2013-03-26 14:56:50

ቅድስቲ መሬት፦ ካቶሊካውያንን ኣርቶዶክሳውያንን በዓለ ፋሲካ ብሓባር


RealAudioMP3 ኣብ እስራኤልን ከባብታት ፍልስጥኤምን ዮርዳኖስን ቀጵሮስን ዝርከብ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ሰሙነ ሕማማት ኣብ ወርሒ ግንቦት ቀዳማይ ሰሙን ናይ ዩሊዮስ ባህረ ሓሳብ መሰረት ብሓባር ምስ ኦርቶዶክስ ማሕበረሰብ ከብዕል ምዃኑ እንክምልከት እዚ ድማ እቲ ዕለት 15 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መሬት መደበይና ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ውሳኔ መሰረት ክኸውን እንከሎ ናይቲ ከባቢ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ሰሙነ ሕማማትን በዓለ ፋሲካን ብናይ ዩሊዮስ ባሕረ ሓሳብ መሰረት ብሓባር ከብዕሉ ብብፁዓን ጳጳሳቶም ብዝተውሃቦም መርሕ መሰረት ድማ ለብዘበን ግንቦት ሓሙሽተ በዓለ ፋሲካ ምስ ኦርቶዶክስ ማሕበረሰብ ብሓባር ከብዕሉ ምዃኖም እንክግለጽ፣ ኣብ ኢየሩሳሌምን ቤትልሔምን ግን ልክዕ ብናይ ጎርጎሪዮስ ባሕረ ሓሳብ ዝበዓል ኮይኑ ከምዝተርፍን እዚ ድማ ነቲ ኣብቲ ቅድስቲ መሬት ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሳት ስፍራ መምርሒ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ንምኽባርን ከምኡ እውን በዚ ዓቢይ በዓል ምኽንያት ናብ ቅድስቲ መሬት ዝውሕዙ መንፈሳዊ ነጋዶን ዕድል ንምሃብ ብዝብል መሰረት ምዃኑ ዝሓበረ ፌደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ ኣብ እየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምኽትል ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ዊሊያም ሾማሊ ነቶም ኣብ ቴል ኣቪቭ ዝርከብ ወጻኣይተይናታት ብምሕሳብ እውን ምዃኑ ከምዝገለጹ ኣመልኪቱ።
ብፁዕ ኣቡነ ሾማሊ እዚ ብሓባር ናይ ምብዓል ውሳኔ ነቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንውህደት ዝኣመተ ዝኽተልኦ ናይ ሓባር ዘተ ንምትብባዕን ንምድጋፍን ተሓሲቡ ኣውን ምዃኑ ገሊጾም ክሳብ 2015 ዓ.ም. ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ እቲ በዓለ ፋሲካ ብሓባር ምብዓል ዝብል ውሳኔ ናይ መረጋገጺ ድጋፍን መተኻኸልን ውሳኔ ካብ ቅድስቲ መንበር ክቐርብ ምዃኑ ከምዘመልከቱ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.