2013-03-28 13:18:27

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.፦ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋት ክፍኣት ምዝራብ ክሕደት ኣብ ልዕሊ ኢየሱስ እዩ


RealAudioMP3 ብምኽንያት ሰሙነ ሕማማት ትማሊ ረቡዕ ዕለት 27 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሕንጻ ቅድስቲ ማርታ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕርጊም ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ኣመርኵይዞም ክሕደት ይሁዳ ምስ ግብረ ሕምየታ ዝነጻጸርን እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሕማቕን ክፍኣት ምዝራብን ስም ካልኦት የሕዋት ምጽላምን ማለት እዩ እንክብሉ ከምዝገለጹ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ቅዱስ ኣቦና ማንም ከይተጸበዮ ድሕሪ ፍጻሜ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ባዚሊካ ቅድስ ጴጥሮስ ብምኽንያት ሰሙነ ሕማማት ብናይ ሃገረ ቫቲካን ኅየንተ ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሊቀ ካህናትን ሊቀ መንበር ቤት ዕዮ ቅዱስ ጴጥሮስን ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኮማስትሪ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንዝተሳትፉ ናይ ሃገረ ቫቲካን ሰራሕተይናታት ሰላምታኦም ንምቕራብ ከምዝበጽሑን ነቶም ሰራሕተይናታት ሃገረ ቫቲካን፦ ኣነ እውን ከም ኩሉ ሓጢኣተይና እየ እሞ ምእንታይ ጸልዩ። ንጐይታ እሙን ኮይነ ክርከብ መታን ጸልዩለይ፣ ብሩኽ ፋሲካ እምነየልኩም፣ ጐይታ ይባርኽኩም ሕያወይቲ እኖ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ትዓቅብኩም፣ ብዙሕ አመስግነኩም” እንክብሉ ሓጺር መልእኽቲ ከምዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ብላቲን ሥርዓት ናይ ትማሊ ረቡዕ ምንባበ ወንጌል፣ ይሁዳ ብ ሰላሳ ቕርሺ ብሩር ንኢየሱስ ኣሕሊፉ ከምዝሃቦን፣ ከምዝኸሓዶን ዘዘንትው ክኸውን እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ ማርታ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ሓጺር ሥልጣናዊ ስብከት፦ ሓደ ካብቶም ንኣኡ (ንኢየሱስ) ቀረባ ዝነበሩ ዓሰርተው ክልተ ምስ ሊቃነ ካህናት ከይዱ ንኢየሱስ ኣሕሊፉ ንምሃብ ምስኣቶም ይዋገይ፣ ኢየሱስ ከም ሓደ ኣቕሓ ንድግድ ተሸይጡ። ብዙሕ ግዜ እውን ኣብ ታሪኽ ቤተ ንግድ ዓለም…ሕይወትናን ኣክንዲ ንኢየሱስ ሰላሻ ቅርሺ መሪጽና ንኸውን ነቲ ዝተሸጠ ኢየሱስ ንጠምት፣ እቲ ግብረ ይሁዳ ንሕና ኣብ ቅድሚ ብጾትናን ኣሕዋትናን ንሓድ ሕድንና ንፍጽሞ፣ ክርድኣኒ ዘይክኣል ኣብ በለካን ለኻዓካን ቤላ ቤለውን ተምሳል ሓጎስ ዝርከብ ምኳኑ እዩ። እዚ ሓጐስ’ዚ ግን ዘይሓጐስ ኣዩ። እዚ ናይ ካልእ ቆርበት ምቕንጣን ግብረ ክፍኣትን ከመይ ኣቢሉ ሓጎስ ክፈጥረልና ይኽእል። እቲ ይሁዳ ዝፈጸሞ ግብረ ጥልመትን ክሕደትን ንፍጽም ንኸውን፣ ይሁዳ ንኢየሱስ ዝኸሓደ ዕጹው ዘየፍቅር ፍቕር ዘይተነብሮ ብዛዕባ ካልእ ዘይግደስን ኣብ ስቓይ ዘይሳተፍን ዕርከነት ዘይነብርን ወይ ድማ ዘይብሉ ልቢ ስለ ዝነበሮ እዩ። ንኻልኦት ክንሓምይ እንከለና ንሕና እውን ዕርክነትን ዓርክን የብልናን ኩሉ ንግድ ይኸውን ማለት የዕሩኽትናን ኣባላት ኣባይቲ ስድራናን ንሸይጥ ኣሕሊፍና ንህብ” ምስ በሉ፦ እቲ ኣብ ልዕሊ ብጾትና እንፍጽሞ በደልን ግፍዕን ኣብ ልዕሊ ኢየሱስ ኢና እንፍጽሞ፣ ስለምታይ ኢየሱስ ኣብ ኩሉን ምስ ኩሉን ስለ ዘሎ እዩ። እሞ ምሕረት ንለምን፣ ቆርበት ካልኦት ከይንቕንጥን ስም ከይነጸልምን ጸጋ ኣምላኽ ንለምን፣ ሓደ ካባና ኣበር እንተለዎ ብመልሓስና ክንፈርድ ዘይኮነ እንታይ ደኣ ምእንቲ እቲ ኣበር ዘለዎ ሓው እግዚኣብሔር ክድግፎ ምእንታኡ ንጐይታ ንጸሊ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.