2013-03-26 14:50:16

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ ኢየሱስ ተስፋ የቕርቡልና


RealAudioMP3 ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 24 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብላቲን ስርዓት ንበዓለ ሆሳዕና ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ኣብ ዘስምዕዎ ሥልጣናዊ ስብከት ብፍላይ በዓለ ሆሳዕና ብሔራዊ ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ዝበዓለሉ ዕለት ምዃኑ ዘኪሮም፦ “ተስፋ ንዝሰርቕ ገዛእ ርእስኹም ኣይትሕደጉ፣ ተስፋ ካባኹም ክስረቕ ኣይትፍቀዱ” ቢሎም እዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ብኵለ መዳይ ቅልውላው ተስፋ ዝረኣየሉን ብፍላይ ሓድሽ ወለዶ በዚ ቅልውላው’ዚ ኣዚዩ ዝተጠቕዔ ምዃኑ ከምዘዘኻከሩ ክምልከት እንከሎ፣ ኣብቲ ንበዓለ ሆሳዕና ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ካብ እተሳተፉ ኣብ ሰበኻ ሮማ ኣብ ናይ መንእሰያት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ተዋፊረን ዘገልግላ ዓለማዊ ምእመን ሚከላ ራናልዲ ድሕሪ እቲ ቅዳሴ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፦ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ “ክርስቲያን ዝነብሮን ዘለዎን ሓጐስ ምስ ኢየሱስ ካብ ምርኻቡ ዝውለድ ሓጐስ እዩ። ምእንቲ’ዚ ሕዙን ክኸውን ዘይከኣል እዩ” ዝበልዎ ቃል ጠቒሰን እቲ ኣብ ክርስትና ዘሎን ክርስቲያን ዝራኸቦ ሓጐስን ሕይወት ዝልውጥ በይንኻ ዘይምዃንካን በይንኻ ከምዘይኮንካ ዘረጋገጽ ዕዙዝ ብርታዔ ክህልወካ ዝገብር በቲ ዓቢይን ኢትኣላውን ፍቕሪ ዝዕብለል ብምዃኑ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን መስቀልን ሓጐስ ክርስቲያንን ብምትሕሓዝን ክርስቲያናዊ ሓጐስን መስቀል ዘይፈላለዩ ምዃኖም ገሊጾም፣ ሕይወት ክርስትና “ዝተሰግረ ጓሂ ወይ ድማ ዝተሰግረ ቀቢጸ ተስፋነት” ዘነጽር እዩ። እዚ ማለት ድማ ክርስቲያን ምዃን ማለት ኣብ ዕለታዊ ናብራ ኮነ ኣብ ምድራዊ ሕይወት ኣልቦ ሽግርን መከራን ምንባር ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ነቲ ዘጋጥም ሽግርን ጸገም ብጥበብ ንምስጋሩን ንምፍታሑን ምትጋህ ማለት እዩ። እቲ ናይ ክርስቲያን ሓጐስ ክርስቶስ እቲ ስቓይ ብደሙ ሓጺብዎ ካብ ዝብል እምነት ዝምጭው እዩ። ስለዚህ ዕለታዊ ናብራኻ በዚ እምነት ተመሪሕካ ምንባር እዩ እቲ ናይ ክርስቲያን ሓጐስ። ጎይታ ስቓይ ከይህሉ ዘይኰነስ እንታይ ደኣ እቲ ተኣምር ካብቲ ስቓይ ሓቀይና ሓጐስ ክፍልፍል እዩ ዝገብር። ስለዚህ ሓጐስ ብእግዚኣብሔር ስለ እትጸናናዕን ብኣኡ ስለ ዝደሓንካ እዩ ዝርከብ ኢለን።
ኣብዚ እዋን ሰሙነ ሕማማት ኢየሱስ ክርስቶስ ሕይወቱ ናብ ዝጽንቕቕ ኩነትን ኩለንተናኡ ናብ ዘወፍየሉ እዚ ድማ እቲ ዘደንጽውን ግርንቢጥ ዝኾነን ገዛእ ርእሱ ብምውፋይ ዝፈጸሞ ናይ ድሕነት ተግባር ይስትንተን። ክርስቶስ ዝገለጾ ፍቕሪ ምስ ተራ ደስታ ከገራጨው የብሉን ስለምታይ እቲ ሓቀይና ፍቕሪ ብመስቀል ዝሓልፍ ስለ ዝኾነ እዩ። ስለዚህ ሓቀይና ፍቕሪ ካብ መስቀል ኢና እንመሃር፣ ናይ ወንጌል ፍጻሜ ትርጉም ፍቕሪ እዩ። እዚ ምዃኑ ድማ ኢየሱስ ብሕይወቱ ገሊጹልና እዩ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጊሞም ተንቲኖምልና እዮም። ቅዱስ ኣቦና ናይዚ ንዅሉ ዝሓቁፍ ንማንም ዘይንጽል ውህበትን ውበትን ዝኾነ ፍቕሪ ይገልጹልና እንክብላ ዝሃብኦ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊለን።







All the contents on this site are copyrighted ©.