምእነተኩር፥ ንአይ ጥራሕ ይጥዓመኒ ካልኦት አይግድሱንን አብ ዝብል መንፈስ ከውድቐና ይኽእል። ፍቕሪ አብ ዘለዎ አምላኽ አሎ። አምላኽ አብ ዝይብሉ ሓቀኛ ፍቕሪ ክርከቦ አጸጋሚ እዩ።
ገደብ ዘይብሉ ዋሕስ የብልናን?
ኢየሱስ ሕጂ እውን ዝብለና ዘሎ አነ ዝተጠመቕኩ ክርስትያን ካቶሊካዊ ወላ እኹን ንድሕነተይ አብዚ ምድሪ ቀዋሚ ዋሕስ አሎኒ ክትብሉ አይትኽእሉን ኢኹም። ቅዱስ ጳውሎስ አብ ሎሚ አብ ሰብ ቆሮንጦስ ዝጸሓፋ ዝተነበትልና ከምዝብሎ ”ኵላቶም አብ ትሕቲ ደመና ነበሩ (አብ ጽላል አምላኽ ምዃን) ኩሎም ብባሕሪ ተሳገሩ፥ ኵላቶም ሰዓብቲ ሙሴ ኪኾኑ ብደመናን ብባሕርን ተጠምቁ፥ ኩላቶም ከአ ሓደ መንፈሳዊ መግቢ በልዑ፥ ኵላቶም ሓደ መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ (ካብቲ ሙሴ ዝወቕዖ ከውሒ ዝፈሰሰ ማይ). . . . . እንተኾነ ብመብዝኅትኦም አምላኽ አይተሓጎሰን፥ ስለዚ ሬስኦም አብ በረኻ ተበቲኑ ተረፍ” (1ቆር 10፡1~5) ይብል።
መንነት ወረቐት ወይ ፓስፖርት እንተ ሓዝኩ አነ ጥዑይ ሃገራዊ ማለት አይኮነን። ጥሙቕ ወላእ እውን ሕጂ ቅዳሴ እሰምዕ እንተ አሎኹ ወይ ምስጢረ ኑዛዜ ዘዘውትር እንተ ኸድኩ ብርእሱ አነ ንአምላኽን ንከማይ ዝበሉ ሰባት ከም ዘፍቅር ዋሕስ አይኮነን። ኩላትና አብ ሕይወትና ብኸምዚ ዓይነት ሕይወት ዝኸድና እኹሉ ተመክሮን አፍልጦን አሎና። ድሕሪ ነውሕ ዓመታት ቅዳሴ ምስማዕን ኩሉ ጊዜ ኑዛዜ ብምዝውታርን አብ መንፈሳዊ ሕይወትና ሓንቲ ለውጢ ወይ ዕብየት ከየርኤና ክነብር ንኽእል ኢና። አብ ሕይወተይ ሓደ ዓይነት ኃጢአት ጥራሕ ሒዘ ናብ አበ ነፍሰይ ዝኸይደ እንተ ኮይነ ወይ እውን ኃጢአት የብለይን ኢለ ኑዛዜ ዘየዘውትር እንተ ኾይነ እዚ አብ ሕይወተይ ገለ ዘይስሩዕ ነገር ከምዘሎ ምልክት እዩ እሞ አብ ነፍሰይ አትየ ክፍትሽ ክሓትት ይግብአኒ።
አብ ነፍስኻ/ኺ ምእታው ሓጋዚ እዩ።
ናይ ሎሚ ንባባትና አብ ውሽጥና ርኢና ክንክእል ዝሕግዙና እዮም። ንሕና ከምታ ኢየሱስ አብ ናይ ሎሚ ምሳሌ ዝበላ ኦም በለስ ኢና። እታ በለስ ሕይወት ነርይዋ እዩ እንተኾነ ፍረ ትህብ አይነበረትን፥ ስለዚ ክትቁረጽ ነርዋ። እንተ ኾነ እቲ ሓላው አታኽልቲ ‘ጎይታይ ኩሉ ዘድሊ ድዅዕ ማይ ኩስኮሳ ክገብረላ እየ እሞ ክተፍሪ ሓንቲ ዓመት ዕድል ሃበኒ” እናበለ ጊዜ ክውሃብ ሓቲቱ። ድሕሪ ዓመት ፍረ ክትህብ እንተ ዘይከአለት ክትቍረጽ እያ።
ነፍስ ወከፍና ከም ክርስትያን ነቲ ሓባራዊ ሕይወት ብጽቡቕ እናነበርና ጥራሕ ክነብር አይኮነን ጸዋዕታና። ዕለት ዕለት ብመንፈሳዊ ሕይወትና ዕብየት ለውጢ ክነርኢ ንአምላኽን ንከማና ዝበሉ ሰባትን አብ ምፍቃር ክንዓብየሉ ዝግብአና እዩ።
ንመንፈሳዊ ዕብየት ዝሕግዘና ክንጠቅስ፡

ክልተ መገዲ ፍቕሪ፡
መጀመርያ እግዚአብሔር ኩሉ ጊዜን አብ ዝኾነን ከምዘፍቅረኒ ከፈልጥ አሎኒ። እንተኾነ እዚ ፍቕሪ አምላኽ አባይ ምሉእ ዝኸውን ብወገነይ ዘፍቅርን ዝግደስን ሰብ ምስ ዝከውን፥ ንአምላኽን ሰብን ብቃልን ብግብርን ምስ ዘፍቅር እዩ።
ካብ አምላኽ ዘፍርሕ ነገር የብልናን። ንሱ ብቐጥታ ንአና ይኹን ንዓለምና አይቀጽዕን እዩ። ንሕና ምርጫ አሎና አብ ጥቕኡ ክንመጽእ፥ ነቲ ንሱ ንአና ንምርካብ ዘርእዮ ፍቕሪ ክንርኢ፥ ነቲ ንሱ ዘርእዮ ፍቕሪ ክንቅበል ርእስና ክንከፍት ወይ ከምቲ በታኒ ወዲ ብመገድና ክንከይድ እሞ ካብኡ ተፈሊና አብ ስቓይ ዝመልኦ ሕይወት ክንአቱ። እቲ ምርጫ አብ ኢድና እዩ ዘሎ። ፍቕሪ አምላኽ ክንወስዶ አብ ቅድመና ይጸበየና አሎ። እንታይ ንጽበ አሎና፥ “እንሆ ፈረስ እንሆ ሜዳ” እዩ ነገሩ። መንፈሳዊ ትብዓት ለቢስና ንአምላኽን ሰብን ክነፍቅር ንተንስእ።
አብዚ ቅዱስ እዋን ጸሞ እምብአር አብ ፍቕሪ አምላኽ ክነዕቢ ናቱ ኮና አፍረይት ሰናይ ግብሪ ክንከውን። አብ ክርስትያናዊ ሕይወትና ከም ኩሎም ቅዱሳን አብ ግራት አምላኽ ንዝተዋህበና ጸጋ አፍሪና ቅድስና ክንለብስ እንውስነሉ ጊዜ ኢና ዘሎና። አምላኽ ዘየፍቅሮ የለን እሞ ካባና እዋን ሎሚ ንአምላኽ ዘየፍቅር ከይርከብ ብጸሎት ንተሓጋገዝ።
አምላኽ ሎሚ እውን የፍቅረና እዩ፥ አብዚ ቅዱስ እዋን ቅድስና ለቢስና እንጉዓዘሉ ጸጋን ሓይልን ይሃበና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ።








All the contents on this site are copyrighted ©.