2013-03-26 15:11:58

ኣርጀንቲና


RealAudioMP3 ኣብ ታሪኽ ሃገረ ኣርጀንቲና እቲ ኣብ 1976 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ብትኽክል ዕለት 24 መጋቢት 1976 ዓ.ም. ስልጣን ዝጨበጠ ክሳብ 1983 ዓ.ም. ዝነበረ ወተሃደራዊ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ዜጋታ ዝፈጸሞ ዓፈናን ጭፍጨፋን ጃምላዊ ቕትለትን ልዕሊ 30 ሺሕ ዝሃለቑ ኣሰሮም ጠሪሹ ዘይተረኽበ ደቂ ኣርጀቲና ትማሊ ኣብታ ሃገር ተዘኪሮም ከምዝወዓሉ እንክምልከት፣ ትማሊ ኣብ ርእሰ ከተማ ቡዌኖስ ኣይረስ ኣብ ኣደባባይ ማዮ፦ “ዝሓለቑ ልዕሊ 30 ሺሕ ዝግመቱ ሬሳኦም ኣውን ዘይተረኽበ ዜጋታትና ሎምን ወትሩን ህልዋት እያቶም” ብዝብል ጭርሖ ዝተመርሔ ናይቶም ዝተቐትሉን ዝጠፍኡን ኣሳእል ዝሰቐለ መደብ ሕዝባዊ ተዘክሮ ከምእተፈጸመን ኣብቲ መደብ ተዘክሮ፣ ዝተፈላለዩ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ማሕበራት ከምእተሳተፉን፣ ናይቶም ደቆምን ወለዶምን ዝሰኣኑ ስድራ ኣባይቲ ስዉኣት ኣርጀንቲና ማሕበር ሊቀ መንበር ኤስተላ ደ ካሮሎቶ ኣብ ዘስምዖኦ ዘረባ፦ “ነቲ ዝነበረ ወተሃደራዊ ምልካዊ ስርዓት ኣይፋል ንዝበለ በርገሳዊ ሕብረተሰብ ኣፍልጦ ዝህብ ዴሞክራሲያዊ ፍትሒ” ኣድላይነቱ ከምዘስመራሉን ኣብ ኣርጀንቲና ኣብ ልዕሊ እቶም ኣእዋዳዎም ብንጹሓን ዜጋታት ደም ዝጠልቀይ ናይ ቅትለት ዓመጽ ዝፈጸሙ ኣባላት ናይቲ ነበር ወተሃደራዊ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ፍርዲ ይቐርቡን ግብኡ ፍርዲ ይወሃቦም ከምዘሎን፣ እዚ ድማ ሳላ እቶም ደቃቶም ዝሰኣኑ ኣባይቲ ስድራ ብዝፈጸመዎ ጻዕርን ድላይ መላእ ህዝቢ ኣርጀንቲና ብምዃኑ እዩ።
እቲ ምሕረት ንገበነይናታት ዝብል ዝነበረ ውሳኔ ተሓኺኹ ተኸሰስቲ ኣባላት ናይቲ ነበር ምልካዊ ወተሃደራዊ ስርዓት ግቡእ ፍርዶም ክረኽቡ ዝገበሩ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ናይ ኣርጀንቲና ርእሰ ብሔር ነስትሮ ኪርኽነር ከምዝኾኑ ካሮሎቶ ኣብ ዘስምዖኦ ዘረባ ዘኪረን፣ ፍትሕን ሰላምን ዝዓሰላ ሃገረ ኣርጀንቲና ንምሕናጽ ዓብይ ናይ ሕዝቢ ቃልሲ ግደ ኣፍልጦ ምሃብ ግድን ዝበሉ ነፍሰ ኄር ርእሰ ብሔር ኪርኽነር እቲ ካብ ዝኾነ ይኹን ክሲ ናጻ ዝብል ንፍርዲ ከይቕርቡ ዝገብር ብናይ ምሕረት ውሳኔ ዝተኣታተወ ሕጊ ክሕከኽን ኩሉ እቲ ኣብ እዋን ምልካዊ ወተሃደራዊ ስርዓት ዝነበረ ታሪኽ ብዕምቆት ክጽናዕን ከምዝገበሩን ድሕሪኦም ድማ በዓልቲ ቤቶም ክርስቲና ፈርናንደስ ክሪኽነር ናይ ኣርጀንቲና ርእሰ ብሔር ኮይነን ተሓርየንን፣ እቲ ነፍሰ ኄር በዓል ቤተን ዘበገስዎ ውሳኔ ቀጻልነቱ ከምዘረጋገጻ ሓቢረን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ብሔር ክርስቲና ፈርናንደዝ ክሪኽነር ብትዊተር ማሕበራዊ መረብ ኣቢለን “ማዕርነት ክረጋገጽን ነቶም ዝተጨቆኑን ኣብ ድኽነት ዝርከቡ ብፍላይ ዝድግፍ ፍትሓዊ ማዕርነት ክሳብ ዝረጋግጽ ሕዝባዊ ቃልሲ ክቕጽል ኣለዎ” ቢለን “እዚ ድላይ’ዚ ድማ ናይቶም ዝሓለፉ ስዉኣት ኣርጀንቲና ለበዋ እዩ” ከምዝበላ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።







All the contents on this site are copyrighted ©.