2013-03-23 14:26:44

ናይ ግብጺ ዓቢይ ኢማም ኣል ኣዝሃር


RealAudioMP3 ኣብ ግብጺ ናይ ኣል ኣዝሃር ዓቢይ ዒማም ኣህመድ ኤል ታየብ “እቶም ናይ ሓባር ዝኾኑ ክቡርት ዋጋታት ንምትብባዕን ናይ ጽልእን ኢማዕርነትን ኣድልዎን ባህሊ ንምውጋድን እዚ ኣገልግሎት ውሑስ ዝገብር ኣብ ዓለም ምሉእ ምትሕብባርን ፍቕርን እዩ። እዚ ንምንቕቓሕ ኩሉ ክተግህ ዝብል ሓሳብ ማእከል ዝገበረ ንቅድሱ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሰናይ ኣገልግሎት ጅማሬ መግለጺ ናይ ቴሌግራም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን ኣብቲ መልእኽቶም ዓቢይ መምህር ኣሕመድ ኤል ታይብ፦ “ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ምዕራብን ምስራቕን ንዝርከቡ መላእ ካቶሊካውያን ምእመናንን ጥራሕ ዘይኮነ ነቲ ምርግጋእን ሰላምን ዘድልዮ መላእ ህዝቢ ዓለም እውን እወታዊ ምልክታ እዩ” ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ከምዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.